ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ግብሪ ሃዋርያት 24:1-27

24  ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ሃናንያ እቲ ሊቀ ኻህናት ምስ ገሊኦም ዓበይትን ጠርጠሎስ ምስ ዚብሃል ክኢላ ተዛራብን ወረደ፣ ንሳቶም ድማ ንጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ከሰስዎ።  ንሱ ምስ ተጸውዐ፡ ጠርጠሎስ ከምዚ ኢሉ ኪኸስሶ ጀመረ፦ “ኦ ኽቡር ፌሊክስ፡ ብኣኻ ብዙሕ ሰላም ከም ዝረኸብና፡ ኣርሒቕካ ብምሕሳብካ ድማ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸም እተመሓየሸሉ ብምርኣይና፡  ኵሉ ግዜን ኣብ ኵሉን ነመስግነካ ኣለና።  ካብዚ ንላዕሊ ኸየንውሓልካ ግና፡ ብሓጺሩ ብለውሃትካ ኽትሰምዓና እልምነካ ኣለኹ።  ንሕና ነዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ብዓለሙ ዘለዉ ኣይሁድ ረባሽን መናዓብን መራሒ ኑፋቐ ናዝሬታውያንን ኰይኑ ረኺብናዮ፣  ቤተ መቕደስ ኬርክስ ምስ ፈተነ እውን ሒዝናዮ።  *——  ብዛዕባ እዚ ዅሉ እንኸስሶ ዘለና ነገር፡ ባዕልኻ መርሚርካ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።”  ኣይሁድ እውን ነቲ ኽሲ ሰሚሮም፡ እቲ ነገር ከምኡ ምዃኑ ገለጹ። 10  እቲ ሹም ንጳውሎስ፡ ኪዛረብ ብርእሱ ምስ ኣመልከቶ፡ ንሱ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ነዚ ህዝቢ እዚ ፈራዲ ኻብ እትኸውን ብዙሕ ዓመታት ከም ዝገበርካ ስለ ዝፈልጥ፡ ንርእሰይ ተሓጒሰ እማጐተላ ኣለኹ፣ 11  ከምልኽ ኢለ ናብ የሩሳሌም ካብ ዝድይብ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ዚበዝሕ ከም ዘይገበርኩ፡ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ፣ 12  ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ሓደ እኳ ኽከራኸር ወይስ ኣብ ምኵራባት ኰነ ኣብ ምልእቲ እታ ኸተማ ንህዝቢ ኸለዓዕል ኣይረኸቡንን። 13  ነቲ ሕጂ ዚኸስሱኒ ዘለዉ ነገር እውን፡ መርትዖ ኬቕርቡልካ ኣይክእሉን እዮም። 14  ግናኸ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጻሒፉ ዘሎ እናኣመንኩ፡ በታ ንሳቶም ‘ኑፋቐ’ ዚብልዋ ዘለዉ መገዲ፡ ከምኡ ገይረ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘገልግሎ፡ እዚ እእመነልካ ኣለኹ፣ 15  ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኸም ዚኸውን፡ ኣነ እውን ከማታቶም ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ። 16  ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን መንቅብ ዘይብሉ ሕልና ኺህልወኒ፡ ኵሉ ግዜ እጽዕር ኣለኹ። 17  ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከኣ ንህዝበይ ምጽዋት ከብጽሕን መስዋእቲ ከቕርብን መጻእኩ። 18  እዚ ኽገብር ከለኹ፡ ምስ ህዝቢ ኽእከብ ወይ ከናዓብ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ነጺሀ ረኸቡኒ። ካብ እስያ ዝመጹ ገለ ኣይሁድ ግና ነይሮም እዮም፣ 19  ንሳቶም ኣባይ ገለ ነገር እንተ ዚህልዎምሲ፡ ኣብ ቅድሜኻ ቐሪቦም ኪኸስሱኒ ምተገብአ ነይሩ። 20  ወይስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ደው ኢለ ኸለኹ፡ ገለ በደል እንተ ረኺቦምለይ ይዛረቡ፣ 21  ብዘይካ እታ ኣብ መንጎኦም ደው ኢለ ብዓውታ፡ ‘ሎሚ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣለኹ!’ ዝበልክዋ ሓንቲ ነገር፡ ካልእ ኣይረኽቡለይን እዮም።” 22  ፌሊክስ ብዛዕባ እዛ መገዲ እዚኣ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ግና፡ “ሊስያስ እቲ ሓለቓ ሽሕ ምስ ወረደ፡ ብዛዕባ ነገርኩም ክውስን እየ” ኢሉ ነቲ ነገር ወዘፎ። 23  ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ንጳውሎስ ኪሕልዎ፡ ማእሰርቲ ድማ ኬቕልለሉ፡ ካብ ሰቡ ኼገልግሎ ንዚደሊ እውን ንሓደ እኳ ኸይክልክል ኣዘዞ። 24  ድሕሪ ገለ መዓልትታት፡ ፌሊክስ ምስታ ድሩሲላ እትብሃል ኣይሁዳዊት ሰበይቱ መጸ፣ ንጳውሎስ ልኢኹ ጸዊዑ ኸኣ፡ ብክርስቶስ የሱስ ብዛዕባ ምእማን፡ ካብኡ ሰምዐ። 25  ብዛዕባ ጽድቅን ርእሰ ግትኣትን እቲ ዚመጽእ ፍርድን ምስ ተዛረቦ ግና፡ ፌሊክስ ፈሪሁ፡ “ንሕጂ ኺድ፣ ዚጥዕመኒ ግዜ ምስ ረኸብኩ፡ ከም ብሓድሽ ክትመጸኒ ኽልእከልካ እየ” ኢሉ መለሰሉ። 26  ምስናይዚ ግና፡ ካብ ጳውሎስ ገንዘብ ኪውሃቦ ተስፋ ይገብር ነበረ። ስለዚ፡ ብዙሕ ግዜ ለልኢኹ እናኣምጽአ የዘራርቦ ነበረ። 27  ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ፌሊክስ ብጶርቅዮስ ፌስጦስ ተተክአ፣ ፌሊክስ ሞገስ ኣይሁድ ኪረክብ ስለ ዝደለየ ኸኣ፡ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሓደጎ።

እግረ ጽሑፍ

ግብ 24:7 * እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ኣብቲ ብዌስትኮትን ሆርትን እተዳለወ ጽሑፍ ግሪኽኛን ኣብ ካልእ መበቈላዊ ጽሑፋት እቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛን ኣይትርከብን እያ።