ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ገላትያ 6:1-18

6  ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብዘይ ፍላጥ እንተ ሰሓተ፡ ንስኻትኩም መንፈሳዊ ብቕዓታት ዘማላእኩም፡ ንኸምዚ ዝበለ ሰብ ብልኡም መንፈስ ኣቕንዕዎ። ኰይኑ ግና፡ ንስኻ እውን ምእንቲ ኸይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።  ከቢድ ጾር ሓድሕድ ጹሩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ።  ሓደ ሰብ ንእሽቶ ኽነሱ፡ ዓብዪ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ እዩ ዜታልል ዘሎ።  ግናኸ፡ ነፍሲ ወከፍ ገግብሩ ይመርምር እሞ፡ ምስ ካልእ ከይተነጻጸረ፡ ብርእሱ ዜሐብኖ ነገር ኪህልዎ እዩ።  ከመይሲ፡ ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ።  ብተወሳኺ፡ ነቲ ቓል ብኣፍ ዚምሃር ዘበለ፡ ነቲ ብኣፍ ዚምህሮ፡ ኵሉ ጽቡቕ ዘበለ የማቕሎ።  ኣይትታለሉ፦ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ።  ከመይሲ፡ እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ፡ ካብ ስጋኡ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ፣ እቲ ንመንፈስ ኢሉ ዚዘርእ ግና፡ ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ እዩ።  እንተ ዘይተሓሊልና፡ ብግዜኡ ኽንዓጽድ ኢና እሞ፡ ሰናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ። 10  እምበኣር፡ ኣጋጣሚ* ኽሳዕ ዘሎና፡ ንዅሉ፡ ምናዳ ኸኣ ነቶም ብእምነት ቤተ ሰብና ዝዀኑ፡ ሰናይ ንግበር። 11  ብኸመይ ዝበለ ፍሩይ ፊደላት ብኢደይ ከም ዝጸሓፍኩልኩም፡ ርኣዩ። 12  ኵሎም እቶም ብስጋ ኺፍተዉ ዚደልዩ ዘበሉ እዮም ብሰንኪ ጕንዲ ስቅያት ክርስቶስ የሱስ ምእንቲ ኸይስጐጉ ኢሎም፡ ክትግዘሩ ኼገድዱኹም ዚፍትኑ ዘለዉ። 13  ብኣኻትኩም* ምእንቲ ኺምክሑ ኢሎም እዮም ክትግዘሩ ዚደልዩኹም ዘለዉ እምበር፡ እቶም ዚግዘሩ ዘለዉ እኳ ባዕላቶም ንሕጊ ኣይሕልውዎን እዮም። 14  በቲ ዓለም ንዓይ ከም ምዉትቲ ዝዀነትሉ፡ ኣነ እውን ንዓለም ከም ምዉት ዝዀንኩሉ ጕንዲ ስቅያት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኰይኑ፡ ብኻልእ ክምካሕ ከቶ ኣይደልን እየ። 15  ከመይሲ፡ ሓድሽ ፍጥረት ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ዘይግዝረት ረብሓ የብሉን። 16  ኣብ ኵሎም እቶም በዚ ስርዓት እዚ ዚመላለሱ፡ እወ፡ ኣብቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል፡ ሰላምን ምሕረትን ይውረድ። 17  ኣነ ባርያ የሱስ ምዃነይ ዚሕብር ዕላመት ኣብ ሰብነተይ እጸውር ስለ ዘለኹ፡ ድሕሪ ሕጂ ሓደ እኳ ኣየሸግረኒ። 18  ኣሕዋተየ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።

እግረ ጽሑፍ

ገላ 6:10 * ወይ፡ “ግዜ።”
ገላ 6:13 * ቃል ብቓሉ፡ “ብስጋኹም።”