ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ግብሪ ሃዋርያት 19:1-41

19  ኰነ ድማ፡ ኣጵሎስ ኣብ ቈረንቶስ ከሎ፡ ጳውሎስ ብውሽጢ ሃገር ሓሊፉ ናብ ኤፌሶን መጸ፡ ገለ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ረኸበ  እሞ፡ “ምስ ኣመንኩምሲ፡ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ እኳ ኣይሰማዕናን” በልዎ።  ንሱ ድማ፡ “ብምንታይ ደኣ ተጠሚቕኩም፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ብናይ ዮሃንስ ጥምቀት” በልዎ።  ጳውሎስ ድማ፡ “ዮሃንስሲ በቲ ድሕሪኡ ዚመጽእ፡ ማለት ብየሱስ፡ ኪኣምኑ እናነገረ፡ ጥምቀት ንስሓ እዩ ዘጥመቐ” በሎም።  እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ተጠምቁ።  ጳውሎስ ኣእዳዉ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ወረዶም እሞ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን።  ኵላቶም ድማ ኣስታት ዓሰርተው ክልተ ሰብኡት ነበሩ።  ናብ ምኵራብ ኣትዩ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናመደረን እናኣእመኖምን፡ ንሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ተዛረቦም።  ገሊኦም ብዛዕባ እታ መገዲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት እናኣካፍኡ ተሪሮም ምእማን ምስ ኣበዩ ግና፡ ካባታቶም ኣልገሰ፣ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ፈልዩ ኸኣ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ትምህርቲ ጢራኖስ ኰይኑ ይምድረሎም ነበረ። 10  እዚ ኸኣ፡ ኵሎም ኣብ እስያ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ክሳዕ ዚሰምዑ፡ ንኽልተ ዓመት ቀጸለ። 11  ኣምላኽ ድማ ብኢድ ጳውሎስ ፍልይ ዝበለ ግብርታት ሓይሊ ይገብር ነበረ፣ 12  ጨርቁን በጃ ኽዳኑን ካብኡ ናብቶም ሕሙማት ይወስዱ እሞ ሕማሞም ይሓድጎም፡ እኩያት መናፍስቲ እውን ይወጹ ነበሩ። 13  ገለ ኻብቶም ኣጋንንቲ እናኣውጽኡ ዚዞሩ ኣይሁድ ግና፡ ነቶም እኩያት መናፍስቲ ዘለውዎም፡ “በቲ ጳውሎስ ዚሰብኮ የሱስ እእዝዘኩም ኣለኹ” እናበሉ ስም ጐይታና የሱስ ኪሰምዩሎም ፈተኑ። 14  ሸውዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዚብሃል ኣይሁዳዊ ሊቀ ኻህናት፡ እዚ ይገብሩ ነበሩ። 15  እቲ እኩይ መንፈስ ግና፡ “ንየሱስ እፈልጦ፡ ንጳውሎስ እውን አለልዮ እየ፣ ንስኻትኩም ግና መን ኢኹም፧” ኢሉ መለሰሎም። 16  ሽዑ፡ እቲ እኩይ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ ዘሊሉ ጐበጦም፣ ጥራይ ዝባኖም ኰይኖም ቈሲሎም ካብታ ቤት ክሳዕ ዚሃድሙ ኸኣ፡ በብሓደ ኣሕመቖምን ሰዓሮምን። 17  እዚ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ተፈልጠ፣ ኵላቶም እውን ብፍርሂ ተዋሕጡ፣ ስም ጐይታና የሱስ ከኣ ይኽበር ነበረ። 18  ብዙሓት ካብቶም ዝኣመኑ ኸኣ፡ መጺኦም ግብሮም ይናዘዙን ይነግሩን ነበሩ። 19  ብዙሓት ዚጥንቍሉ ዝነበሩ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣንደድዎ። ዋጋኡ ምስ ጸብጸብዎ፡ 50,000 ሰልዲ ብሩር ኰይኑ ተረኽበ። 20  በዚ ኸምዚ፡ ቃል የሆዋ እናዓበየን እናሰዓረን ከደ። 21  እዚ ምስ ኰነ፡ ጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ሓሊፉ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ብመንፈሱ ሓለነ እሞ፡ “ኣብኣ ምስ በጻሕኩ፡ ንሮሜ እውን ክርእያ ኣሎኒ” በለ። 22  ንኽልተ ኻብቶም ዘገልገልዎ፡ ንጢሞቴዎስን ንኤራስጦስን ከኣ፡ ናብ መቄዶንያ ለኣኾም፣ ንሱ ግና ኣብ እስያ እተወሰነ ግዜ ጸንሐ። 23  በቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ እታ መገዲ እቲኣ ብዙሕ ረብሻ ዀነ። 24  ከመይሲ፡ ሓደ ድሜጥሮስ ዝስሙ ኣንጠረኛ ብሩር፡ መቕደስ ብሩር ኣርጤምስ እናሰርሐ ነቶም ኢደ ጥበበኛታት ብዙሕ የርብሖም ነበረ፣ 25  ንዓታቶምን ነቶም ከምኡ ዚዓይዩን ኣኪቡ ኸኣ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ሰባት፡ ብልጽግናና ኻብዚ ስራሕ እዚ ምዃኑ ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም። 26  እዚ ጳውሎስ እዚ፡ ‘እቶም ብኢድ እተገብሩ፡ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን’ እናበለ ኣብ ኤፌሶን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዳርጋ ኣብ ኵላ እስያ ንብዙሓት ህዝቢ ኸም ዝሓበለን ከም ዘስድዐን እውን ትርእዩን ትሰምዑን ኣለኹም። 27  ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ እታ ዓባይ ኣምላኽ ከም ከንቱ ኸይቍጸርን እቲ ብዘላ እስያን ዓለምን ዜምልኾ ዕቤታ ኸይነዓቕን እውን እምበር፡ ስራሕና ኸይዋረድ ጥራይ ኣይኰነን ዜስግኣና ዘሎ።” 28  እዚ ምስ ሰምዑ፡ ቍጥዓ መልኦም እሞ፡ “ኣርጤምስ ሰብ ኤፌሶን ዓባይ እያ!” እናበሉ ጨደሩ። 29  ኣብታ ኸተማ ድማ ዕግርግር ኰነ፣ ንጋይዮስን ንኣርስጣርኮስን፡ ነቶም መጋይሽቲ ጳውሎስ ዝዀኑ ሰብ መቄዶንያ፡ መንዚዖም ወሲዶም፡ ሓቢሮም ናብታ ቦታ ምርኢት ጐየዩ። 30  ጳውሎስ ከኣ ኣብ ማእከል እቶም ህዝቢ ኺኣቱ ደለየ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ከልከልዎ። 31  ገለ ኻብቶም ፈተውቱ ዝዀኑ ሰብ መዚ በዓላትን ጸወታታትን እውን፡ ናብታ ቦታ ምርኢት ከይመጽእ፡ ልኢኾም ለመንዎ። 32  እቲ ኣኼባ ዕግርግር ኢሉ ብምንባሩ፡ መብዛሕትኦም እውን ብዛዕባ እንታይ ከም እተኣከቡ ኣይፈልጡን ብምንባሮም፡ ገሊኦም ከምዚ፡ ገሊኦም እውን ከምቲ ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። 33  ንእስክንድሮስ ድማ ካብቲ ህዝቢ ኣውጽእዎ፡ እቶም ኣይሁድ ከኣ ንቕድሚት ደፍእዎ፣ እስክንድሮስ ከኣ ምስቶም ህዝቢ ኺምጕት ደልዩ ብኢዱ ኣመልከተ። 34  ኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ኣለለይዎ ግና፡ ኵላቶም ብሓደ ዀይኖም ንኣስታት ክልተ ሰዓት፡ “ኣርጤምስ ሰብ ኤፌሶን ዓባይ እያ!” እናበሉ ጨደሩ። 35  እቲ ዋና ጸሓፊ እታ ኸተማ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣህድኦም፡ ከምዚ በለ፦ “ኣቱም ሰብ ኤፌሶን፡ ከተማ ሰብ ኤፌሶን ሓላዊት ቤተ መቕደስ ዓባይ ኣርጤምስን እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ምዃና ዘይፈልጥ ሰብ መን ኣሎ፧ 36  እምበኣር፡ እዚ ኣሉ ዘይብሃል ካብ ኰነ፡ ክትሃድኡን ብታህዋኽ ሓንቲ እኳ ኸይትገብሩን ይግብኣኩም እዩ። 37  ነዞም ሰብኡት እዚኦም፡ ቤተ መቕደስ ከይሰረቑ፡ ወይ ንኣምላኽና ኸይጸረፉ ኢኹም ኣምጺእኩምዎም ዘለኹም። 38  እምበኣር፡ ድሜጥሮስን ምስኡ ዘለዉ ኢደ ጥበበኛታትን ገለ ነገር እንተ ኣለዎም፡ መዓልቲ መጋባእያን ምስለኔታትን ኣለውዎም፣ ንሓድሕዶም ይካሰሱ። 39  ካልእ ነገር እንተ ደሊኹም ከኣ፡ ኣብ ስሩዕ ኣኼባ ኺውሰን ኣለዎ። 40  ነዚ ዕግርግር እዚ እነቕርበሉ ምኽንያት ስለ ዘይብልና፡ በዚ ሎሚ ዝዀነ እኳ ብናዕቢ ኸይንኽሰስ የስግኣና እዩ።” 41  እዚ ኢሉ ነቲ ኣኼባ በተኖ።

እግረ ጽሑፍ