ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ግብሪ ሃዋርያት 25:1-27

25  ፌስጦስ ናብታ ሃገር ምስ መጸ እሞ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኻብ ቂሳርያ ናብ የሩሳሌም ደየበ፣  ሊቃውንቲ ኻህናትን ኣውራታት ኣይሁድን ከኣ ንጳውሎስ ከሰስዎ።  ኣብ መገዲ ኪቐትልዎ ኣድብዮምሉ ስለ ዝነበሩ ኸኣ፡ ልኢኹ ናብ የሩሳሌም ኬምጽኣሎም ሞገስ ለመንዎ።  ፌስጦስ ግና፡ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ኺሕሎ ኸም ዘለዎ፡ ንሱ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ናብኣ ኸም ዚወርድ መለሰሎም።  “ስለዚ፡ ካባኻትኩም ስልጣን ዘለዎም ምሳይ ይውረዱ እሞ፡ ኣብቲ ሰብኣይ እቲ በደል እንተሎ ይኽሰስዎ” ድማ በሎም።  ምሳታቶም ካብ ሸሞንተ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ዘይበዝሕ ምስ ቀነየ ኸኣ፡ ናብ ቂሳርያ ወረደ፣ ንጽብሒቱ እውን ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ፡ ንጳውሎስ ኬምጽእዎ ኣዘዘ።  ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው ኢሎም፡ መርትዖ ኬቕርቡሉ ዘይክእሉ ብዙሕን ከቢድን ክሲ ኸሰስዎ።  ጳውሎስ ግና፡ “ንሕጊ ኣይሁድ ኰነ ንቤተ መቕደስ ኰነ ወይስ ንቄሳር ኣይበደልኩን” ኢሉ ተማጐተ።  ፌስጦስ ከኣ ሞገስ ኣይሁድ ኪረክብ ደልዩስ ንጳውሎስ፡ “ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እሞ፡ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣብኣ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትደሊ ኢኻ፧” ኢሉ መለሰሉ። 10  ጳውሎስ ግና፡ “ኣነ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ቄሳር ቈይመ ኣለኹ፣ ኣብኡ ኽፍረድ ከኣ እዩ ዚግብኣኒ። ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኸም ዘለኻ፡ ንኣይሁድ ኣይበደልክዎምን። 11  ዓሚጸ፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ እውን ገይረ እንተ ዀይነ፡ ከይመውት ኣይልምንን እየ፣ እዚ ዚኸስሱኒ ነገር መሰረት ዘይብሉ እንተ ዀይኑ ግና፡ ንዓታቶም ኬፍቱ ኢሉ ኣሕሊፉ ኺህበኒ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ!” በለ። 12  ሽዑ፡ ፌስጦስ ምስቶም ኣማኸርቲ ተዛሪቡ፡ “ናብ ቄሳር ይግባይ ኢልካ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 13  ገለ መዓልትታት ምስ ሓለፈ ኸኣ፡ ንጉስ ኣግሪጳን በርኒቄን ንፌስጦስ ብወግዒ ኺበጽሕዎ፡ ናብ ቂሳርያ መጹ። 14  ኣብኣ ብዙሕ መዓልቲ ስለ ዚገብሩ ድማ፡ ፌስጦስ ከምዚ ኢሉ ንነገር ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ኣቐረቦ፦ “ፌሊክስ ብእሱሩ ዝሓደጎ ሰብኣይ ኣሎ፣ 15  ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ከኣ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ኣይሁድን ብዛዕባኡ ነገሩኒ፣ ክፈርዶ እውን ለመኑኒ። 16  ኣነ ግና ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገጽ ንገጽ ከየራኸብካዮን ብዛዕባ እቲ እተኸስሰሉ ኺማጐት ዕድል ከይሃብካዮን፡ ከተፍቱ ኢልካ ሓደ ሰብ እኳ ኣሕሊፍካ ምሃብ ስርዓት ሮማውያን ከም ዘይኰነ፡ መለስኩሎም። 17  ስለዚ፡ ኣብዚ ምስ ተኣከቡ፡ ከይደንጐኹ ንጽብሒቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጠ፡ ነቲ ሰብኣይ ኬምጽእዎ ኣዘዝኩ። 18  እቶም ከሰስቲ ምስ ቈሙ፡ ኣነ ብዛዕባኡ እተጸበኽዎ ገለ ኽፉእ ክሲ እኳ ኣየቕረቡን። 19  ብዛዕባ ኣምልኾኦምን ብዛዕባ ሓደ ምዉት፡ ጳውሎስ ግና ህያው እዩ ዚብሎ የሱስን ጥራይ እዩ ምስኡ ኽርክር ዘለዎም። 20  ነዚ ኽርክር እዚ ዝገብሮ ምስ ጨነቐኒ ኸኣ፡ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ እሞ፡ ኣብኣ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኺፍረድ ዚደሊ እንተ ዀይኑ ሓተትክዎ። 21  ጳውሎስ ብግርማውነቶም ክሳዕ ዚብየነሉ ኺሕሎ ይግባይ ምስ በለ ግና፡ ናብ ቄሳር ክሳዕ ዝሰድዶ ኺሕሎ ኣዘዝኩ።” 22  ኣግሪጳ ድማ ንፌስጦስ፡ “ነዚ ሰብ እዝስ ኣነ እውን ክሰምዖ ምደለኹ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ጽባሕ ክትሰምዖ ኢኻ” በሎ። 23  ንጽብሒቱ ድማ፡ ኣግሪጳን በርኒቄን ምስ ኣሕሉቕ ሽሕን ምስ ሰብ ዝና እታ ኸተማን ኰይኖም ብብዙሕ ፈንጠዝያ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣተዉ፣ ፌስጦስ ምስ ኣዘዘ ኸኣ፡ ንጳውሎስ ኣምጽእዎ። 24  ፌስጦስ ድማ ከምዚ በለ፦ “ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኣቱም ኣብዚ ዘለኹም ኵላትኩም፡ ብዛዕባ እዚ እትርእይዎ ዘለኹም ሰብ፡ ደጊም ብህይወት ኪነብር ከም ዘይግብኦ እናጨደሩ፡ ኵላቶም ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌምን ኣብዝን ለመኑኒ። 25  ኣነ ግና ኣብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ከቶ ኸም ዘይገበረ ተገንዚበ እየ። ባዕሉ ናብ ግርማውነቶም ይግባይ ምስ በለ ኸኣ፡ ክሰድዶ ወሰንኩ። 26  ብዛዕባኡ ናብ ጐይታይ ዝጽሕፎ ርግጽ ነገር ግና የብለይን። ስለዚ፡ ንሱ ምስ ተመርመረ፡ ዝጽሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ኣብ ቅድሜኹም፡ ምናዳ ኸኣ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኣምጺአዮ ኣለኹ። 27  ከመይሲ፡ ክሱ ኸይተሓበረ ንእሱር ምስዳድ፡ ዕሽነት ይመስለኒ።”

እግረ ጽሑፍ