ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ግብሪ ሃዋርያት 5:1-42

5  ሃናንያ ዝስሙ ሰብኣይ ምስ ሰጲራ ሰበይቱ መሬቱ ሸጠ።  ሰበይቱ እናፈለጠት ከኣ፡ ካብቲ ዋጋ መቒሉ ብሕቡእ ኣትረፈ፣ ነቲ ሓደ ምቃል ድማ ኣብ ኣእጋር ሃዋርያት ኣንበሮ።  ጴጥሮስ ከኣ፡ “ሃናንያ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ክትሕሱን ካብ ዋጋ እቲ መሬት መቒልካ ብሕቡእ ከተትርፍንሲ፡ ስለምንታይ ሰይጣን ኣደፋፈረካ፧  ምሳኻ ኸሎስ፡ ናትካዶ ኣይነበረን፧ ምስ ሸጥካዮስ፡ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሓሰኻን” በሎ።  ሃናንያ እዚ ቓል እዚ ምስ ሰምዐ፡ ወደቐ፡ ትንፋሱ ኸኣ ሓለፈት። ኵሎም እቶም እዚ ዝሰምዑ ድማ ኣዝዮም ፈርሁ።  ኣጕባዝ ከኣ ተንሲኦም ገነዝዎ፣ ተሰኪሞም ኣውጺኦም እውን ቀበርዎ።  ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሰበይቱ፡ እቲ ዝዀነ ኸይፈለጠት፡ መጸት።  ጴጥሮስ ከኣ፡ “እስከ ንገርኒ፡ ንመሬትኩም ብኽንድዚ ዲኹም ሼጥኩምዎ፧” በላ። ንሳ ድማ፡ “እወ፡ ብኽንድዚ እዩ” በለት።  ጴጥሮስ ከኣ፡ “ስለምንታይከ ንመንፈስ የሆዋ ኽትፍትኑ እተሰማማዕኩም፧ እንሆ፡ ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ ኣብ ኣፍ ደገ ኣለዋ፣ ንዓኺ እውን ተሰኪሞም ኬውጽኡኺ እዮም” በላ። 10  ብቕጽበት ኣብ ኣእጋሩ ወደቐት እሞ፡ ትንፋሳ ሓለፈት። እቶም ኣጕባዝ ምስ ኣተዉ፡ ሞይታ ረኸብዋ፣ ተሰኪሞም ኣውጺኦም ከኣ፡ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ። 11  ኣብ ምልእቲ እታ ጉባኤን ኣብ ኵሎም እቶም ነዚ ዝሰምዑን ከኣ ዓብዪ ፍርሃት ኰነ። 12  ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ድማ ብኢድ ሃዋርያት ብዙሕ ትእምርትታትን ተኣምራትን ይግበር ነበረ፣ ኵላቶም ድማ ብሓባር ኣብ ገበላ ሰሎሞን ነበሩ። 13  ካብቶም ካልኦት ደፊሩ እተጸምበሮም ኣይነበረን፣ እቲ ህዝቢ ግና የመጕሶም ነበረ። 14  ኣብ ርእሲ እዚ፡ ብጐይታ ዚኣምኑ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ይውሰኽዎም ነበሩ። 15  ጴጥሮስ ኪሓልፍ ከሎ፡ ጽላሎቱ ኣብ ገሊኦም ምእንቲ ኺወድቕ ኢሎም፡ ንሕሙማት ናብ ጐደናታት ኣውጺኦም ኣብኡ ኣብ ዓራውትን ኣብ ቃሬዛታትን የደቅስዎም ነበሩ። 16  ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ካብ ዝነበራ ኸተማታት ከኣ፡ ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ጸይሮም ይመጹ ነበሩ፣ ኵላቶም እውን ይሓውዩ ነበሩ። 17  እቲ ሊቀ ኻህናትን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ወገን ሰዱቃውያንን፡ ብቕንኢ ተመሊኦም ተንስኡ፣ 18  ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንሃዋርያት ሓዝዎም፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ህዝቢ እውን ኣእተውዎም። 19  ብለይቲ ግና፡ መልኣኽ የሆዋ ንመዓጹ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ንወጻኢ ኣውጽኦም እሞ፡ 20  “ኪዱ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም ከኣ፡ ኵሉ ቓል ህይወት ንህዝቢ ንገሩ” በሎም። 21  እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ምውጋሑ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም መሃሩ። እቲ ሊቀ ኻህናትን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ መጹ፡ ነቲ ዋዕላን ንዅሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤልን ኪእከቡ ጸውዑ፣ ኬምጽእዎም ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ለኣኹ። 22  እቶም ገላዉ ናብኡ ምስ ከዱ ግና፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣይረኸብዎምን። ተመሊሶም ከኣ፡ 23  “እቲ ቤት ማእሰርቲ ብጽኑዕ ተሸጒሩ፡ ሓለውቲ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ረኺብናዮም፣ ምስ ከፈትናዮ ግና፡ ኣብ ውሽጡ ሓደ እኳ ኣይረኸብናን” ኢሎም ነገርዎም። 24  እቲ ሓለቓ ቤተ መቕደስን ሊቃውንቲ ኻህናትን ነዚ ቓል እዚ ምስ ሰምዑ፡ እዚ ነገር እዚ እንታይ ከም ዚኸውን ደንጸዎም። 25  ሓደ መጺኡ ግና፡ “እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእቶኹምዎም ሰብኡት፡ እነዉ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ንህዝቢ ይምህሩ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮም። 26  ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ምስ ገላዉኡ ኸይዱ ኣምጽኦም፣ እቲ ህዝቢ ብዳርባ እምኒ ኸይቀትሎም ስለ ዝፈርሁ ግና፡ ኣየጋፍዕዎምን። 27  ኣምጺኦም ድማ ኣብቲ ዋዕላ ደው ኣበልዎም። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ሓተቶም እሞ፡ 28  “በዚ ስም እዚ ኸይትምህሩ ብጽኑዕ ኣዚዝናኩም ኔርና፣ እንሆ ግና፡ ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ፣ ደም እዚ ሰብ እዚ ኣብ ልዕሌና ኸተምጽኡ ቘሪጽኩም ኣለኹም” በሎም። 29  ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ከኣ፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ። 30  ኣምላኽ ኣቦታትና ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ጕንዲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ የሱስ ኣተንሲእዎ እዩ። 31  ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኺህብሲ፡ ኣምላኽ ንዕኡ ቐንዲ መራሕን መድሓንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣቢልዎ እዩ። 32  ንሕና ድማ ነዚ ነገር እዚ መሰኻኽር ኢና፣ እቲ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዝሃቦም መንፈስ ቅዱስ እውን ከምኡ” ኢሎም መለሱ። 33  እዚ ምስ ሰምዑ፡ ነደሩ፡ ኪቐትልዎም ከኣ ደለዩ። 34  ግናኸ፡ ሓደ ገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ፡ ብዅሉ እቲ ህዝቢ ዚኽበር መምህር ሕጊ፡ ኣብቲ ዋዕላ ተንሲኡ፡ ነቶም ሰባት ሓንሳእ ኣብ ወጻኢ ኼጽንሕዎም ኣዘዘ። 35  ከምዚ ድማ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኦም ክትገብርዎ እትሓስቡ ዘለኹም ነገር ተጠንቀቑሉ። 36  ንኣብነት፡ ቅድሚ እዘን መዓልትታት እዚአን፡ ቴዎዳስ፡ ‘ኣነ ዓብዪ እየ’ ኢሉ ተንስአ፣ 400 ዚኣኽሉ ሰብኡት ከኣ ሓበርዎ። ግናኸ፡ ንሱ ተቐትለ፣ ኵሎም እቶም ዚእዘዝዎ ዝነበሩ ኸኣ ተበተኑ፡ ከም ዘይነበሩ እውን ኰኑ። 37  ድሕሪኡ፡ ይሁዳ እቲ ገሊላዊ፡ በተን መዓልትታት ምዝገባ ተንስአ፣ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ኣስድዐ። ግናኸ፡ ንሱ እውን ጠፍአ፣ ኵሎም እቶም ዚእዘዝዎ ዝነበሩ ኸኣ ተዘርዉ። 38  ሕጂ ድማ፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ነዞም ሰባት እዚኦም ኣይትተንክይዎም፡ ሕደግዎም፣ (ከመይሲ፡ እዚ ውጥን እዚ ወይ እዚ ግብሪ እዚ ኻብ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ኪፈርስ እዩ፣ 39  ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣) እንተ ዘይኰይኑስ፡ ምናልባት ምስ ኣምላኽ ክትብኣሱ ኢኹም።” 40  ሽዑ፡ ነቲ ምኽሩ ተቐበልዎ፣ ንሃዋርያት ጸዊዖም ከኣ ገረፍዎም፣ ብስም የሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ድማ ሓደግዎም። 41  ንሳቶም ከኣ ምእንቲ ስሙ ኺሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ እናተሓጐሱ ኸዱ። 42  ኵሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብዛዕባ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ የሱስ፡ ከየቋረጹ ይምህሩን የበስሩን ነበሩ።

እግረ ጽሑፍ