ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

እብራውያን 5:1-14

5  ካብ ሰብ እተወስደ ሊቀ ኻህናት ዘበለስ፡ ስለ ሓጢኣት መባእን መስዋእትን ኬቕርብ፡ ብናይ ኣምላኽ ነገር፡ ምእንቲ ሰብ እዩ ዚሽየም።  ንሱ ድኻም ስለ ዘለዎ፡ ነቶም ደናቝርን ዚጋገዩን ኪርሕርሓሎም ይኽእል እዩ።  ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ምእንቲ ህዝቢ፡ ከምኡ እውን ምእንቲ ርእሱ ስለ ሓጢኣት ኪስውእ ይግብኦ እዩ።  ከም ኣሮን፡ ብኣምላኽ ምስ ተጸውዐ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ባዕሉ ዚወስዶ ሓደ እኳ የልቦን።  ከምኡ ድማ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ብምዃን ርእሱ ኣየኽበረን፣ የግዳስ፡ እቲ ብዛዕባኡ፡ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ” ዝበለ እዩ ኣኽቢርዎ።  ኣብ ካልእ ቦታ እውን፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ” ይብል።  ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚኽእል፡ ምህለላን ልማኖን ኣቕረበ፣ ንኣምላኽ ብምፍራሁ ኸኣ ተሰምዐ።  ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ ዘሕለፎ መከራ ተኣዛዝነት ተማህረ፣  ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ንናይ ዘለኣለም ድሕነቶም ምኽንያት ኰነ፣ 10  ስለምንታይሲ፡ ከም ስርዓት መልከጼዴቅ ሊቀ ኻህናት ኪኸውን ብኣምላኽ ተሰይሙ እዩ። 11  ብዛዕባኡ ብዙሕ እንብሎ ነይሩናስ፡ ንምስማዕ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም፡ ንምግላጹ ኣጸጋሚ እዩ። 12  ክሳዕ ሕጅስ መምህራን ክትኰኑ ዚግብኣኩም እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ መባእታዊ ነገራት እቲ ቕዱስ ቃል ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኸም ብሓድሽ ዚምህረኩም የድልየኩም ኣሎ፣ ዕጹም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ጸባ ዜድልየኩም ኴንኩም ኣለኹም። 13  ጸባ ዚቕለብ ዘበለ፡ ሕጻን እዩ እሞ፡ ብዛዕባ ቓል ጽድቂ ምኩር ኣይኰነን። 14  ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኦም ዘላመዱ ብሱላት እዩ።

እግረ ጽሑፍ