ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

እብራውያን 2:1-18

2  ስለዚ፡ ምእንቲ ኸይንውሰድ፡ ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ።  ከመይሲ፡ እቲ ብመላእኽቲ እተነግረ ቓል ጽኑዕ ካብ ዚኸውን፡ ኵሉ ኣበሳን ዘይተኣዛዝነትን ከኣ ፍትሓዊ ፍዳኡ ኻብ ዚቕበል፡  ንሕና ግዳ ኽንድዚ ዚኣክል ድሕነት ዕሽሽ እንብል እንተ ዄንና፡ ከመይ ጌርና ኸነምልጥ ንኽእል፧ እዚ ኸኣ ብጐይታ ኺንገር ጀመረ፡ በቶም ዝሰምዕዎ ኸኣ ተረጋገጸልና፣  ኣምላኽ ድማ ከም ፍቓዱ፡ ብትእምርትን ብተኣምራትን ብእተፈላለየ ግብርታት ሓይልን ብምዕዳል መንፈስ ቅዱስን ምሳታቶም ሓቢሩ መስከረ።  ነታ እንዛረበላ ዘለና እትመጽእ ዓለምሲ፡ ኣብ ትሕቲ መላእኽቲ ኣየግዝኣን።  ሓደ ግና ኣብ ሓደ ቦታ ኸምዚ ኢሉ መስኪሩ ኣሎ፦ “ንስኻ እትዝክሮስ፡ ሰብ እንታይ እዩ፧ ወይስ እትሓልየሉ፡ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ፧  ካብ መላእኽቲ ቝሩብ ኣንኣስካዮ፣ ኣኽሊል ግርማን ክብርን ደፋእካሉ፣ ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ሸምካዮ።  ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዛእካዮ።” ኣምላኽ ንዅሉ ኼግዝኦ ኸሎ፡ ንዕኡ ዘየግዝኦ ሓንቲ እኳ ኣይሓደገን። ሕጂ ግና ኵሉ ኺግዝኦ ገና ኣይንርእን ኢና ዘለና።  እቲ ኻብ መላእኽቲ ቝሩብ ዝነኣሰ የሱስ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሞት ኪጥዕምሲ፡ ብምኽንያት መከራ ሞቱ፡ ኣኽሊል ግርማን ክብርን ከም ዝደፍአ ግና ንርኢ ኣለና። 10  ከመይሲ፡ እቲ ዅሉ ምእንታኡ፡ ዅሉ እውን ብእኡ ዝዀነ፡ ንብዙሓት ውሉዳት ናብ ክብሪ ኼእቱ ኸሎ፡ ነቲ ቐንዲ መራሒ ድሕነቶም ብመከራ ፍጹም ኪገብሮ ይግባእ እዩ። 11  እቲ ዚቕድስን እቶም ዚቕደሱንሲ፡ ኵላቶም ካብ ሓደ እዮም፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ “ኣሕዋተይ” ንምባሎም ኣይሓፍርን እዩ፣ 12  እዚ ድማ፡ “ስምካ ንኣሕዋተይ ክነግሮም፡ ኣብ ማእከል ጉባኤ እውን ብመዝሙር ክውድሰካ እየ” ኺብል ከሎ እዩ ኢልዎ። 13  ከም ብሓድሽ ከኣ፡ “ኣነ ኣብኡ ኽውከል እየ፡” ከም ብሓድሽ እውን፡ “እነና፡ ኣነን እቶም የሆዋ ዝሃበኒ ደቅን” ይብል። 14  እምበኣር፡ እቶም “ደቂ፡” ደምን ስጋን ካብ ኰኑ፡ ንሱ እውን ብተመሳሳሊ ኸማታቶም ኰነ። ከምኡ ዝዀነ ኸኣ፡ ብሞቱ ነቲ ሞት ኬስዕብ ዚኽእል፡ ማለት ንድያብሎስ፡ ምእንቲ ኺስዕሮ፡ 15  ንዅሎም እቶም ብፍርሂ ሞት ምሉእ ህይወቶም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ድማ ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ እዩ። 16  ንዘርኢ ኣብርሃም እዩ ዚድግፍ ዘሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣይኰነን ዚድግፍ ዘሎ። 17  ስለዚ፡ ንሓጢኣት ህዝቢ ዜተዓርቕ መስዋእቲ ምእንቲ ኬቕርብ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ድማ መሓርን እሙንን ሊቀ ኻህናት ኪኸውንሲ፡ ብዅሉ ኸም “ኣሕዋቱ” ኪኸውን ተገብኦ። 18  ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ መከራ ጸጊቡ እዩ እሞ፡ ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይኽእል እዩ።

እግረ ጽሑፍ