ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ግብሪ ሃዋርያት 7:1-60

7  እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ “እዚ ነገር እዚ ኸምኡ ድዩ፧” በሎ።  ንሱ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትን ኣቦታትን፡ ስምዑ። ኣምላኽ ክብሪ ንኣቦና ኣብርሃም፡ ገና ኣብ ካራን ከይተቐመጠ፡ ኣብ መሶጶታምያ ኸሎ፡ ተራእዮ፣  ‘ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ፣ ናብታ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ’ ድማ በሎ።  ሽዑ፡ ንሱ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወጺኡ፡ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብኡ ናብዛ ሕጂ እትነብርዋ ዘለኹም ምድሪ ኣግዓዞ።  ኣብኣ ድማ መርገጽ እግሪ ዚኣክል እኳ ርስቲ ኣይሃቦን፣ ግናኸ፡ ውሉድ ዘይብሉ ኽነሱስ፡ እታ ምድሪ ንዕኡ፡ ብድሕሪኡ እውን ንዘርኡ ኸም ዜረስትዮ፡ ኣተስፈዎ።  ዘርኡ ኣብ ምድሪ ጓና፡ ስደተኛ ኪዀኑ ምዃኖም፡ ን400 ዓመት እውን ኪገዝእዎምን ኪገፍዕዎምን ምዃኖም ከኣ፡ ኣምላኽ ተዛረበ።  ኣምላኽ ድማ፡ ‘ነቲ ዚግዝእዎ ህዝቢ ኸኣ ኣነ ኽፈርዶ እየ፣ ድሕርዚ፡ ኪወጹ እሞ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኼገልግሉኒ እዮም’ በለ።  “ኪዳን ግዝረት እውን ሃቦ፣ ከምኡ ኸኣ ንይስሃቅ ወለደ እሞ ብሻምነይቲ መዓልቲ ገዘሮ፣ ይስሃቅ ድማ ንያእቆብ ወለደ፡ ያእቆብ ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ርእስታት ዓሌት ወለደ።  እቶም ርእስታት ዓሌት ድማ ንዮሴፍ ቀኒኦምሉ ናብ ግብጺ ሸጥዎ። ኣምላኽ ግና ምስኡ ነበረ፣ 10  ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኸኣ ኣናገፎ፣ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድማ ሞገስን ጥበብን ሃቦ። ንሱ እውን ንግብጽን ንብዘላ ቤቱን ኬመሓድር ሸሞ። 11  ኣብ ብዘላ ግብጽን ከነኣንን ከኣ ጥሜትን ብርቱዕ ጸበባን ኰነ፣ ኣቦታትና ድማ ምግቢ ሰኣኑ። 12  ያእቆብ ግና ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዚርከብ ሰምዐ፡ ንኣቦታትና ኸኣ ቀዳማይ ግዜ ለኣኾም። 13  ኣብ ካልኣዮም ድማ፡ ዮሴፍ ንኣሕዋቱ ገዛእ ርእሱ ኣፍለጦም፣ ዓሌቱ እውን ኣብ ፈርኦን ተፈልጠ። 14  ዮሴፍ ከኣ ንኣቦኡ ያእቆብን ንዅሎም እቶም ሰብዓን ሓሙሽተን ነፍሲ ዚዀኑ ኣዝማዱን ልኢኹ ጸውዖም። 15  ያእቆብ ድማ ናብ ግብጺ ወረደ፣ ኣብኣ ኸኣ ሞተ፣ ኣቦታትና እውን ሞቱ። 16  ናብ ሴኬም ድማ ኣግዓዝዎም፣ ኣብታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ሓሞር ኣብ ሴኬም ብገንዘብ ብሩር ዝዓደጋ መቓብር ከኣ ኣንበርዎም። 17  “እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝገለጸሉ ተስፋ ዚፍጸመሉ ግዜ ምስ ቀረበ፡ እቶም ህዝቢ ኣብ ግብጺ ዓበዩን በዝሑን፣ 18  እዚ ድማ ኣብ ግብጺ ንዮሴፍ ዘይፈልጦ ኻልእ ንጉስ ክሳዕ ዚትንስእ ኰነ። 19  ንሱ ንዓሌትና ተተናዀሎም፣ ንኣቦታትና ኸኣ ሕጻናቶም ብህይወት ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ክሳዕ ዚድርብዩ ጨቈኖም። 20  በቲ ግዜ እቲ ሙሴ ተወልደ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ነበረ። ኣብ ቤት ኣቦኡ እውን ንሰለስተ ወርሒ ኽንክን ተገብረሉ። 21  ምስ ተደርበየ ግና፡ ጓል ፈርኦን ኣልዒላ፡ ከም ወዳ ገይራ ኣዕበየቶ። 22  ሙሴ ድማ ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ፣ ብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዐ። 23  “ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ንኣሕዋቱ፡ ንደቂ እስራኤል፡ ኪበጽሕ ብልቡ ሓሰበ። 24  ሓደ ኻባታቶም ኪዕመጽ ምስ ረኣየ ኸኣ፡ ሕነ እቲ ግፉዕ ዘርዩ፡ ነቲ ግብጻዊ ቐተሎ። 25  ኣሕዋቱ፡ ኣምላኽ ብኢዱ ገይሩ ድሕነት ከም ዚህቦም፡ ዜስተውዕሉ ይመስሎ ነበረ፣ ንሳቶም ግና ኣየስተውዓልዎን። 26  ንጽብሒቱ ድማ፡ ኪብኣሱ ኸለዉ ረኣዮም፣ ‘ኣቱም ሰባት፡ ኣሕዋት ኢኹም። ስለምንታይ ንሓድሕድኩም እትተዓማመጹ፧’ ኢሉ እውን ኪዓርቆም ፈተነ። 27  እቲ ንብጻዩ ዚዕምጾ ዝነበረ ግና ደፊኡ፡ ‘መን ሓለቓን ፈራድን ገይሩ ኣባና ሸይሙካ፧ 28  ከምቲ ትማሊ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮዶ ኽትቀትለኒ ደሊኻ፧’ በሎ። 29  ሙሴ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ሃደመ፣ ኣብ ምድሪ ሚድያን ድማ ስደተኛ ዀነ፣ ኣብኡ ኸኣ ክልተ ኣወዳት ወለደ። 30  “ኣርብዓ ዓመት ምስ ሓለፈ ድማ፡ ኣብ በረኻ ከረን ሲና፡ መልኣኽ ብዚነድድ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ተራእዮ። 31  ሙሴ እዚ ምስ ረኣየ፡ በቲ ትርኢት እቲ ተገረመ። ኪምርምር ኢሉ ኪቐርብ ከሎ ግና፡ ከምዚ ዚብል ድምጺ የሆዋ ሰምዐ፦ 32  ‘ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እየ።’ ሙሴ ራዕራዕ ስለ ዝበለ፡ ኪምርምር ኣይደፈረን። 33  የሆዋ ድማ ከምዚ በሎ፦ ‘እዛ ደው ኢልካያ ዘለኻ ቦታ፡ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ። 34  ነቲ ኣብቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ህዝበይ ዚወርድ ጭቈና ኣጸቢቐ ርእየ፡ እህህታኦም ከኣ ሰሚዐ፡ ከድሕኖም እውን ወሪደ ኣለኹ። ሕጂ ኸኣ ንዓ ናብ ግብጺ ኽልእከካ።’ 35  ነዚ፡ ‘መን ሓለቓን ፈራድን ገይሩ ሸይሙካ፧’ ኢሎም ዝኸሓድዎ ሙሴ እዚ፡ ኣምላኽ ብኢድ እቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እተራእዮ መልኣኽ፡ ሓለቓን መድሓንን ገይሩ ለኣኾ። 36  ንሱ ንኣርብዓ ዓመት ኣብ ግብጽን ኣብ ቀይሕ ባሕርን ኣብ በረኻን ተኣምራትን ትእምርትታትን እናገበረ ኣውጽኦም። 37  “እዚ ሙሴ እዚ እዩ ንደቂ እስራኤል፡ ‘ኣምላኽ ከማይ ዝኣመሰለ ነብዪ ኻብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም እዩ’ ዝበሎም። 38  ንሱ እዩ ኣብ በረኻ ኣብ መንጎ እቲ ጉባኤ ምስቲ ኣብ ከረን ሲና እተዛረቦ መልኣኽን ምስ ኣቦታትናን ዝነበረ፣ ንዓኻትኩም ምእንቲ ኺህበኩም ከኣ ህያው ዝዀነ ቕዱስ ቃል ተቐበለ። 39  ንዕኡ ኣቦታትና ጐሰይዎ ደኣ እምበር፡ ኪእዘዝዎ ኣይደለዩን፣ ብልቦም ድማ ናብ ግብጺ ተመልሱ፣ 40  ንኣሮን እውን፡ ‘እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ እንታይ ከም ዝዀነ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና’ በልዎ። 41  በተን መዓልትታት እቲአን ድማ ምራኽ ገበሩ፣ ነቲ ጣኦት ከኣ መስዋእቲ ኣምጽኡሉ፣ ብግብሪ ኣእዳዎም እውን ተሓጐሱ። 42  ኣምላኽ ድማ ካባታቶም ኣልገሰ፡ ንሰራዊት ሰማይ ኬገልግሉ ኸኣ ኣሕሊፉ ሃቦም፣ እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ነብያት ከምዚ ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ፦ ‘ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣብ በረኻ ንኣርብዓ ዓመት ሕሩድን መስዋእትን ዘቕረብኩምሲ ንዓይ ድዩ፧ 43  እኳ ደኣስ ነቶም ከተምልኽዎም ኢልኩም ዝገበርኩምዎም ምስልታት ድንኳን ሞሎኽን ኰዀብ ኣምላኽ ሬፋንን ኢኹም ዝጾርኩም። ስለዚ፡ ክንየው ባቢሎን ከግዕዘኩም እየ።’ 44  “ኣቦታትና ኣብ በረኻ ድንኳን ምስክር ነበረቶም፣ ንሳ ኸኣ እታ ንሙሴ ኸምታ ዝረኣያ ምስሊ ገይሩ ኺሰርሓ ዝኣዘዞ እያ። 45  እቶም እተቐበልዋ ኣቦታትና ድማ፡ ምስ እያሱ ዀይኖም ናብታ ኣህዛብ ዝነበርዋ እሞ፡ ኣምላኽ ካብ ቅድሚ ኣቦታትና ዝሰጐጎም ምድሪ ኣእተውዋ። ኣብኣ ኸኣ ክሳዕ ዘመን ዳዊት ጸንሐት። 46  ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ረኸበ፣ ንኣምላኽ ያእቆብ ዚኸውን መንበሪ ኺሰርሕ ለመነ። 47  ቤት ዝሃነጸሉ ግና ሰሎሞን እዩ። 48  ግናኸ፡ እቲ ልዑል ብኢድ ኣብ እተሰርሐ ኣባይቲ ኣይነብርን እዩ፣ እዚ ኸኣ ከምቲ ነብዪ፡ 49  ‘“ሰማይ ዝፋነይ እዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ። ከመይ ዝበለት ቤት ኢኹም ክትሃንጹለይ፧” ይብል የሆዋ። “ወይስ ኣየነይቲ እያ መዕረፊተይ፧ 50  እዚ ዅሉስ ኢደይዶ ኣይገበረቶን፧”’ ዚብሎ እዩ። 51  “ኣቱም ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገዝረ ተረርቲ ኽሳድ፡ ንስኻትኩም ኵሉ ሳዕ ንመንፈስ ቅዱስ ትጻረርዎ ኣለኹም፣ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝገበርዎ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ትገብሩ ኣለኹም። 52  ካብ ነብያትከ ኣቦታትኩም ዘይሰጐጕዎ መን እዩ፧ እወ፡ ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቕ ኣቐዲሞም ዝነገሩ ቐቲሎምዎም፣ ሕጂ እውን ንስኻትኩም ንዕኡ ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኴንኩም። 53   ነቲ ብመላእኽቲ እተመሓላለፈ ሕጊ እተቐበልኩም ክነስኹምሲ፡ ኣይሓሎኹምዎን።” 54  እዚ ምስ ሰምዑ፡ ነደሩ፡ ኣስናኖም ከኣ ሓርቀሙሉ። 55  ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ፡ ናብ ሰማይ ጠመተ፣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ድማ ረኣየ፣ 56  “እንሆ፡ ሰማያት ተኸፊቱ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣለኹ” እውን በለ። 57   ሽዑ፡ ብዓብዪ ድምጺ ጨደሩ፣ ኣእዛኖም ደፊኖም ከኣ፡ ብሓባር ወረርዎ። 58  ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣውጺኦም ከኣ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። እቶም መሰኻኽር ድማ ክዳውንቶም ኣብ ኣእጋር ሳውል ዚብሃል ጐበዝ ኣንበሩ። 59  ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸለዉ ኸኣ፡ እስጢፋኖስ፡ “ጐይታይ የሱስ፡ መንፈሰይ ተቐበል” ኢሉ ተማሕጸነ። 60  ተምበርኪኹ ኸኣ፡ ብብርቱዕ ድምጺ፡ “የሆዋ፡ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘሎም” ኢሉ ጨደረ። እዚ ምስ በለ እውን ዓረፈ።

እግረ ጽሑፍ