ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

እብራውያን 8:1-13

8  ቀንዲ ነጥቢ እቲ እንብሎ ዘሎና ኸኣ እዚ እዩ፦ ከምዚ ዝኣመሰለ ሊቀ ኻህናት ኣሎና፣ ንሱ ድማ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ ተቐሚጡ ኣሎ፣  ናይታ ሰብ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ዝተኸላ መቕደስን ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ እውን እዩ።  ሊቀ ኻህናት ዘበለስ መባእን መስዋእትን ኬቕርብ እዩ ዚሽየም፣ ስለዚ፡ እዚ እውን ገለ ዜቕርቦ ኺህልዎ ይግባእ እዩ።  እምበኣር ኣብ ምድሪ እንተ ዚኸውን፡ ከም ሕጊ ገይሮም መባእ ዜቕርቡ ስለ ዘለዉ፡ ካህን ኣይምዀነን ነይሩ።  እዚኣቶም ኣብ ምስልን ጽላሎትን እቲ ሰማያዊ ነገራት እዮም ዜገልግሉ፣ ከምቲ ሙሴ ነታ ድንኳን ኪገብር ምስ በለ፡ እተዋህቦ መለኮታዊ ትእዛዝ እዩ፦ “ኵሉ ኸምታ ኣብ ከረን ዝረኣኻያ ምስሊ ኽትገብር ኣስተብህል” ድማ በሎ።  ሕጂ ግና የሱስ ዝበለጸ ኣገልግሎት ረኺቡ ኣሎ፣ ከምኡ ድማ መንጎኛ እቲ ኣብ ዝሓሸ ተስፋታት ብሕጊ እተሰረተ ዝሓሸ ኺዳን እዩ።  እቲ ቐዳማይ ኪዳን ኣበር እንተ ዘይህልዎ፡ እቲ ኻልኣይ ኣይመድለየን ነይሩ።  ከመይሲ፡ ከምዚ ኺብል ከሎ ይነቕፎም እዩ፦ “‘እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን’ ይብል የሆዋ።  ‘ከምቲ ኣብታ ኻብ ሃገር ግብጺ ብኢዶም ሒዘ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን፣ ብኺዳነይ ስለ ዘይጸንዑ፡ ምግዳስ ገደፍክዎ’ ይብል የሆዋ።” 10  “‘ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲአን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ፡’ ይብል የሆዋ። ‘ንሕግታተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከእትዎ፡ ኣብ ልቦም እውን ክጽሕፎ እየ። ኣነ ኣምላኾም ክኸውን፡ ንሳቶም እውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም። 11  “‘ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ዅላቶም ኪፈልጡኒ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩን* ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን፡ “ንየሆዋ ፍለጦ” ኢሉ ኣይኪምህሮን እዩ። 12  ከመይሲ፡ ዓመጻኦም ክምሕር፡ ሓጢኣቶም እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ።’” 13  “ሓድሽ ኪዳን” ብምባሉ፡ ነቲ ቐዳማይ ኣእረጎ። እቲ ዝኣረገን ዝበለየን ከኣ ኪጠፍእ ቀሪቡ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

እብ 8:11 * ቃል ብቓሉ፡ “ንወዲ ዓዱን።”