ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

እብራውያን 9:1-28

9  እቲ ቐዳማይ ኪዳንሲ ስርዓታት ኣገልግሎትን ምድራዊ መቕደስን ነይርዎ እዩ።  ከመይሲ፡ ቀዋሚ ቐንዴልን ሰደቓን እንጌራታት ምርኣይን ዝነበራ ቐዳመይቲ ኽፍሊ እታ ድንኳን ተተኺላ ነበረት፣ “ቅድስቲ” ድማ ትብሃል ነበረት።  ብኽንየው እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ግና፡ “ቅድስተ ቕዱሳን” እትብሃል ክፍሊ እታ ድንኳን ነበረት።  ኣብኣ ጽንሃህ ወርቅን ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ እተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ፣ ኣብኡ ኸኣ ማና ዝሓዘት ፍዮ ወርቅን ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮንን ጽላት ኪዳንን ነበራ፣  ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ መኽደን መተዓረቒ ዜጽልሉ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነበሩ። ብዛዕባ እዚ ግና ሕጂ ብዝርዝር ክንዛረብ ግዜኡ ኣይኰነን።  እዚ በዚ ኸምዚ ምስ ተዳለወ፡ እቶም ካህናት ኣገልግሎት ንምቕራብ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ እታ ድንኳን ኵሉ ሳዕ ይኣትዉ እዮም፣  እቲ ሊቀ ኻህናት ግና ናብታ ኻልአይቲ ኽፍሊ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ይኣቱ እዩ፣ ግናኸ፡ ብዘይ እቲ ምእንቲ ርእሱን ምእንቲ እቲ ብዘይፍላጥ እተገብረ ሓጢኣት ህዝብን ዜቕርቦ ደም ኣይኣቱን እዩ።  በዚ ኸምዚ፡ እታ ቐዳመይቲ ድንኳን ቈይማ ኸላ፡ ናብታ መቕደስ ዜእቱ መገዲ ገና ኸም ዘይተገልጸ፡ መንፈስ ቅዱስ የነጽር እዩ።  እዛ ድንኳን እዚኣ ነዚ እዋን እዚ ምሳሌ እያ፣ ከምቲ ስርዓት እቲ ጌርካ ኸኣ መባእን መስዋእትን ይቐርብ እዩ። እዚ ግና ንሕልና እቲ ዜገልግል ፍጹም ኪገብሮ ኣይክእልን እዩ። 10  ምስ ብልዕን መስተን እተፈላለየ ጥምቀታትን ጥራይ እዩ ዚተሓሓዝ። እዋን ምቕናዕ ክሳዕ ዚኣክል እተነብረ ስጋዊ ስርዓት እዩ። 11  ግናኸ፡ ክርስቶስ ሊቀ ኻህናት እቲ ድሮ መጺኡ ዘሎ ሰናይ ነገር ኰይኑ ምስ መጸ፡ በታ ብኢድ ዘይተገብረት፡ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነት፡ ዝዓበየትን ዝያዳ ፍጽምትን ድንኳን ሓለፈ። 12  ብደም ድቤላታትን ዝራብዓትን ዘይኰነስ፡ ብደም ገዛእ ርእሱ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ረኺቡልና ሓንሳእ ንሓዋሩ ናብታ መቕደስ ኣተወ። 13  ደም ድቤላታትን ኣብዑርን ሓምዅሽቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ንምንጻህ ስጋ ዚቕድስ ካብ ኰነስ፡ 14  ደም እቲ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ብዘይ ኣበር ንኣምላኽ ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፡ ነቲ ህያው ኣምላኽ ንምግልጋል ክንደይ ኣዝዩ ንሕልናና ኻብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ፧ 15  በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኻብቲ ኣብቲ ቐዳማይ ኪዳን እተገብረ ኣበሳ ንምብጃው ዚኸውን ሞት ምስ ኰነ፡ እቶም ጽዉዓት ነታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኪቕበሉ ኢሉ፡ መንጎኛ ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ። 16  ኪዳን ኣብ ዘለዎስ፡ ሞት እቲ ኺዳን ዜቕውም ሰብ ኣድላዪ እዩ። 17  ኪዳንሲ ድሕሪ ሞት እዩ ዚጸንዕ እምበር፡ እቲ ኺዳን ዜቕውም ሰብ ብህይወቱ ኸሎስ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። 18  ስለዚ፡ እቲ ቐዳማይ ኪዳን እኳ ብዘይ ደም ኣይተመረቐን። 19  ሙሴ ዅሉ ትእዛዛት ሕጊ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ምስ ነገሮስ፡ ደም ዝራብዓትን ድቤላታትን ምስ ማይን ቀይሕ ጸምርን ሃዛብን ወሲዱ፡ ነቲ መጽሓፍን ንዅሉ እቲ ህዝብን ነጸገሉ፡ 20  ከምዚ እናበለ፦ “ደም እቲ ኣምላኽ ክትሕልውዎ ዝኣዘዘኩም ኪዳን እዚ እዩ።” 21  ከምኡ ድማ ነታ ድንኳንን ንዅሉ ኣቕሑ እቲ ኣገልግሎትን ነጸገሉ። 22  ከምቲ ሕጊ ኸኣ፡ ዳርጋ ዅሉ ብደም እዩ ዚነጽህ፣ ደም እንተ ዘይፈሰሰ እውን፡ ሕድገት ኣይከውንን እዩ። 23  እምበኣር፡ ምስሊ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ነገራት በዚ ኺነጽህ ግዲ ነበረ፣ እቲ ሰማያዊ ነገራት ግና ካብዚ ዝሓሸ መስዋእቲ የድልዮ እዩ። 24  ከመይሲ፡ ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪርኣየልና ናብ ሰማይ እምበር፡ ናብታ ምስሊ እታ ናይ ሓቂ ዝዀነት ብኢድ እተገብረት መቕደስ ኣይኰነን ዝኣተወ። 25  እዚ ኸኣ ከምቲ ሊቀ ኻህናት በብዓመት ብደም ካልእ ናብ መቕደስ ዚኣቱ፡ ገዛእ ርእሱ ብዙሕ ሳዕ ምእንቲ ኺስውእ ኣይኰነን። 26  እንተ ዘይኰነስ፡ ካብ ምስራት ዓለም ኣትሒዙ ብዙሕ ሳዕ መከራ ኺጸግብ ምተገብኦ ነይሩ። ሕጂ ግና ብመስዋእቲ ገዛእ ርእሱ ንሓጢኣት ኬርሕቕ ኢሉ፡ ኣብ መደምደምታ ስርዓታት ዓለም ሓንሳእ ንሓዋሩ ተጋህደ። 27  ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ንሓዋሩ ሙማት፡ ብድሕሪኡ ግና ፍርዲ ተሰሪዑሉ ዘሎ፡ 28  ከምኡ ኸኣ ክርስቶስ፡ ሓጢኣት ብዙሓት ምእንቲ ኺጸውር፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ተሰውአ፣ ካልኣይ ሳዕ ድማ፡ ስለ ሓጢኣት ዘይኰነስ፡ ነቶም ዚጽበይዎ ንምድሓን ኪግለጽ እዩ።

እግረ ጽሑፍ