ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ገላትያ 4:1-31

4  ኣነ እብል ኣለኹ፦ ወራሲ ብግዜ ሕጻንነቱ፡ ዋላ እኳ ጐይታ ዅሉ እንተ ዀነ፡ ካብ ባርያ ፈሊኻ ኣይርአን እዩ፣  የግዳስ፡ ክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደባ መዓልቲ እትኣክል፡ ኣብ ትሕቲ ኣለይትን ኣመሓደርቲ ቤትን እዩ።  ከምኡ ድማ፡ ንሕና ሕጻናት ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ብመባእታዊ ነገራት ዓለም ባሮት ኴንና ነበርና።  ኰይኑ ግና፡ እቲ ተወሲኑ ዝነበረ እዋን ምስ ኣብቅዐ፡ ኣምላኽ ነቲ ኻብ ሰበይቲ እተወልደን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝዀነን ወዱ ለኣኾ፣  ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ዓዲጉ ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም እሞ፡ ንሕና ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብ እዩ።  ውሉዳት ስለ ዝዀንኩም፡ ኣምላኽ ነቲ፡ “ኣባ፡ ኣቦ!” ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ።  ስለዚ፡ ውሉድ ደኣ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን፣ ውሉድ ካብ ኰንካ ኸኣ፡ ኣምላኽ እውን ወራሲ ገይሩካ እዩ።  ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸለኹም፡ ባሮት እቶም ናይ ሓቂ ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ነበርኩም።  ሕጂ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳ እውን ኣምላኽ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ጌርኩም ናብቲ ድኹምን ድርባይን መባእታዊ ነገራት ትምለሱን ከም ብሓድሽ ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩን ኣለኹም፧ 10  መዓልትታትን ኣዋርሕን ወቕትታትን ዓመታትን ትሕልዉ ኣለኹም። 11  ምናልባት ንኸንቱ ጽዒረልኩም ከይኸውን፡ እፈርሃልኩም ኣለኹ። 12  ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኸማኻትኩም ስለ ዝነበርኩ፡ ከማይ ክትኰኑ እልምነኩም ኣለኹ። ሓንቲ እኳ ኣይበደልኩምንን። 13  ግናኸ፡ ብስጋ ብምሕማመይ እየ ነቲ ብስራት ክነግረኩም ንፈለማ ግዜ ኣጋጣሚ ዝረኸብኩ። 14  ሽዑ፡ ሕማመይ ፈተና እኳ እንተ ዀነኩም፡ ኣይነዓቕኩምንን ወይ ተጸይፍኩም ጡፍ ኣይበልኩምን፣ የግዳስ፡ ከም መልኣኽ ኣምላኽ፡ ከም ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ። 15  እቲ ዝነበረኩም ሓጐስ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ዚከኣል እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ኣዒንትኹም ኣውጺእኩም ከም እትህቡኒ እምስክረልኩም እየ። 16  እሞ ደኣ፡ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ ጸላኢኹም ኰይነ እየ፧ 17  ንጽቡቕኩም ዘይኰነስ፡ ካባይ ኪፈልዩኹም እሞ፡ ተሃንጢኹም ምእንቲ ኽትስዕብዎም ኢሎም እዮም ኪወስዱኹም ብቕንኣት ዚጽዕሩ ዘለዉ። 18  ኰይኑ ግና፡ ኣነ ምሳኻትኩም ከለኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ሳዕ ንጽቡቕ ኢሉ ብቕንኣት ዚደልየኩም እንተሎ ሰናይ እዩ፣ 19  ደቀየ፡ ክርስቶስ ክሳዕ ዚቕረጸልኩም፡ ከም ብሓድሽ ብቕልውላው ተታሒዘልኩም ኣለኹ። 20  ብኣኻትኩም ዝገብሮ ጠፊኡኒ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ክህሉን ብእተፈልየ መገዲ ኽዛረበኩምን ምደለኹ። 21  ኣቱም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኽትኰኑ እትደልዩ፡ እስከ ንገሩኒ፡ ነቲ ሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኹም፧ 22  ንኣብነት፡ ኣብርሃም ክልተ ኣወዳት ከም ዝወለደ፡ እቲ ሓደ ኻብታ ኣገልጋሊት፡ እቲ ሓደ ኸኣ ካብታ ጭዋ ኸም ዝነበረ ጽሑፍ እዩ። 23  ኰይኑ ግና፡ እቲ ኻብታ ኣገልጋሊት እተወልደ፡ ብንቡር እዩ ተወሊዱ፣ እቲ ኻብታ ጭዋ እተወልደ ግና፡ ብእተተስፈወ ተስፋ እዩ ተወሊዱ። 24  እዚ ኸም ምሳልያዊ ዛንታ ጌርካ ኺውሰድ ይከኣል እዩ፣ ከመይሲ፡ እዘን ኣንስቲ እዚአን ንኽልተ ኺዳን እየን ዜመልክታ፣ እታ ንባርነት እትወልድ ካብ ከረን ሲና ዝዀነት፡ ንሳ ኣጋር እያ። 25  ኣጋር ነቲ ኣብ ምድሪ ዓረብ ዘሎ ኸረን ሲና እያ እተመልክት፣ ንሳ ኣምሳል እታ ሎሚ ምስ ደቃ ኣብ ትሕቲ ባርነት ዘላ የሩሳሌም እያ። 26  እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ግና፡ ጭዋ እያ፣ ንሳ ኸኣ ኣዴና እያ። 27  ከመይሲ፡ “ደቂ እታ በይና ዘላ፡ ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋ በዚሖም እዮም እሞ፡ ኣቲ ዘይትወልድ መኻን፡ ተሓጐሲ፣ ኣቲ ቕልውላው ዘይብልኪ እልል በሊ” ዚብል ጽሑፍ እዩ። 28  ኣሕዋተየ፡ ንሕና ኸም ይስሃቅ፡ ደቂ ተስፋ ኢና። 29  ግናኸ፡ ከምቲ እቲ ብናይ ስጋ እተወልደ ነቲ ብናይ መንፈስ እተወልደ ዝሰጐጎ፡ ሕጂ እውን ከምኡ እዩ። 30  ይኹን እምበር፡ ቅዱስ ጽሑፍ እንታይ ድዩ ዚብል፧ “ወዲ እታ ኣገልጋሊት ምስ ወዲ እታ ጭዋ ኸቶ ኣይኪወርስን እዩ እሞ፡ ነታ ኣገልጋሊትን ንወዳን ስጐጎም።” 31  ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ደቂ እታ ኣገልጋሊት ዘይኰንናስ፡ ደቂ እታ ጭዋ ኢና።

እግረ ጽሑፍ