ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ዮሃንስ 12:1-50

12  ሽዱሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ፡ የሱስ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር ዝነበራ ቢታንያ መጸ።  ኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉ፣ ማርታ እውን ተገልግል ነበረት፣ ኣልኣዛር ግና ሓደ ኻብቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ እዩ።  ሽዑ፡ ማርያም ሓደ ነጥሪ* ኽቡር ቅዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጕሪ ርእሳ እውን ደረዘቶ። እታ ቤት ከኣ ብሽታ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልአት።  ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ግና፡  “እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ፡ ስለምንታይ ን300 ዲናር ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሃብ፧” በለ።  እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝነበረን ሳጹን ምስኡ ስለ ዝነበረን ኣብኡ ዝኣተወ ገንዘብ ይሰርቕ ስለ ዝነበረን እዩ እምበር፡ ንድኻታት ስለ ዝሓለየሎም ኣይኰነን።  የሱስ ከኣ፡ “ንመዓልቲ ቐብረይ ኢላ እዚ ኽትገብር ሕደግዋ።  ምኽንያቱ፡ ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እዮም፣ ኣነ ግና ኵሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣይኰንኩን” በለ።  ሽዑ፡ ካብ ኣይሁድ ብዙሓት ህዝቢ፡ ንሱ ኣብኡ ኸም ዘሎ ፈሊጦም መጹ፣ ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር እውን ኪርእዩ እምበር፡ ብምኽንያት የሱስ ጥራይ ኣይኰኑን ዝመጹ። 10  ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ ንኣልኣዛር እውን ኪቐትልዎ ተማኸሩ፣ 11  ከመይሲ፡ ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር ናብኡ እናኸዱ፡ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ። 12  ንጽብሒቱ፡ እቶም ንበዓል ዝመጹ ብዙሓት ህዝቢ፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ይመጽእ ከም ዘሎ ሰሚዖም፡ 13  ጨናፍር ኦም ስየ ሒዞም ኪረኽብዎ ወጹ። “በጃኻ፡ ኣድሕኖ! ብስም የሆዋ ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ!” ኢሎም እውን ጨደሩ። 14  ሽዑ፡ የሱስ ጻዕብ ረኺቡ ተወጥሖ፣ እዚ ድማ ከምቲ፡ 15  “ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ! እንሆ፡ ንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ” ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ። 16  ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገር እዚ ቕድም ኣየስተውዓልዎን፣ የሱስ ምስ ከበረ ግና፡ ሽዑ እዚ ብዛዕባኡ ኸም እተጻሕፈን ንሳቶም እዚ ኸም ዝገበሩሉን ዘከሩ። 17  እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ጸዊዑ ኻብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸሎ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ እውን፡ ይምስክሩ ነበሩ። 18  ስለዚ፡ እቶም ህዝቢ፡ እዚ ትእምርቲ እዚ ኸም ዝገበረ ስለ ዝሰምዑ፡ ኪረኽብዎ ወጹ። 19  ሽዑ፡ ፈሪሳውያን ንሓድሕዶም፡ “ሓንቲ እኳ ኸም ዘይተስልጡ ትርእዩ ኣለኹም። እንሆ፡ ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ” ተባሃሃሉ። 20  ካብቶም ኣብቲ በዓል ኬምልኹ ዝደየቡ ኸኣ፡ ገለ ግሪኻውያን ነበሩ። 21  ንሳቶም ድማ ናብ ፊልጶስ ብዓል ቤት-ሳይዳ ናይ ገሊላ ቐሪቦም፡ “ጐይታይ፡ ንየሱስ ክንርእዮ ንደሊ ኢና” ኢሎም ለመንዎ። 22  ፊልጶስ ከኣ ከይዱ ንእንድርያስ ነገሮ። እንድርያስን ፊልጶስን ከኣ ከይዶም ንየሱስ ነገርዎ። 23  የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ወዲ ሰብ ዚኸብረላ ሰዓት በጺሓ እያ። 24  ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወዲቓን እንተ ዘይሞይታን፡ በይና እያ እትነብር፣ እንተ ሞይታ ግና፡ ብዙሕ ፍረ ትፈሪ። 25  እቲ ንነፍሱ* ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ፣ እቲ ንነፍሱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንናይ ዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ። 26  ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ይስዓበኒ፣ ኣብቲ ዘለኽዎ ኸኣ፡ ኣገልጋልየይ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ። 27  ሕጂ ነፍሰይ ተረቢሻ ኣላ፡ እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ኣቦ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ። ግናኸ፡ ምእንቲ እዚ እየ ናብዛ ሰዓት እዚኣ ዝመጻእኩ። 28  ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ።” ሽዑ፡ ካብ ሰማይ፡ “ኣኽቢረዮ እየ፡ ከም ብሓድሽ እውን ከኽብሮ እየ” ዚብል ድምጺ መጸ። 29  እቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ነጕዲ ኸም ዝዀነ ተዛረቡ። ካልኦት ከኣ፡ “መልኣኽ ተዛሪብዎ” በሉ። 30  የሱስ ከኣ፡ “እዚ ድምጺ እዚ ምእንታኹም እዩ ዝመጸ እምበር፡ ምእንታይ ኣይኰነን። 31  ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ኣኸለ፣ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ። 32  ኣነ እውን ምስ ተሰቐልኩ፡ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ናባይ ክስሕቦ እየ” ኢሉ መለሰሎም። 33  ከመይ ዝበለ ሞት ከም ዚመውት ኬመልክት እዩ እዚ ዝበለ። 34  ስለዚ፡ እቶም ህዝቢ፡ “ንሕናስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ደኣ ኻብ ሕጊ ሰሚዕና፣ ከመይ ኢልካ ደኣ ኢኻ፡ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦ እትብል ዘለኻ፧ እዚ ወዲ ሰብ እዚኸ መን እዩ፧” ኢሎም መለሱሉ። 35  የሱስ ከኣ፡ “ንቝሩብ ግዜ ብርሃን ኣብ መንጎኹም ኪጸንሕ እዩ። ጸልማት ከይውሕጠኩምሲ፡ ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ፣ እቲ ብጸልማት ዚመላለስ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ። 36  ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ብርሃን ከሎኩም፡ ብብርሃን እመኑ” በሎም። የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኻባታቶም ከይዱ ተሓብአ። 37  ኣብ ቅድሚኦም ክንድዚ ዚኣክል ትእምርትታት ገይሩ ኽነሱ፡ ብእኡ ኣይኣምኑን ነበሩ፣ 38  እዚ ዝዀነ ኸኣ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ “የሆዋ፡ በቲ ዝሰማዕናዮ መን ኣመነ፧ ቅልጽም የሆዋኸ ንመን ተገልጸ፧” ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። 39  ኪኣምኑ ዘይከኣሉሉ ምኽንያት ከኣ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽ፡ 40  “ብኣዒንቶም ከይርእዩን ብልቦም ከየስተውዕሉን ከይምለሱን እሞ ኣነ ኸይምሕሮምሲ፡ ኣዒንቶም ኣዖረ፡ ልቦም እውን ኣትረረ” ዝበሎ እዩ። 41  ኢሳይያስ ክብሩ ስለ ዝረኣየ እዩ እዚ ዝበለ፡ ብዛዕባኡ እውን ተዛረበ። 42  ዝዀነ ዀይኑ፡ ብዙሓት ካብ ኣሕሉቕ እኳ ብእኡ ኣመኑ፣ ግናኸ፡ ካብ ምኵራብ ምእንቲ ኸይስጐጉ፡ ብሰንኪ ፈሪሳውያን ኣይተኣመኑሉን፣ 43  ከመይሲ፡ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ዝያዳ ፈተዉ። 44  የሱስ ግና ጨደረ፡ ከምዚ እውን በለ፦ “እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ በቲ ዝለኣኸኒ እውን እምበር፡ ብኣይ ጥራይ ኣይኰነን ዚኣምን፣ 45  እቲ ንዓይ ዚርኢ ኸኣ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እውን ይርእዮ። 46  ብኣይ ዚኣምን ኵሉ፡ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺአ ኣለኹ። 47  ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ ዘበለ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ። 48  እቲ ዚንዕቀንን ንቓለይ ዘይቅበልን ዚፈርዶ ኣለዎ። እቲ እተዛረብክዎ ቓል እዩ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ዚፈርዶ፣ 49  ከመይሲ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ባዕሉ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ። 50  ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ማለት ምዃና እውን እፈልጥ እየ። ስለዚ፡ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ።”

እግረ ጽሑፍ

ዮሃ 12:3 * 327 ግራም ኣቢሉ።
ዮሃ 12:25 * ወይ፡ “ንህይወቱ።”