ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

እብራውያን 4:1-16

4  እምበኣር፡ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልና፡ ሓደ ኻባኻትኩም ዘይበቅዕ ኰይኑ ኸይህሉ ንፍራህ።  ንዓና እውን፡ ከምቲ ንዓታቶም፡ ብስራት ተሰቢኹልና እዩ፣ ንሳቶም ከምቲ ናይቶም ዝሰምዑ ዓይነት እምነት ስለ ዘይነበሮም ግና፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ኣይጠቐሞምን።  ግብሩ ኻብ ምስራት ዓለም ተወዲኡ ኽነሱ፡ ከምቲ፡ “ስለዚ፡ ብቝጥዓይ፡ ‘ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም’ ኢለ መሓልኩ” ዝበለ፡ ንሕና እንኣምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና።  ብዛዕባ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ሓደ ቦታ፡ “ኣምላኽ ድማ ካብ ኵሉ እቲ ግብሩ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ዓረፈ” ይብል፣  ኣብኡ ኸኣ ደጊሙ፡ “ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም” ይብል።  እምበኣር፡ ገሊኦም ዚኣትውዋ ተሪፋ ስለ ዘላ፡ እቶም ቅድም እተበሰሩ ድማ ብሰሪ ዘይተኣዛዝነት ካብ ዘይኣትውዋ፡  ድሕሪ ነዊሕ ግዜ፡ ኣብ መዝሙር ዳዊት፡ “ሎሚ” ብምባሉ፡ ከም ብሓድሽ ሓንቲ መዓልቲ መዲቡ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ከምቲ ኣቐዲምካ፡ “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ” እተባህለ እዩ።  እያሱ ናብ መዕረፊ መሪሕዎም እንተ ዚኸውንሲ፡ ኣምላኽ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ።  እምበኣር፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ። 10  እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱ እውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ ኣሎ። 11  እምበኣር፡ ሓደ እኳ ኣርኣያ እቲ ዘይተኣዛዝነት ስዒቡ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ኽንኣቱ ንጽዓር። 12  ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን እዩ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ እውን ዚበልሕ እዩ፣ ነፍስን መንፈስን፡ መላግቦን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚስንጥቕ፡ ልቢ ዚሓስቦን ዚሕልኖን ከኣ ዚመሚ እዩ። 13  ኵሉ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቲ ጸብጻብ እንህቦ ቕሉዕን ግሁድን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጥረት የልቦን። 14  እምበኣር፡ ብሰማያት ዝሓለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት፡ ንሱ ድማ የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ካብ ዚህልወና፡ ነቲ ብዛዕባኡ እንእመኖ ኣጽኒዕና ንሓዞ። 15  ከመይሲ፡ ብዘይ ሓጢኣት፡ ከማና ብዅሉ እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይክእል ሊቀ ኻህናት የብልናን። 16  እምበኣር፡ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበልን ብግዜኡ ዚረድኣና ጸጋ ምእንቲ ኽንረክብን፡ በቲ ንምዝራብ ዘሎና ትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።

እግረ ጽሑፍ