ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ግብሪ ሃዋርያት 27:1-44

27  ናብ ኢጣልያ ብመርከብ ክንከይድ ስለ እተወሰነ፡ ንጳውሎስን ንገሊኦም ካልኦት እሱራትን ኣሕሊፎም ነቲ ዩልዮስ ዝስሙ ካብ ጭፍራ ኣውጉስጦስ ዝዀነ ሓለቓ ሚእቲ ሃብዎም።  ካብ ኣድራሚትስ ብገምገመ ገምገም እስያ ኣብ እትኸይድ መርከብ ደዪብና ነቐልና፣ እቲ ኻብ ተሰሎንቄ ዝዀነ ኣርስጠርኮስ ብዓል መቄዶንያ ምሳና ነበረ።  ንጽብሒቱ፡ ኣብ ሲዶን በጻሕና፣ ዩልዮስ ከኣ ንጳውሎስ ሰብኣዊ ርሕራሐ ገበረሉ፡ ናብ ፈተውቱ ኪኸይድን ክንክኖም ኪረክብን ፈቐደሉ።  ካብኣ ነቒልና ድማ ንፋስ ኣንጻርና ስለ ዝነበረ፡ ብትሕቲ ቆጵሮስ ተኸዊልና ተጐዓዝና፣  ብጥቓ ቂልቅያን ጰምፊልያን ኣቢልና ብማእከል ባሕሪ ተጐዓዝና፣ ኣብታ ኣብ ሉቅያ እትርከብ ሚራ ድማ በጻሕና።  ኣብኣ ግና እቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ካብ እስክንድርያ ናብ ኢጣልያ እትኸይድ መርከብ ረኸበ፣ ናብኣ ኸኣ ኣደየበና።  ድሕርዚ፡ ብዙሕ መዓልትታት ገፈፍ እናበልና ምስ ተጐዓዝና፡ ብጭንቂ ናብ ክኒዶስ መጻእና፣ ጕዕዞና ኸይንቕጽል ንፋስ ምስ ከልከለና፡ ብትሕቲ ቅሬጥስ ተኸዊልና ብሰልሞና ሓለፍና፣  ብጭንቂ ብጸግዒ ጸግዓ ተጓዒዝና፡ ናብታ ኣብ ጥቓ ኸተማ ላስያ እትርከብ ጽቡቕ ወደብ እትብሃል ቦታ መጻእና።  ብዙሕ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ጾም መዓልቲ ዕርቂ ሓሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ብመርከብ ዚግበር ጕዕዞ ሓደገኛ ብምንባሩ፡ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ተማሕጸኖም፦ 10  “ኣቱም ሰባት፡ እዚ ጕዕዞ እዚ ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንነፍሳትና እውን ጕድኣትን ብዙሕ ጥፍኣትን ከም ዜምጽእ ይርኣየኒ ኣሎ።” 11  እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ካብቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ነቲ መራሕ መርከብን ነቲ ዋና መርከብን ሰምዐ። 12  እቲ ወደብ ንምኽራም ዘይጥዕም ስለ ዝነበረ ድማ፡ ካብኡ ኺነቕሉ እሞ፡ እንተ ኽኢሎም ናብቲ ኣብ ቅሬጥስ ዚርከብ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ገጹ ዝገበረ ወደብ ፊኒቅስ ኣትዮም ኣብኡ ኪኸርሙ፡ መብዛሕትኦም መኸሩ። 13  ንፋስ ደቡብ ብህድኣት ምስ ነፈሰ ኸኣ፡ ከም ሓሳቦም ዝዀነሎም መሲልዎም፡ መልህቕ ኣልዒሎም ብጸግዒ ቅሬጥስ ሓለፉ። 14  ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ኤውሮክሊዶን ዚብሃል ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ተሃንዲዱ መጸ። 15  ነታ መርከብ መንዚዑ ምስ ወሰዳ ኸኣ፡ ነቲ ንፋስ ክትቃወሞ ስለ ዘይከኣለት፡ ናብ ዝወሰዳ ትኺድ ሓደግናያ። 16  ብትሕቲ ኸውሊ ካውዳ እትብሃል ንእሽቶ ደሴት እኳ እንተ ሓለፍና፡ ነታ ብሸነኽ ድሕሪት መርከብ ዝነበረት ጃልባ ግና ብተጋድሎ ኢና ኣድሒንናያ። 17  ምስ ኣደየብዋ ኸኣ፡ ነታ መርከብ ብታሕቲ ብገመድ ኣሲሮም መጻንሒ ገበሩላ፣ መሰረት እታ መርከብ ኣብ ሲርጢስ ባይታ ኸይትንክፍ ፈሪሆም ድማ፡ ነቲ ገመዳት ፈቲሖም ነቲ ጋንጽላ ምስ ጠቕለሉ፡ ከምኡ ኢላ ትኺድ ሓደግዋ። 18  በቲ ህቦብላ ናብዝን ናብትን ንድፋእ ስለ ዝነበርና፡ ንጽብሒቱ ነታ መርከብ ኣቕለሉላ፣ 19  ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ናውቲ እታ መርከብ ብኣእዳዎም ደርበይዎ። 20  ንሓያሎ መዓልትታት ጸሓይ ኰነ ወይስ ከዋኽብቲ ኸይተራእየ ምስ ጸንሐ እሞ፡ እቲ ህቦብላ እውን እናበርትዓና ምስ ከደ፡ ኵሉ ተስፋ ድሕነትና በነነ። 21  ብዘይ ምግቢ ብዙሕ ምስ ገበሩ ድማ፡ ጳውሎስ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ ኸምዚ በሎም፦ “ኣቱም ሰባት፡ ምኽረይ ሰሚዕኩም ካብ ቅሬጥስ እንተ ዘይትነቕሉስ፡ እዚ ጕድኣትን ጥፍኣትን እዚ ኣይምረኸበኩምን ነይሩ። 22  ሕጂ ድማ፡ እዛ መርከብ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ካባኻትኩም ሓንቲ ነፍሲ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ እሞ፡ ክትቀስኑ እምሕጸነኩም ኣለኹ። 23  ከመይሲ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ፡ መልኣኽ እቲ ኣነ ዝናቱን ዘገልግሎን ኣምላኽ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ 24  ‘ጳውሎስ፡ ኣይትፍራህ። ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኣሎካ፣ እንሆ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም ምሳኻ ዚጐዓዙ፡ ኣምላኽ ሂቡካ ኣሎ’ በለኒ። 25  ኣቱም ሰባት፡ ከምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዚኸውን ንኣምላኽ እኣምኖ እየ እሞ፡ ስለዚ ቕሰኑ። 26  ግናኸ፡ ናብ ሓንቲ ደሴት ክንግፋዕ ኢና።” 27  ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ለይቲ፡ ኣብ ባሕሪ ኣድርያ ናብዝን ናብትን ክንድፋእ ከለና፡ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ እቶም ባሕረኛታት ናብ ምድሪ ዝቐረቡ መሰሎም። 28  መለክዒ ገይሮም ምስ ኣቘሩ ድማ፡ ዕስራ ብቝመት ሰብ* ረኸቡ፣ ካብኡ ቝሩብ ሕልፍ ኢሎም፡ ከም ብሓድሽ መለክዒ ገይሮም ኣቘሩ እሞ፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ብቝመት ሰብ ረኸቡ። 29  ምስ ኣኻውሕ ከይንጋጮ ስለ ዝፈርሁ፡ ብሸነኽ ድሕሪት እታ መርከብ ኣርባዕተ መልህቕ ኣውረዱ፣ መዓልቲ ኪኸውን ከኣ ተመነዩ። 30  እቶም ባሕረኛታት ካብታ መርከብ ኪሃድሙ ደልዮም፡ ብሸነኽ ቅድሚት መልህቕ ዜውርዱ መሲሎም ነታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ምስ ኣውረድዋ፡ 31  ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሚእትን ነቶም ወተሃደራትን፡ “እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተ ዘይጸኒሖም፡ ንስኻትኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም። 32  ሽዑ፡ እቶም ወተሃደራት ገመዳት እታ ጃልባ በቲኾም፡ ትውደቕ ሓደግዋ። 33  ኣጋ ጽባሕ ምስ ኰነ፡ ጳውሎስ ንዅላቶም ከምዚ ኢሉ ኣተባብዖም፦ “እንታይ ከም ዚኸውን እናተጸበኹም ገለ ኸይጠዓምኩም ብዘይ ምግቢ፡ ሎሚ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልትኹም እዩ። 34  እምበኣር፡ እዚ ንድሕነትኩም ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሓደ ኻባኻትኩም ጸጕሪ ርእሲ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ እሞ፡ ክትበልዑ አተባብዓኩም ኣለኹ።” 35  እዚ ምስ በለ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ንኣምላኽ ኣመስገነ እሞ፡ ቈሪሱ ኺበልዕ ጀመረ። 36  ኵላቶም ድማ ቀሰኑ እሞ በልዑ። 37  ኣብታ መርከብ ዝነበርና ዅላትና ኸኣ፡ 276 ነፍሲ ኢና። 38  በሊዖም ምስ ጸገቡ ድማ፡ ነቲ ስርናይ ናብ ባሕሪ ደርብዮም፡ ነታ መርከብ ኣቕለሉላ። 39  መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ምድሪ እኳ እንተ ዘየለለይዎ፡ ገምገም ዘለዎ ልሳን ባሕሪ ረኣዩ እሞ፡ እንተ ኽኢሎምሲ፡ ነታ መርከብ ናብኡ ኼብጽሕዋ ቘረጹ። 40  ነቲ መልህቕ በቲኾም ድማ፡ ናብ ባሕሪ ኺወድቕ ሓደግዎ፣ ምስናይዚ እውን መእሰር እቲ መእለይ መርከብ ፈቲሖም፡ ነቲ ጋንጽላ ቕድሚት ንንፋስ ገቲሮም፡ ናብቲ ገምገም ገጾም ከዱ። 41  ብኽልቲኡ ሸነኹ ብባሕሪ እተዀመረ ድበት ምስ ኣጓነፎም፡ መሰረት እታ መርከብ ባይታ ተንከየ፡ ብሸነኽ ቅድሚታ ኸኣ ተሸኽለት እሞ፡ ዘይትንቕነቕ ኰነት፣ ብሸነኽ ድሕሪታ ግና ማዕበል በርቲዕዋ ተሰባበረት። 42  ሽዑ፡ እቶም ወተሃደራት ነቶም እሱራት፡ ሓደ እኳ ሓምቢሱ ምእንቲ ኸየምልጥ ኢሎም፡ ኪቐትልዎም ወሰኑ። 43  እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ንጳውሎስ ኬድሕኖ ደልዩ፡ ከልከሎም። ነቶም ሓምቢሶም ዚኽእሉ ድማ፡ ዘሊሎም ናብ ባሕሪ ኣትዮም ቅድም ናብ ምድሪ ኺወጹ ኣዘዘ፣ 44  እቶም ዝተረፉ ኸኣ፡ ገሊኣቶም ብሉሕ፡ ገሊኣቶም እውን ብስባር እታ መርከብ ኪወጹ ኣዘዘ። በዚ ኸምዚ፡ ኵላቶም ድሒኖም ናብ ምድሪ በጽሑ።

እግረ ጽሑፍ

ግብ 27:28 * ሓደ ቝመት ሰብ፡ 1.8 ሜተር ኣቢሉ ይኸውን።