ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ግብሪ ሃዋርያት 11:1-30

11  ሃዋርያትን እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ኣሕዋትን፡ ኣህዛብ እውን ቃል ኣምላኽ ከም እተቐበሉ ሰምዑ።  ጴጥሮስ ናብ የሩሳሌም ምስ ደየበ ኸኣ፡ እቶም ደገፍቲ ግዝረት ነቐፍዎ፡  ከምዚ እናበሉ፦ ‘ናብ ቤት ዘይተገዝሩ ሰባት ኣቲኻ፡ ምሳታቶም ከኣ በሊዕካ።’  ጴጥሮስ ድማ ከምዚ ኢሉ ብዝርዝር ኪገልጸሎም ጀመረ፦  “ኣብ ከተማ ዮጴ ኽጽሊ ኸለኹ፡ ተመሰጥኩ እሞ ብኣርባዕተ መኣዝኑ እተታሕዘ ዓብዪ ዓለባ በፍታ ዚመስል ኣቕሓ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ብራእይ ረኣኹ፣ ናባይ እውን መጸ።  ናብኡ ምስ ጠመትኩ፡ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳታት ምድርን ኣራዊትን ለመምትን ኣዕዋፍ ሰማይን ኣስተብሃልኩን ረኣኹን።  ‘ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሓሪድካ ብላዕ!” ዚብል ድምጺ እውን ሰማዕኩ።  ኣነ ግና፡ ‘ጐይታይ፡ ርኹስ ወይ ዘይንጹህ ከቶ ናብ ኣፈይ ኣትዩ ስለ ዘይፈልጥ፡ ኣይከውንን እዩ’ በልኩ።  ካልኣይ ሳዕ፡ ‘ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ንስኻ ርኹስ ኣይትበሎ’ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መለሰ። 10  እዚ ሳልሳይ ሳዕ ኰነ፣ ኵሉ ድማ ከም ብሓድሽ ናብ ሰማይ ተሳሕበ። 11  እንሆ ኸኣ፡ ካብ ቂሳርያ ናባይ እተላእኩ ሰለስተ ሰብኡት፡ ብኡብኡ ናብታ ዝነበርኩዋ ቤት መጹ። 12  መንፈስ ከኣ ከይተጠራጠርኩ ምሳታቶም ክኸይድ ነገረኒ። እዞም ሽዱሽተ ኣሕዋት ድማ ምሳይ ከዱ፣ ናብ ቤት እቲ ሰብኣይ እውን ኣቶና። 13  “ንሱ ኸኣ፡ መልኣኽ ኣብ ቤቱ ደው ኢሉ ኸም ዝረኣየን፡ ‘ናብ ዮጴ ልኢኽካ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሃል ስምኦን ጸውዓዮ፣ 14  ንስኻን ኵሎም ቤተ ሰብካን እትድሕኑሉ ቓል ድማ፡ ንሱ ኺነግረካ እዩ’ ኸም ዝበሎን ነገረና። 15  ክዛረብ ምስ ጀመርኩ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ከምቲ መጀመርታ ኣባና ዝወረደ፡ ኣባታቶም እውን ወረደ። 16  ሽዑ፡ ነቲ ጐይታ፡ ‘ዮሃንስ፡ ብማይ እዩ ኣጥሚቑ፣ ንስኻትኩም ግና ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም’ ዚብሎ ዝነበረ ቓል ዘከርኩ። 17  እምበኣር፡ ኣምላኽ ምስቲ ንዓና ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝኣመንና ዝሃበና ሕደ ዝዀነ ውህበት ካብ ዚህቦም፡ ኣነ መን እየ ንኣምላኽ ክኽልክሎ ዝኽእል፧” 18  እዚ ምስ ሰምዑ፡ ሃድኡ እሞ፡ “እምበኣርከስ ኣምላኽ ንኣህዛብ እውን ንህይወት ዚኸውን ንስሓ ፈቒዱሎም” እናበሉ ንኣምላኽ ኣሞገስዎ። 19  እቶም ብሰሪ እቲ ኣብ እስጢፋኖስ ዝበጽሐ ጸበባ እተበተኑ ኸኣ፡ ክሳዕ ፊንቄን ቆጵሮስን ኣንጾክያን ከዱ፣ እቲ ቓል ግና ብዘይካ ንኣይሁድ፡ ንሓደ እኳ ኣይነግሩን ነበሩ። 20  ገለ ኻባታቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቀሬኔን ነበሩ፣ ንሳቶም ናብ ኣንጾክያ ምስ መጹ፡ ብስራት ጐይታና የሱስ እናኣበሰሩ፡ ነቶም ግሪኽኛ ዝቛንቋኦም ነገርዎም። 21  ኢድ የሆዋ ኸኣ ምሳታቶም ነበረት፣ ብዙሕ ዝቝጽሮም ድማ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመልሱ። 22  እቲ ወሪኦም፡ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ተሰምዐ፣ ንሳቶም ድማ ንበርናባስ ናብ ኣንጾክያ ለኣኽዎ። 23  ንሱ ኣብኡ በጺሑ፡ ጸጋ ኣምላኽ ምስ ረኣየ፡ ተሓጐሰ፡ ካብ ልቦም ቈሪጾም ብጐይታ ጸኒዖም ኪነብሩ ኸኣ ኣተባብዖም፣ 24  ከመይሲ፡ ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብኣይ ነበረ። ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ናብ ጐይታ ተወሰኸ። 25  ንሱ ድማ ንሳውል ኬናድዮ ናብ ጠርሴስ ከደ። 26  ምስ ረኸቦ ድማ ናብ ኣንጾክያ ኣምጽኦ። ኰነ ኸኣ፡ ምሉእ ዓመት ምሳታቶም ኣብታ ጉባኤ ተኣከቡ፡ ንብዙሕ ህዝቢ እውን መሃሩ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብመለኮታዊ መምርሒ፡ ክርስትያናት ተባሂሎም እተሰምዩ ድማ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣንጾክያ ነበረ። 27  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ነብያት ካብ የሩሳሌም ናብ ኣንጾክያ ወረዱ። 28  ሓደ ኻባታቶም ከኣ ኣጋቦስ ዝስሙ ተንሲኡ፡ ኣብ ኵላ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውን፡ ብመንፈስ ሓበረ፣ እዚ ድማ ብዘመን ቅላውዴዎስ ኰነ። 29  እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሙ፡ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዚቕመጡ ኣሕዋት ረድኤት ኪሰድዱሎም ወሰኑ፣ 30  ነዚ ድማ፡ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ገይሮም ናብቶም ሽማግለታት ብምልኣኽ ገበርዎ።

እግረ ጽሑፍ