ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

እብራውያን 1:1-14

1  ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ንኣቦታትና ብነብያት ተዛረቦም።  ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ከኣ በቲ ወራስ ኵሉ ገይሩ ዝሸሞ፡ ብእኡ እውን ስርዓታት ዓለም* ዝገበረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና።  ንሱ ነጸብራቕ ክብሩን ልክዕ ምስሊ ባህርዩን እዩ፣ ንዅሉ እውን ብሓይሊ ቓሉ ጾይሩ ኣሎ። ካብ ሓጢኣትና ምስ ኣንጽሃና ድማ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ።  ስለዚ፡ ካብ ናይ መላእኽቲ ኣዝዩ ዚበልጽ ስም ክሳዕ ዚወርስ፡ ካባታቶም በለጸ።  ንኣብነት፡ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡” ከም ብሓድሽ ከኣ፡ “ኣነ ኣቦ እዀኖ፡ ንሱ እውን ወዲ ይዀነኒ” ዝበሎ፧  ከም ብሓድሽ ነቲ በዅሩ ናብ ዓለም ኪልእኾ ኸሎ ድማ፡ “ኵሎም መላእኽቲ ኣምላኽ ይስገዱሉ*” ይብል።  ብዛዕባ መላእኽቲ ኸኣ፡ “መላእኽቱ መናፍስቲ፡ ኣገልገልቱ እውን ሃልሃልታ ሓዊ ይገብር” ይብል።  ብዛዕባ ወዱ ግና ከምዚ ይብል፦ “ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ዝፋንካ እዩ፣ በትሪ መንግስትኻ እውን በትሪ ቕንዕና እያ።  ጽድቂ ፈቶኻ፡ ጥሕሰት ሕጊ ኸኣ ጸላእካ። ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ማለት ኣምላኽካ፡ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ።” 10  ከምኡ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ኣብ መጀመርታ ንምድሪ ሰረትካያ፡ ሰማያት እውን ግብሪ ኣእዳውካ እዩ። 11  እዚ ኺጠፍእ እዩ፡ ንስኻ ግና ትነብር፣ ኵሉ እውን ከም ክዳን ኪበሊ እዩ፣ 12  ከም ባርኖስ፡ ከም ክዳን ድማ ክትጥቕልሎ ኢኻ፣ ኪልወጥ እውን እዩ፡ ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፡ ዓመታትካ እውን ኣይኪውድኣን እየን” ይብል። 13  ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ “ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” ዝበሎ፧ 14  ኵላቶምዶ ነቶም ድሕነት ዚወርሱ ኼገልግሉ ዚለኣኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን፧

እግረ ጽሑፍ

እብ 1:2 * ወይ፡ “ዓለማት።”
እብ 1:6 * ወይ፡ “ኢድ ይንስኡሉ።”