ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ግብሪ ሃዋርያት 12:1-25

12  በቲ ግዜ እቲ፡ ንጉስ ሄሮድስ ንገሊኦም ካብታ ጉባኤ ኽፉእ ኪገብሮም ኢዱ ዘርግሐ።  ንያእቆብ ሓው ዮሃንስ ከኣ ኣሰየፎ።  እዚ ንኣይሁድ ባህ ከም ዘበሎም ምስ ረኣየ፡ ንጴጥሮስ እውን ሓዞ። መዓልትታት በዓል ቅጫ ድማ ነበረ።  ሒዙ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ፣ ድሕሪ ፋስጋ ናብ ህዝቢ ኼውጽኦ ሓሲቡ፡ ኣብ ኣርባዕተ እብረ ተመቒሎም፡ በብኣርባዕተ ዀይኖም ንዚሕልውዎ ወተሃደራት ኣሕሊፉ ሃቦ።  ጴጥሮስ በዚ ኸምዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፣ እታ ጉባኤ ግና ምእንታኡ ተጊሃ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት።  ሄሮድስ ኬቕርቦ ምስ ሓሰበ፡ በታ ናብኣ እተውግሕ ለይቲ፡ ጴጥሮስ ብኽልተ ሰንሰለት ተኣሲሩ ኣብ መንጎ ኽልተ ወተሃደራት ደቂሱ ነበረ፣ እቶም ኣብ ኣፍ ደገ ዝነበሩ ሓለውቲ ኸኣ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ይሕልውዎ ነበሩ።  እንሆ ድማ፡ መልኣኽ የሆዋ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፣ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ እውን ብርሃን በርሀ። ንጴጥሮስ ኣብ ጐድኑ ተንክዩ፡ “ቀልጢፍካ ተንስእ!” ኢሉ ኣተንስኦ። እቲ ሰንሰለት ከኣ ካብ ኣእዳዉ ወደቐ።  እቲ መልኣኽ ድማ፡ “ተዓጠቕ፡ ኣሳእንካ እውን ውደ” በሎ። ንሱ ኸኣ ከምኡ ገበረ። ንሱ ድማ፡ “ክዳንካ ተኸደን እሞ ስዓበኒ” በሎ።  ንሱ እውን ወጺኡ ሰዓቦ፣ ግናኸ፡ ራእይ ዚርኢ ዘሎ ይመስሎ ነበረ እምበር፡ እቲ በቲ መልኣኽ ዚኸውን ዝነበረ ነገር ሓቂ ምዃኑ ኣይፈለጠን። 10  ነቶም ቀዳሞትን ካልኦትን ሓለውቲ ምስ ሓለፉ፡ ናብቲ ናብ ከተማ ዜምርሕ ማዕጾ ሓጺን በጽሑ፣ እዚ እውን ባዕሉ ተኸፍተሎም። ምስ ወጹ ኸኣ፡ ብሓንቲ መገዲ ኸዱ፣ ብኡብኡ ኸኣ፡ እቲ መልኣኽ ካብኡ ተፈልየ። 11  ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ ድማ፡ “የሆዋ መልኣኹ ልኢኹ፡ ካብ ኢድ ሄሮድስን ካብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዚጽበይዎ ዝነበሩን ከም ዘናገፈኒ፡ ብሓቂ ሕጂ ፈለጥኩ” በለ። 12  ምስ ተፈለጦ፡ ናብ ቤት ማርያም ኣደ እቲ ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስ ከደ፣ ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጽልዩ ነበሩ። 13  ማዕጾ እቲ ኣፍ ደገ ምስ ኳሕኵሐ፡ ሮዳ ዝስማ ኣገልጋሊት መን ምዃኑ ኽትሰምዕ መጸት፣ 14  ድምጺ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየት፡ ካብ ታሕጓስ እተላዕለ ነቲ ማዕጾ ኸይከፈተት፡ ናብ ውሽጢ ጐይያ፡ ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ ነገረት። 15  ንሳቶም ግና፡ “ተጸሊልኪ ኢኺ” በልዋ። ንሳ ግና ከምኡ ምዃኑ ኣርጊጻ ተዛረበት። ሽዑ፡ “መልኣኹ እዩ” በሉ። 16  ጴጥሮስ ግና ይዅሕኵሕ ነበረ። ምስ ከፈቱ፡ ረኣይዎ እሞ ተደመሙ። 17  ንሱ ግና ስቕ ኪብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፣ የሆዋ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውጽኦ ኸኣ ኣዘንተወሎም፣ “እዚ ንያእቆብን ንኣሕዋትን ንገርዎም” ድማ በሎም። ካብኡ ወጺኡ ኸኣ ናብ ካልእ ቦታ ኸደ። 18  መዓልቲ ምስ ኰነ፡ እቶም ወተሃደራት፡ ‘ጴጥሮስ እንታይ ኰን ኰይኑ፧’ ኢሎም ብዙሕ ተረበሹ። 19  ሄሮድስ ኣናድዩ ምስ ሰኣኖ፡ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ኪቕጽዑ ኣዘዘ፣ ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ድማ፡ ኣብኣ ቐነየ። 20  ሄሮድስ ምስ ሰብ ጢሮስን ሲዶንን ተባኢሱ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ሓቢሮም ናብኡ መጹ እሞ፡ ሃገሮም እትረኽቦ ምግቢ ኻብ ግዝኣት እቲ ንጉስ ስለ ዝነበረ፡ ንብላስጦስ ኣዛዝ ቤት ንጉስ ኣእሚኖም ዕርቂ ለመኑ። 21  ብምድብቲ መዓልቲ ግና፡ ሄሮድስ ልብሰ መንግስቲ ለቢሱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ፣ ተዛረቦም እውን። 22  እቶም ህዝቢ ድማ፡ “እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ድምጺ ሰብ ኣይኰነን!” ኢሎም ጨደሩ። 23  ንሱ ንኣምላኽ ክብሪ ስለ ዘይሃበ ኸኣ፡ መልኣኽ የሆዋ ብቕጽበት ቀዘፎ፣ ሓሲኹ እውን ትንፋሱ ሓለፈት። 24  ቃል የሆዋ ድማ እናዓበየን እናተዘርግሐን ከደ። 25  በርናባስን ሳውልን ነቲ ረድኤት ናብ የሩሳሌም ምስ ኣብጽሑ፡ ነቲ ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስ ተማሊኦምዎ ተመልሱ።

እግረ ጽሑፍ