ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ፊልጲ 1:1-30

1  ካብቶም ባሮት ክርስቶስ የሱስ ዝዀኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፡ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ፊልጲ ዘለዉ ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘለዎም ቅዱሳት፡ ምስ ኵሎም ሓለውትን ኣገልገልቲ ጉባኤን፦  ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።  ክዝክረኩም ከለኹ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ አመስግኖ እየ፣  ምእንቲ ዅላትኩም ክምህለል ከለኹ፡ ምህለላይ ብሓጐስ እየ ዘቕርቦ።  ስለምንታይሲ፡ ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ ነቲ ብስራት ኣበርክቶ ጌርኩም ኢኹም።  እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ፡ ክሳዕ መዓልቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ዚፍጽሞ እተኣማመን እየ።  ኣቱም ተኣሲረ ኸለኹ ዀነ ነቲ ብስራት ብሕጊ ኽስርቶን ክማጐተሉን ከለኹ ኣብቲ ጸጋ መኻፍልተይ ዝዀንኩም፡ ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፡ ብዛዕባ ዅላትኩም እዚ ምሕሳበይ ቅኑዕ እዩ።  ከም ናይ ክርስቶስ የሱስ ብዝዓይነቱ ልባዊ ፍቕሪ ንዅላትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፡ ኣምላኽ ምስክረይ እዩ።  ፍቕርኹም ብልክዕ ፍልጠትን ብምሉእ ምስትውዓልን እናበዝሐ ኪኸይድ፡ እዚ እጽሊ ኣለኹ፣ 10  እንታ ዘይብልኩምን ክሳዕ መዓልቲ ክርስቶስ ንኻልእ ዘይትዕንቅፉን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሓይሽ ክትምርምሩ፡ 11  ንኽብርን ውዳሰን ኣምላኽ ከኣ በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ ኽትምልኡ እየ እዚ ዝገብር ዘለኹ። 12  ኣሕዋተየ፡ እቲ ዝበጽሓኒ ነገር ንምስፋሕ እቲ ብስራት ኰይኑ ኸም ዘሎ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ፣ 13  ስለዚ፡ እቲ ምእንቲ ክርስቶስ እተኣሰርኩሉ ማእሰርተይ፡ ኣብ ኵሎም እቶም ዘብዐኛታት ሃጸይን ኣብ ኵሎም ካልኦትን ተፈሊጡ ኣሎ። 14  መብዛሕትኦም ብጐይታ ኣሕዋት፡ ብምኽንያት ማእሰርተይ እምንቶ ኣሕዲሮም፡ ከይፈርሁ ቓል ኣምላኽ ንምዝራብ ብዝያዳ ተቢዖም ኣለዉ። 15  ገሊኦም ንክርስቶስ ብቕንእን ብባእስን፡ ገሊኦም ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ይሰብክዎ ኣለዉ። 16  እዞም ዳሕሮት ነቲ ብስራት ክማጐተሉ ኸም እተመደብኩ ይፈልጡ እዮም እሞ፡ ንክርስቶስ ብፍቕሪ ይሰብክዎ ኣለዉ፣ 17  እቶም ቀዳሞት ግና ኣብቲ ማእሰርተይ ጸበባ ኼምጽኡለይ ይሓስቡ ኣለዉ እሞ፡ ብቕንዕና ዘይኰነስ፡ ብህልኽ ይሰብክዎ ኣለዉ። 18  እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ እንተ ብምስሉይነት እንተ ብሓቂ፡ ብዝዀነ ዀይኑ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ፡ ኣነ ኸኣ በዚ እሕጐስ እየ፡ ክሕጐስ እውን እየ፣ 19  ከመይሲ፡ እዚ ነገር እዚ ብጸሎትኩምን ብደገፍ መንፈስ የሱስ ክርስቶስን ንድሕነተይ ከም ዚኸውን እፈልጥ ኣለኹ። 20  ብገለ እኳ ምእንቲ ኸይሓፍር፡ የግዳስ ከም ኵሉ ሳዕ ሕጂ እውን ብትብዓት ብምዝራብ፡ እንተ ብህይወት ወይስ ብሞት፡ ክርስቶስ ብሰብነተይ ምእንቲ ኪኽበር፡ ሃረርታይን ተስፋይን እዩ። 21  ንዓይሲ፡ ብህይወት እንተ ነበርኩ፡ ንክርስቶስ፡ እንተ ሞትኩ ድማ፡ ንረብሓ እዩ። 22  ብስጋ እንተ ነቢረ ኸኣ፡ እዚ ፍረ ዕዮይ እዩ፡—ግናኸ፡ ኣየናይ ከም ዝሓሪ ኣይመፍለጥኩን። 23  በዘን ክልተ እዚአን እጭነቕ ኣለኹ፣ ክፍኖን ምስ ክርስቶስ ክኸውንን ትምኒት ኣሎኒ፣ እዝስ ዝሓሸ እዩ። 24  ምእንታኹም ግና፡ ብስጋ ምጽናሐይ ብዝያዳ የድሊ እዩ። 25  በዚ ተኣማሚነ ኸኣ፡ ምእንቲ ዕቤትኩምን ሓጐስ እምነትኩምን፡ ምስ ኵላትኩም ከም ዝጸንሕን ከም ዝቕጽልን እፈልጥ እየ፣ 26  እዚ ድማ፡ ከም ብሓድሽ ምሳኻትኩም ብምህላወይ፡ ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኩም ፍስሃ ምእንቲ ኺዓዝዝ እዩ። 27  መጺአ ዝርእየኩም እንተ ዀይነ ወይስ ኣብኡ እንተ ዘየለኹ፡ ስለ እምነት እቲ ብስራት ብሓንቲ ነፍሲ ብሓባር እናጸዓርኩም፡ ብሓደ መንፈስ ጸኒዕኩም ከም ዝቘምኩም ምእንቲ ኽሰምዕ፡ ሓንትስ ነቲ ብስራት ክርስቶስ ከም እትበቕዑ ዄንኩም ንበሩ፣ 28  ብተጻረርትኹም ብገለ እኳ ኸም ዘይትፈርሁ እውን፡ ክሰምዕ እደሊ እየ። እዚ ንዓታቶም ንጥፍኣት፡ ንዓኻትኩም ግና ንድሕነት ዚኸውን መርትዖ እዩ፣ እዚ እውን ካብ ኣምላኽ እዩ። 29  ከመይሲ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ሓለፋ እተዋህበ፡ ንዓኻትኩም እዩ፣ እዚ ድማ ምእንታኡ መከራ ኽትጸግቡ እውን እምበር፡ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ኣይኰነን። 30  ስለምንታይሲ፡ ከምቲ ኣባይ ዝረኣኹምዎ፡ ሕጂ እውን ኣባይ ከም ዘሎ እትሰምዕዎ ዘለኹም ዓይነት ገድሊ ኣሎኩም።

እግረ ጽሑፍ