ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

እብራውያን 11:1-40

11  እምነት ናይቲ ተስፋ ዚግበሮ ርግጽ ትጽቢት፡ ናይቲ ዘይርአ ነገር መርትዖ እያ።  ጥንቲ ዝነበሩስ ብእኣ እዩ እተመስከረሎም።  ዓለማት* ብቓል ኣምላኽ ከም እተሰርዐ፡ በዚ ኸምዚ እቲ ዚርአ ኻብቲ ዘይርአ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕል ኣለና።  ኣቤል ካብ ናይ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ፣ ኣምላኽ ብዛዕባ መባኡ ኺምስክረሉ ኸሎ፡ ጻድቕ ምዃኑ በታ እምነት እቲኣ ተመስከረሉ፣ ምዉት ክነሱ ኸኣ፡ ብእምነቱ ይዛረብ ኣሎ።  ሄኖክ፡ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ገዓዘ፣ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞ ኸኣ፡ ኣይተረኽበን፣ ቅድሚ ምግዓዙ ግና፡ ንኣምላኽ ባህ ከም ዘበሎ ተመስከረሉ።  ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ፣ እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ።  ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገራት መለኮታዊ መጠንቀቕታ ምስ ተቐበለ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት ንምድሓን ቤተ ሰቡ እትኸውን መርከብ ሰርሐ፣ በታ እምነት እቲኣ ገይሩ ንዓለም ኰነና፣ ነቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነ።  ኣብርሃም ምስ ተጸውዐ፡ ናብቲ ኸም ርስቲ ኪቕበሎ ዘለዎ ቦታ ብምውጻእ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፣ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠ እውን ወጸ።  ኣብታ ምድሪ ተስፋ ስደተኛ ዀይኑ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ብእምነት ይነብር ነበረ፣ ምስቶም ነታ ተስፋ እቲኣ መዋርስቱ ዝዀኑ ይስሃቅን ያእቆብን ከኣ ኣብ ድንኳን ተቐመጠ። 10  ከመይሲ፡ ነታ ኣምላኽ ዝነዳፊኣን ዝሃናጺኣን ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ነበረ። 11  ሳራ እውን ዕድሚኣ እኳ ምስ ሓለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምጥናስ ብእምነት ሓይሊ ረኸበት። 12  ስለዚ ድማ፡ ካብ ሓደ፡ ንሱ እውን ከም ምዉት ክነሱስ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝምብዛሖምን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዘይቍጸሩን ተወልዱ። 13  ኵሎም እዚኣቶም ነቲ ተስፋታት እኳ እንተ ዘይረኸብዎ፡ ካብ ርሑቕ ርእዮም ግና ተቐበልዎ እሞ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ፡ ብእምነት ሞቱ። 14  እቶም ከምዚ ዚብሉስ፡ መንበሪ ዚዀኖም ናቶም ቦታ ኸም ዚደልዩ፡ የርእዩ እዮም። 15  ነቲ ሓዲጎምዎ ዝወጹ ይሓስቡ ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ኪምለሱ ኣጋጣሚ ነይርዎም እዩ። 16  ሕጂ ግና እትሓይሽ፡ ማለት ናይ ሰማይ ዝዀነት ንምርካብ ይመጣጠሩ ኣለዉ። ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳልዩሎም ኣሎ እሞ፡ ከም ኣምላኾም ብኣታቶም ኪጽዋዕ ኣይሓፍርን እዩ። 17  ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡ ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣ እቲ ተሓጒሱ ተስፋታት እተቐበለ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ኺስውኦ ፈተነ፣ 18  እዚ ዝገበረ ኸኣ፡ “ብይስሃቅ እዩ ‘ዘርእኻ’ ዚጽዋዕ” ተባሂሉሉ ኽነሱ እዩ። 19  ኣምላኽ ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል ግና ሓሰበ፣ ካብኡ እውን ብምሳሌ ረኸቦ። 20  ይስሃቅ እውን ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ነገራት ንያእቆብን ንኤሳውን ብእምነት ባረኾም። 21  ያእቆብ ኪመውት ምስ በለ፡ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት ባረኾም፡ ኣብ ጫፍ በትሩ ተመርኲሱ ኸኣ ሰገደ። 22  ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ፡ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ዘከረ፣ ብዛዕባ ኣዕጽምቱ እውን ትእዛዝ ሃበ። 23  ሙሴ ምስ ተወልደ፡ ወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮም፡ ኣዋጅ እቲ ንጉስ ከይፈርሁ፡ ብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሓብእዎ። 24  ሙሴ ምስ ዓበየ፡ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃል ብእምነት ኣበየ፣ 25  ንግዜኡ ብሓጢኣት ባህ ካብ ዚብሎስ፡ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሓረየ፣ 26  ናብቲ ዚረኽቦ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ቕቡእ* ብምዃን ዚጽረፎ ጸርፊ ዝበዝሐ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ። 27  ነቲ ዘይርአስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ጸንዐ እሞ፡ ንቝጥዓ እቲ ንጉስ ከይፈርሀ፡ ብእምነት ንግብጺ ሓደጋ። 28  እቲ መጥፍኢ ንበዅራቶም ምእንቲ ኸይትንኪ፡ ብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ኣብዓለ። 29  ንቐይሕ ባሕሪ ኸም ንቑጽ ምድሪ ገይሮም ብእምነት ተሳገርዎ፣ ግብጻውያን ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑ ግና፡ ተዋሕጡ። 30  መካበብያ ያሪኮ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፡ ብእምነት ወደቐ። 31  ረሃብ እታ ኣመንዝራ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶም፡ ብእምነት ምስቶም ዘይተኣዘዙ ኣይጠፍአትን። 32  ደጊም እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን፡ እኒ ባራቅ፡ እኒ ሲምሶን፡ እኒ ይፍታሕ፡ እኒ ዳዊትን ሳሙኤልን ካልኦት ነብያትን ከየዘንትወልኩም ግዜ ይሓጽረኒ እዩ። 33  ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ሰዓሩ፡ ጽድቂ ገበሩ፡ ተስፋታት ረኸቡ፡ ኣፍ ኣናብስ ዓጸዉ፡ 34  ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፡ ካብ ስሕለት ሰይፊ ኣምለጡ፡ ካብ ድኻም በርትዑ፡ ኣብ ውግእ ሓየሉ፡ ንወራሪ ሰራዊት ሰጐጉ። 35  ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐበላኦም፣ ካልኦት ግና ዚሓይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ብበጃ ሓራ ምውጻእ ስለ ዝኣበዩ፡ ተሰቀዩ። 36  ገሊኦም ድማ ብላግጽን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚ እውን ብመቝሕን ብማእሰርትን ተፈተኑ። 37  ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተፈተኑ፡ ተመገዙ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ መከራ ጸገቡ፣ 38  ዓለም ከኣ ንዓታቶም እትበቅዕ ኣይነበረትን። ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኰለል በሉ። 39  ኵሎም እዚኣቶም ግና፡ ብእምነቶም እኳ እንተ ተመስከረሎም፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን፣ 40  ብዘይ ብኣና ፍጹማት ምእንቲ ኸይኰኑስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሓይሽ ኣቐዲሙ ረኣየ።

እግረ ጽሑፍ

እብ 11:3 * ወይ፡ “ስርዓታት ዓለም።”
እብ 11:26 * ቃል ብቓሉ፡ “ክርስቶስ።”