ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ዮሃንስ 4:1-54

4  ጐይታ ኸኣ፡ ፈሪሳውያንሲ የሱስ ካብ ናይ ዮሃንስ ዚበዝሑ ደቀ መዛሙርቲ ይገብርን የጥምቕን ከም ዝነበረ ምስማዖም ምስ ፈለጠ፡—  ግናኸ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፡ የሱስ ባዕሉስ ኣየጥመቐን፡—  ንይሁዳ ሓዲጉ፡ ከም ብሓድሽ ናብ ገሊላ ኸደ።  ብሰማርያ ኺሓልፍ ከኣ ነበሮ።  ናብታ ኣብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሃቦ ግራት ዘላ ሲካር እትብሃል ከተማ ሰማርያ መጸ።  ኣብኣ ድማ ዓይኒ ማይ ያእቆብ ነበረት። የሱስ ከኣ ብጕዕዞ ደኺሙ፡ ኣብ ጥቓ እታ ዓይኒ ማይ ተቐመጠ። እታ ሰዓት ከኣ፡ ሻድሸይቲ* ነበረት።  ሓንቲ ኻብ ሰማርያ ዝዀነት ሰበይቲ፡ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ድማ፡ “ኣስትይኒ” በላ።  ከመይሲ፡ ደቀ መዛሙርቱ ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ።  ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን ነበሩ እሞ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻስ፡ ካባይ ካብ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ኽትሰቲ ትልምን ኣለኻ፧” በለቶ። 10  የሱስ ድማ፡ “ውህበት ኣምላኽን እቲ ‘ኣስትይኒ’ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፡ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ” ኢሉ መለሰላ። 11  ንሳ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ መገለል የብልካን፡ እዛ ዒላ ኸኣ ዓማቝ እያ። እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ኢኻ እትረኽቦ፧ 12  ንስኻዶ ኻብቲ ነዛ ዒላ እዚኣ ዝሃበና፡ ንሱ እውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኣ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብ ትዓቢ ኢኻ፧” በለቶ። 13  የሱስ ድማ፡ “ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዅሉ መሊሱ ኺጸምእ እዩ። 14  ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ዘበለ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ደኣ ኣብኡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ይኸውን እምበር፡ ከቶ ኣይኪጸምእን እዩ” ኢሉ መለሰላ። 15  እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ከይጸምእ እሞ፡ ክቐድሕ ኢለ ናብዚ ኸይመላለስሲ፡ ነዚ ማይ እዚ ሃበኒ” በለቶ። 16  ንሱ ኸኣ፡ “ኪዲ፡ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ናብዚ ንዒ” በላ። 17  እታ ሰበይቲ ድማ፡ “ሰብኣይ የብለይን” ኢላ መለሰትሉ። የሱስ ከኣ፡ “‘ሰብኣይ የብለይን’ ብምባልክስ፡ ቅኑዕ ተዛሪብኪ። 18  ከመይሲ፡ ሓሙሽተ ሰብኡት ነይሮምኺ እዮም፣ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎ እውን ሰብኣይኪ ኣይኰነን። እዝስ ሓቂ ተዛሪብኪ” በላ። 19  እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ ኣለኹ። 20  ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ኣምለኹ፣ ንስኻትኩም ግና፡ ‘እታ ኺምለኸላ ዚግባእ ቦታ የሩሳሌም እያ’ ኢኹም እትብሉ” በለቶ። 21  የሱስ ድማ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይስ ኣብ የሩሳሌም ንኣቦ ዘይተምልኹላ ሰዓት ከም እትመጽእ፡ እመንኒ። 22  ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እተምልኹ፣ ንሕና ግና፡ ድሕነት ካብ ኣይሁድ ስለ ዝዀነ፡ ንእንፈልጦ ኢና እነምልኽ። 23  ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኣቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዜምልኹላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፣ ከመይሲ፡ ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ኣምለኽቲ እዩ ዚደሊ ዘሎ። 24  ኣምላኽ መንፈስ እዩ፣ እቶም ዜምልኽዎ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኬምልኽዎ ይግብኦም” በላ። 25  እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ክርስቶስ ዚብሃል መሲሕ ከም ዚመጽእ እፈልጥ እየ። ንሱ ምስ መጸ፡ ኵሉ ኺገልጸልና እዩ” በለቶ። 26  የሱስ ድማ፡ “ኣነ ዝዛረበኪ ዘለኹ፡ ንሱ እየ” በላ። 27  ሽዑ፡ ደቀ መዛሙርቱ መጹ፡ ምስ ሰበይቲ ይዘራረብ ስለ ዝነበረ እውን፡ ተገረሙ። ግናኸ፡ ሓደ እኳ፡ “እንታይ ኢኻ ደሊኻ፧” ወይ፡ “ንምንታይ ምስኣ ትዛረብ ኣለኻ፧” ዝበሎ የልቦን። 28  እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ዕትሮኣ ሓዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፡ ነቶም ሰባት እውን፡ 29  “ዝገበርክዎ ዅሉ ዝነገረኒ ሰብ ንዑ ርኣይዎ። እንድዒ፡ ክርስቶስ ደዀን ይኸውን፧” ኢላ ነገረቶም። 30  ንሳቶም ከኣ ካብታ ኸተማ ወጺኦም ናብኡ መጹ። 31  ኣብ መንጎኡ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “መምህር፡ ብላዕ” ኢሎም ይልምንዎ ነበሩ። 32  ንሱ ግና፡ “ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ ኣሎኒ” በሎም። 33  እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ንሓድሕዶም፡ “ዚብላዕ ዘምጸኣሉ ደዀን ኣልዩ፧” ተባሃሃሉ። 34  የሱስ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር፡ ዕዮኡ እውን ክፍጽም እዩ። 35  ‘ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ ኣሎ’ ትብሉ ደይኰንኩምን፧ እንሆ፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ኣዒንትኹም ቋሕ ኣቢልኩም፡ ግራውቲ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወ ርኣዩ። 36  እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ፡ ድሮ እቲ ዓጻዲ ውዕለቱ ይቕበልን ንናይ ዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብን ኣሎ። 37  ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ‘ሓዲኡ ዘራኢ፡ ሓዲኡ ኸኣ ዓጻዲ እዩ’ ዚብሃል ሓቂ እዩ። 38  ኣነ፡ ዘይጸዓርኩምሉ ኽትዓጽዱ ልኢኸኩም ኣለኹ። ካልኦት ጽዒሮምሉ እዮም፣ ንስኻትኩም ከኣ ብጻዕሮም ትጥቀሙ ኣለኹም።” 39  ስለቲ እታ ሰበይቲ፡ “ዝገበርክዎ ዅሉ ነጊሩኒ” ኢላ ዝመስከረቶ ቓል ድማ፡ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብእኡ ኣመኑ። 40  እቶም ሳምራውያን ከኣ ናብኡ መጺኦም፡ ምሳታቶም ኪቕኒ ለመንዎ፣ ንሱ ድማ ኣብኡ ኽልተ መዓልቲ ወዓለ። 41  ብዙሓት ተወሰኽቲ ኸኣ ስለቲ ዝበሎ ኣመኑ። 42  ነታ ሰበይቲ እውን፡ “ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ መድሓን ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ብዘረባኺ ኣይኰንናን እንኣምን ዘለና” በልዋ። 43  ድሕሪ እተን ክልተ መዓልቲ፡ ካብኡ ወጺኡ ናብ ገሊላ ኸደ። 44  የሱስ ባዕሉ ግና፡ ነብዪ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይከብር መስከረ። 45  ናብ ገሊላ ምስ መጸ ድማ፡ እቶም ሰብ ገሊላ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ብበዓል ዝገበሮ ስለ ዝረኣዩ፡ ተቐበልዎ፣ ምኽንያቱ፡ ንሳቶም እውን ናብ በዓል ከይዶም ነበሩ። 46  ንሱ ድማ ከም ብሓድሽ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ ቃና ናይ ገሊላ መጸ። ኣብ ቅፍርናሆም ከኣ፡ ወዱ ዝሓመሞ ሓደ ኣገልጋል ንጉስ ነበረ። 47  ንሱ፡ የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመጸ ምስ ሰምዐ፡ ናብኡ ኸደ፣ ወዱ ኺመውት ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ ወሪዱ ኼሕውየሉ ለመኖ። 48  የሱስ ድማ፡ “ትእምርትን ተኣምራትን እንተ ዘይርኢኹም፡ ከቶ ኣይትኣምኑን ኢኹም” በሎ። 49  እቲ ኣገልጋል ንጉስ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ወደይ ከይሞተ ውረድ” በሎ። 50  የሱስ ድማ፡ “ኪድ፡ ወድኻ ሓውዩ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ በቲ የሱስ እተዛረቦ ቓል ኣሚኑ ኸደ። 51  ገና ኺወርድ ከሎ ግና፡ ባሮቱ ረኺቦም፡ ወዱ ኸም ዝሓወየ ነገርዎ። 52  ንሱ ኸኣ እታ ዝጠዓየላ ሰዓት ሓተቶም። ንሳቶም ድማ፡ “ትማሊ ብሻውዐይቲ* ሰዓት ረስኒ ሓዲግዎ” በልዎ። 53   ሽዑ፡ እቲ ኣቦ፡ እታ የሱስ፡ “ወድኻ ሓውዩ” ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ። ንሱን ብምሉኦም ቤተ ሰቡን ከኣ ኣመኑ። 54  እዚ ድማ፡ የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ምስ መጸ ዝገበሮ ኻልኣይ ትእምርቲ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ዮሃ 4:6 * ማለት፡ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ።
ዮሃ 4:52 * ማለት፡ ካብ ጸሓይ በርቂ ኣትሒዙ ምስ ዚቝጸር፡ ሰዓት 1 ድ.ቀ. ኣቢሉ።