ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ግብሪ ሃዋርያት 14:1-28

14  ኰነ ድማ፡ ኣብ ኢቆንዩም ብሓባር ናብ ምኵራብ ኣይሁድ ኣትዮም፡ ካብ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ክሳዕ ዚኣምኑ ተዛረቡ።  እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ግና ነቶም ኣህዛብ፡ ኣብቶም ኣሕዋት ብጽልኢ ኸም ዚለዓዓሉ ገበርዎም።  ንሳቶም ከኣ ብስልጣን እቲ ትእምርትታትን ተኣምራትን ብኣእዳዎም እናገበረ ንቓል ጸጋኡ ዝመስከረ የሆዋ ብትብዓት እናተዛረቡ፡ ነዊሕ ግዜ ጸንሑ።  ህዝቢ እታ ኸተማ ግና ተመቕሉ፣ ገሊኣቶም ምስ ኣይሁድ፡ ገሊኣቶም ድማ ምስ ሃዋርያት ኰኑ።  ኣህዛብን ኣይሁድን ምስ ኣሕሉቖም ኰይኖም ኪገፍዕዎምን ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎምን ምስ ተላዕሉ፡  ንሳቶም እዚ ፈሊጦም ናብ ከተማታት ሊቃኦንያን ልስጥራን ደርቤን ኣብ ከባቢአን ናብ ዘሎ ገጠርን ሃደሙ፣  ኣብኡ እውን የበስሩ ነበሩ።  ኣብ ልስጥራ ኸኣ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ ሓንካስ ብምንባሩ፡ ኣእጋሩ ዝሰንከለ ሰብኣይ ተቐሚጡ ነበረ፣ ተዛዊሩ እውን ኣይፈልጥን ነበረ።  ንሱ፡ ጳውሎስ ኪዛረብ ከሎ፡ ይሰምዖ ነበረ። ጳውሎስ ድማ ጠመቶ እሞ፡ ኪሓዊ እምነት ከም ዘለዎ ርእዩ፡ 10  ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ “ትኽ ኢልካ ብኣእጋርካ ደው በል” በሎ። ብድድ ኢሉ ኸኣ ተዛወረ። 11  እቶም ህዝቢ፡ እቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ፡ ብቛንቋ ሊቃኦንያ፡ “ኣማልኽቲ፡ ሰብ መሲሎም ናባና ወሪዶም!” ኢሎም ጨደሩ። 12  ንበርናባስ፡ ‘ድያ፡’* ንጳውሎስ ድማ ዘረባ ይመርሕ ስለ ዝነበረ፡ ‘ሄርሜስ’ ኪብልዎም ጀመሩ። 13  ካህን እቲ ኣብ ቅድሚ እታ ኸተማ ቤተ መቕደስ ዝነበሮ ድያ ኸኣ፡ ኣብዑርን ኣኽሊላት ዕምባባን ናብቲ ኣፍ ደገታት ኣምጺኡ፡ ምስቶም ህዝቢ ዀይኑ ኺስውኣሎም ደለየ። 14  ጳውሎስን በርናባስን፡ እቶም ሃዋርያት፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ እናጨደሩ ኸኣ ናብቲ ህዝቢ ጐየዩ፡ 15  ከምዚ እናበሉ፦ “ኣቱም ሰባት፡ ስለምንታይ እዚ ትገብሩ ኣለኹም፧ ንሕና ኸማኻትኩም ዝድኻምና ሰባት ኢና። ካብዚ ኸንቱ ነገራት ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኵሉ እቲ ኣባታቶም ዘሎን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ድማ ነበስረኩም ኣለና። 16  ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወለዶታት ንዅሎም ኣህዛብ ብመገዶም ኪኸዱ ሓደጎም፣ 17  ግናኸ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን ብምሃብ፡ ልብኹም እውን ብምግብን ብሓጐስን ብምምላእ፡ ጽቡቕ እናገበረ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።” 18  እዚ ኢሎም ክነሶም ግና፡ ከይስውኡሎም፡ ነቶም ህዝቢ ብኽንደይ ገድሊ ኸልከልዎም። 19  ግናኸ፡ ኣይሁድ ካብ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን መጺኦም፡ ነቶም ህዝቢ ሓቢሎም ንጳውሎስ ብዳርባ እምኒ ጨፍጨፍዎ፣ ዝሞተ መሲልዎም ከኣ ካብታ ኸተማ ንወጻኢ ጐተትዎ። 20  እቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ ከበብዎ ግና፡ ተንሲኡ ናብታ ኸተማ ኣተወ። ንጽብሒቱ ድማ፡ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤ ኸደ። 21  ኣብታ ኸተማ እቲኣ ምስ ኣበሰሩን ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገበሩን ከኣ፡ ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾክያን ተመልሱ። 22  ኣብአን ድማ ኣብ እምነት ኪጸንዑ እናኣተባብዑን “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ” እናበሉን ንነፍሳት እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣበራትዑ። 23  ኣብ ገጉባኤኡ ሽማግለታት ምስ ሸሙሎም ከኣ፡ ብጸሎትን ብጾምን ናብቲ ብእኡ ዝኣመኑ የሆዋ ኣማዕቈብዎም። 24  ብጲሲድያ ሓሊፎም ከኣ ናብ ጰምፍልያ ኸዱ፣ 25  ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ ነገሩ፡ ናብ ኣጣልያ ኸዱ። 26  ካብኣ ድማ ናብታ ነቲ ዝፈጸምዎ ዕዮ ንጸጋ ኣምላኽ እተማዕቈቡላ ኣንጾክያ ብመርከብ ከዱ። 27  ኣብኣ ምስ በጽሑ፡ ነታ ጉባኤ ኣኪቦም፡ እቲ ኣምላኽ ብኣታቶም ኣቢሉ ዝገበሮ ዅሉን ንኣህዛብ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን ኣዘንተዉሎም። 28  ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ነዊሕ እዋን ጸንሑ።

እግረ ጽሑፍ

ግብ 14:12 * ወይ፡ “ዙስ።”