ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ያእቆብ 2:1-26

2  ኣሕዋተየ፡ እምነት እቲ ኽቡር ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሒዝኩም ከለኹምሲ፡ ኣድልዎ ትገብሩዶ ኣለኹም፧  ከመይሲ፡ ኣብ ኣጻብዑ ቐላብቲ ወርቂ ዝገበረን ዜብለጭልጭ ክዳን እተኸድነን ሰብኣይ ናብ ኣኼባኹም እንተ ኣተወ፡ ሓደ ድኻ ሰብኣይ ግና ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ ኣተወ፡  ነቲ ዜብለጭልጭ ክዳን እተኸድነ ብኣኽብሮት ርኢኹም፡ “ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ቦታ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ “ንስኻ ደው በል” ወይስ፡ “ኣብዚ ኣብ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፡  ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነን፧ ክፉእ ዚውስኑ ፈራዶ ደይኰንኩምንከ እትዀኑ፧  ፍቑራት ኣሕዋተየ ስምዑ። ኣምላኽሲ ብእምነት ኪህብትሙን ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎ መንግስቲ ኺወርሱን ኢሉ፡ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ደይኰነን ዝሓረዮም፧  ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ኣሕሰርኩምዎ። ሃብታማት ደይኰኑን ዚጭቍኑኹምን ናብ ቤት ፍርዲ ዚውጥጡኹምን፧  ንሳቶም ደይኰኑንከ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ኽቡር ስም ዚጸርፉ፧  ከምቲ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፍ ጌርኩም ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ እንተ ፈጸምኩምዎሲ፡ ጽቡቕ ትገብሩ ኣለኹም።  ኣድልዎ እንተ ገበርኩም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ ኣለኹም፣ በቲ ሕጊ ኸኣ ከም ጠሓስቲ ትግንሑ። 10  ንብዘሎ ሕጊ ሓልዩ ኣብ ሓንቲ ዚስሕት ዘበለ፡ ብዅሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን። 11  ከመይሲ፡ እቲ፡ “ኣይትዘሙ” ዝበለ፡ “ኣይትቕተል” እውን ኢሉ እዩ። ከይዘሞኻ እኳ እንተ ቐተልካ፡ ጠሓስ ሕጊ ኢኻ። 12  ከምቲ ናይቶም ብሕጊ ሓራ ሰባት ዚፍረዱ ጌርኩም ተዛረቡን ግበሩን። 13  ምሕረት* ዘይገብርሲ፡ ብዘይ ምሕረት እዩ ዚፍረድ። ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ትዕወት እያ። 14  ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ ‘እምነት ኣላትኒ’ እንተ በለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እታ እምነት እቲኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ 15  ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዓረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢ እውን እንተ ሰኣኑ፡ 16  ንሰብነቶም ዜድሊ ኸይሃብኩምሲ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ “ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ” እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቅም፧ 17  ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዘይብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ። 18  ሓደ ግና፡ “ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ ኣሎኒ። እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነ እውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ” ይብል ይኸውን። 19  ሓደ ኣምላኽ ከም ዘሎዶ ትኣምን ኢኻ፧ ጽቡቕ ትገብር ኣለኻ። ኣጋንንቲ እውን ይኣምኑን የንቀጥቅጡን እዮም። 20  ግናኸ፡ ኣታ ኸንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ዘይትረብሕ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ 21  ኣብርሃም ኣቦና ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩዶ ኣይጸደቐን፧* 22  እምነቱ ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዓየየት፡ እምነቱ ድማ ብግብሩ ፍጽምቲ ኸም ዝዀነት፡ ትርኢ ኣለኻ። 23  እቲ፡ “ኣብርሃም ብየሆዋ ኣመነ፡ ጽድቂ ዀይኑ ድማ ተቘጽረሉ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፍ ድማ ተፈጸመ፡ “ዓርኪ የሆዋ” ኸኣ ተባህለ። 24  ሰብ ብእምነት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ትርእዩ ኣለኹም። 25  ከምኡ ኸኣ ረሃብ እታ ኣመንዝራ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶምን ብኻልእ መገዲ ምስ ሰደደቶምን፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧ 26  እምበኣር፡ ከምቲ ሰብነት ብዘይ መንፈስ ምዉት ዝዀነ፡ ከምኡ እውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።

እግረ ጽሑፍ

ያእ 2:13 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምሕረት” ርአ።
ያእ 2:21 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ጸደቐ” ርአ።