ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ግብሪ ሃዋርያት 6:1-15

6  በተን መዓልትታት እቲአን፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እናበዝሑ ምስ ከዱ፡ እቶም ግሪኽኛ ዝቛንቋኦም ኣይሁድ፡ መበለታቶም ኣብቲ ዕለታዊ ምዕዳል ምግቢ ሸለል ስለ እተባህላ፡ ኣብቶም እብራይስጢ ዝቛንቋኦም ኣይሁድ ኣጕረምረሙ።  ሽዑ፡ እቶም ዓሰርተው ክልተ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቲ ጸዊዖም፡ “ንሕና ቓል ኣምላኽ ሓዲግና፡ ኣብ መኣዲ ምግቢ ኽንዕድል ግቡእ ኣይኰነን።  ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋት፡ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ምእንቲ ኽንሸሞም፡ ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሸውዓተ ሰብኡት ድለዩ፣  ንሕና ግና ጸኒዕና ጸሎትን ኣገልግሎት እቲ ቓልን ክንገብር” በልዎም።  እዚ ዘረባ እዚ ንዅላቶም ባህ ኣበሎም፣ ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ እስጢፋኖስን ንፊልጶስን ንጵሮኮሮስን ንኒቃኖርን ንጢሞንን ንጰርሜናስን ንኒቆላዎስ እቲ ጵሮሴሊት ብዓል ኣንጾክያን ሓረዩ።  ናብ ሃዋርያት ድማ ኣምጽእዎም፣ ንሳቶም ከኣ ጸልዮም፡ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም።  ስለዚ፡ ቃል ኣምላኽ እናዓበየ፡ ቍጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሐ ኸደ፣ ብዙሓት ካብ ካህናት እውን ነታ እምነት ተኣዘዙ።  እስጢፋኖስ ድማ ሞገስ ኣምላኽን ሓይልን መሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ዓበይቲ ተኣምራትን ትእምርትታትን ይገብር ነበረ።  ገለ ኻብታ ምኵራብ ውጹኣት ሓራ እትብሃልን ካብ ቀሬኔን ካብ እስክንድርያን ካብ ቂልቅያን ካብ እስያን ግና፡ ንእስጢፋኖስ ኪከራኸርዎ ተንስኡ። 10  ነቲ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኪረትዕዎ ኣይከኣሉን። 11  ሽዑ፡ “ንሕና ኣብ ሙሴን ኣብ ኣምላኽን ቃል ጸርፊ ኺዛረብ ከሎ ሰሚዕናዮ” ዚብሉ ሰብኡት ብሕቡእ ኣለዓዓሉ። 12  ንህዝብን ንዓበይትን ንጸሓፍትን ከኣ ኣለዓዓልዎም፣ ብሃንደበት መጺኦም ድማ፡ መንዚዖም ናብቲ ዋዕላ ወሰድዎ። 13  ናይ ሓሶት መሰኻኽር ከኣ ኣምጽኡ፣ ንሳቶም ድማ፡ “እዚ ሰብ እዚ፡ ኣንጻር እዛ ቕድስቲ ቦታ እዚኣን ኣንጻር ሕግን ካብ ምዝራብ ኣይዓርፍን እዩ። 14  ንኣብነት፡ ‘የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ነዛ ቦታ እዚኣ ኼፍርሳ፡ ነቲ ሙሴ ዝሃበና ልምዲ ኸኣ ኪልውጦ እዩ’ ኺብል ከሎ ሰሚዕናዮ” በሉ። 15  ኵሎም እቶም ኣብቲ ዋዕላ ተቐሚጦም ዝነበሩ ድማ ጠመትዎ እሞ፡ ገጹ ኸም ገጽ መልኣኽ ኰይኑ ተራእዮም።

እግረ ጽሑፍ