ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ግብሪ ሃዋርያት 1:1-26

1  ኦ ቴዎፍሎስ፡ ኣብቲ ቐዳማይ ዛንታ፡ ካብቲ የሱስ ኪገብርን ኪምህርን ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ፡  ክሳዕ እታ ነቶም ዝሓረዮም ሃዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ትእዛዝ ምስ ሃበ ዝዓረገላ መዓልቲ ጽሒፈልካ እየ።  መከራ ድሕሪ ምጽጋቡ፡ ኣርብዓ መዓልቲ እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናነገሮምን፡ ብብዙሕ ዜእምን መርትዖታት፡ ህያው ከም ዝዀነ ገዛእ ርእሱ ኣርኣዮም።  ምሳታቶም ኪራኸብ ከሎ ኸኣ፡ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ኣቦ ዘተስፈዎ ተስፋ ደኣ ተጸበዩ እምበር፡ ካብ የሩሳሌም ኣይትውጽኡ፣  ከመይሲ፡ ዮሃንስ ብማይ እዩ ኣጥሚቑ፣ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም።”  ምስ ተኣከቡ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ ግዜ እዚዶ ናብ እስራኤል መንግስቲ ኽትመልስ ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ።  ንሱ ድማ፡ “ነቲ ኣቦ ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ዝመደቦ ግዜያት ወይ እዋናት ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን፣  መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድርን መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም።  እዚ ምስ በለ፡ እናረኣዩ ዓረገ፣ ደበና ኸኣ ካብ ኣዒንቶም ሰወሮ። 10  ንሱ ኺዓርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ኪጥምቱ ኸለዉ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ብሃንደበት ኣብ ጥቓኦም ደው በሉ፣ 11  “ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ደው ኢልኩም ናብ ሰማይ ትጥምቱ ኣለኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪኸይድ ከሎ ዝረኣኹምዎ፡ ከምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ” ድማ በልዎም። 12  ሽዑ፡ ካብቲ ኻብ የሩሳሌም መገዲ ሰንበት ጥራይ ዚርሕቕ ደብረ ዘይቲ ዚብሃል ከረን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 13  ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብታ ዚቕመጡላ ዝነበሩ ደርቢ ደየቡ፣ ኣብኣ ድማ ጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን እንድርያስን ፊልጶስን ቶማስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ስምኦን እቲ ቐናእን ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ነበሩ። 14  ኵሎም እዚኣቶም፡ ምስ ገሊአን ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ የሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም፡ ሓቢሮም ጸሎት የዘውትሩ ነበሩ። 15  በተን መዓልትታት እቲአን፡ 120 ዚኣኽሉ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማእከል እቶም ኣሕዋት ተንሲኡ ኸምዚ በለ፦ 16  “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እቲ መንፈስ ቅዱስ ብዳዊት ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንየሱስ ዝሓዝዎ ዝመርሖም ይሁዳ ብትንቢት እተዛረቦ ቕዱስ ጽሑፍ ኪፍጸም ነይርዎ፣ 17  ከመይሲ፡ ምሳና ተቘጺሩ ነበረ፣ ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ድማ ግደ ነበሮ። 18  (ንሱ ኸኣ በቲ ዓስቢ ዓመጻ፡ ግራት ዓደገ፣ ቍልቁል ርእሱ ወዲቑ፡ ከብዱ ተተርተረ፡ ኵሉ ኣምዑቱ እውን ወጸ። 19  እዚ እውን፡ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ስለ እተፈልጠ፡ እታ ግራት ብቛንቋኦም ኣከልደማ፡ ማለት ግራት ደም ተባህለት።) 20  ከመይሲ፡ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር፡ ‘መሕደሪኡ ትባድም፡ ሓደ እኳ ኣብኣ ኣይንበር’ ድማ ‘ሓላውነቱ ኻልእ ይውሰዶ’ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ። 21  ስለዚ፡ ካብዞም ጐይታና የሱስ ኣብ መንጎና ኣብ ዝነበረሉ* ዅሉ እዋን ምሳና ዝነበሩ ሰብኡት፡ 22  ማለት ካብታ ብዮሃንስ እተጠምቀላ ግዜ ኣትሒዙ፡ ክሳዕ እታ ኻባና ዝዓረገላ መዓልቲ ምሳና ዝነበሩ ሰብኡት፡ ሓደ ኻብዚኣቶም ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ኪኸውን ይግባእ እዩ።” 23  ንኽልተ ኸኣ፡ ማለት ነቲ በርሰባስ ዚብሃል፡ ዮስጦስ እውን ዝሰመይዎ ዮሴፍን ንማትያስን ኣቕረቡ። 24  ከምዚ ኢሎም ከኣ ጸለዩ፦ “ኦ ኣልባብ ኵሉ እትፈልጥ የሆዋ፡ ካብዞም ክልተ ሰብኡት ኣየናይ ከም ዝሓረኻ ኣርኢ፣ 25  ንሱ ነዛ ይሁዳ መገዱ ምእንቲ ኪኸይድ ዝሓደጋ ቦታ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ኪቕበል እዩ።” 26  ዕጫ ኸኣ ኣውደቑሎም፣ እታ ዕጫ ድማ ናብ ማትያስ በጽሐት፣ ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ሃዋርያት እውን ተቘጽረ።

እግረ ጽሑፍ

ግብ 1:21 * ወይ፡ “ይኣቱን ይወጽእን ኣብ ዝነበረሉ።”