ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ገላትያ 1:1-24

1  ካብቲ ኻብ ሰባት ወይ ብሰብ ዘይኰነስ፡ ብየሱስ ክርስቶስን በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣቦና ኣምላኽን ሃዋርያ ዝዀነ ጳውሎስ፡  ኵላቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋት እውን፡ ናብ ጉባኤታት ገላትያ፦  ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።  የሱስ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽናን ኣቦናን፡ ካብዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ስርዓት ዓለም ምእንቲ ኼናግፈና ኢሉ፡ ምእንቲ ሓጢኣትና ርእሱ ሃበ።  ንኣምላኽና ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።  ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም፡ ናብ ካልእ ብስራት ቀልጢፍኩም ተልግሱ ምህላውኩም ይገርመኒ ኣሎ።  ንዓኻትኩም ዚርብሹኹምን ብዛዕባ ክርስቶስ ዜበስር ብስራት ኪጠውዩ ዚደልዩን ደኣ ኣለዉ እምበር፡ ካልእ ብስራትሲ የልቦን።  ይኹን እምበር፡ ሓደ ኻባና ዀነ ወይ ካብ ሰማይ ዝወረደ መልኣኽ፡ ካብቲ ንሕና ዘበሰርናኩም ብስራት እተፈልየ ኻልእ ብስራት እንተ ነገረኩም፡ ርጉም ይኹን።  ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፡ ሕጂ እውን ደጊመ እብለኩም ኣለኹ፦ ካብቲ እተቐበልኩምዎ እተፈልየ ኻልእ ብስራት ዚነግረኩም ዘበለ፡ ርጉም ይኹን። 10  እሞኸ፡ ንሰባት ድየ ወይስ ንኣምላኽ ከፍቱ ዝፍትን ዘለኹ፧ ወይስ ንሰባት ድየ ኸሐጕስ ዝደሊ ዘለኹ፧ ገና ንሰባት ዘሐጕስ ዘለኹ እንተ ዝኸውን ነይረ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን። 11  ኣሕዋተየ፡ እቲ ዘበሰርኩኹም ብስራት፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን፣ 12  የሱስ ክርስቶስ ደኣ እዩ ገሊጹለይ እምበር፡ ካብ ሰብ እተቐበልክዎ ወይ እተመሃርክዎ ኣይኰነን። 13  ቀደም ሰዓቢ ኣይሁድነት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ንጉባኤ ኣምላኽ ኣመና ኸም ዝሰጐጕክዋን ከም ዘዕኖኽዋን ሰሚዕኩም ኣለኹም። 14  ንስርዓት ኣቦታተይ ዝያዳ ቕንኣት ስለ ዝነበረኒ፡ ብኣይሁድነት ካብ ብዙሓት መሳቶይ ዝዀኑ ደቂ ዓደይ እበልጽ ነበርኩ። 15  እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ዝፈለየንን ብጸጋኡ ዝጸውዓንን ኣምላኽ ግና፡ 16  ብዛዕባ ወዱ ምእንቲ ኸበስር ኢሉ፡ ንወዱ ብኣይ ኣቢሉ ኺገልጽ ምስ ፈተወ፡ ምስ ሰብ* ኣይተማኸርኩን። 17  ናብቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት እውን፡ ናብ የሩሳሌም ኣይደየብኩን፣ የግዳስ፡ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ፣ ካብኡ ድማ ናብ ደማስቆ ተመለስኩ። 18  ድሕሪኡ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ንኬፋ ምእንቲ ኽበጽሖ ኢለ፡ ናብ የሩሳሌም ደየብኩ፣ ንዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ድማ ምስኡ ቐነኹ። 19  ካብ ካልኦት ሃዋርያት ግና፡ ብዘይካ ያእቆብ ሓው ጐይታና፡ ካልእ ኣይረኣኹን። 20  ብዛዕባ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እየ ዝብለኩም፡ ኣይሕሱን እየ ዘለኹ። 21  ድሕሪኡ፡ ናብ ዞባታት ሶርያን ቂልቅያን ከድኩ። 22  እተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ጉባኤታት ክርስቶስ ግና፡ ብገጽ ኣይፈልጣንን ነበራ፣ 23  “እቲ ቐደም ዚሰጕጐና ዝነበረ፡ ብዛዕባ እታ ኼዕንዋ ዚፍትን ዝነበረ እምነት የበስር ኣሎ” ኺብሃል ከሎ ጥራይ ይሰምዓ ነበራ። 24  ስለዚ፡ ብዛዕባይ ንኣምላኽ ኣሞገሳኦ።

እግረ ጽሑፍ

ገላ 1:16 * ቃል ብቓሉ፡ “ምስ ስጋን ደምን።”