ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ኤፌሶን 4:1-32

4  እምበኣር፡ ኣነ ብጐይታ እሱር ዝዀንኩ፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እልምነኩም ኣለኹ፣  ብምሉእ ትሕትናን ብልእመትን ብዓቕልን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተዓጋገስኩምን፡  ንሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ክትሕልውዎ ተጋደሉ።  ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም፡ ሓደ ሰብነትን ሓደ መንፈስን ኣሎ፣  ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡  ኣብ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ኣሎ።  ከምቲ ክርስቶስ ዝሰፈረልና ውህበት ከኣ፡ ንነፍሲ ወከፍና ጸጋ ተዋሂቡና እዩ።  ስለዚ፡ “ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ ምርኮ ማረኸ፣ ውህበት ሰብ ሃበ” ይብል እዩ።  እቲ “ደየበ” ዚብልሲ፡ ናብቲ ታሕተዋይ ክፍሊ፡ ማለት ናብ ምድሪ ኸም ዝወረደ እውን እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ 10  እቲ ዝወረደ፡ ንዅሉ ምእንቲ ኺመልእ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝደየበ እውን ንሱ እዩ። 11  ገሊኦም ሃዋርያት፡ ገሊኦም ነብያት፡ ገሊኦም ወንጌላውያን፡* ገሊኦም ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ድማ ሃበ። 12  እዚ ኸኣ እቶም ቅዱሳት ንግብሪ ኣገልግሎት፡ ንምህናጽ ሰብነት ክርስቶስ ምእንቲ ኪቐንዑ* እዩ፣ 13  እዚ እውን ኵላትና ናብ ሓድነት እምነትን ናብ ልክዕ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽን፡ ናብ እኹል* ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ እዩ። 14  ደጊም ብጥበራ ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ብዚኸውን ጕርሕን ብዅሉ ንፋስ ትምህርቲ ኸም ብማዕበል እንድፋእን ንየው ነጀው እንኽብከብን ቈልዑ ኣይንኹን። 15  ሓቂ እናተዛረብና ግና፡ ብዅሉ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ብፍቕሪ ንዕበ። 16  ካብኡ ድማ ኵሉ እቲ ሰብነት ብደገፍ መላግቦ ዘበለ ይገጣጠምን ይዋደድን እዩ። ኵሉ ኣካል ብግቡእ ምስ ዚዓዪ፡ ንርእሱ ብፍቕሪ ስለ ዚሃንጽ፡ እዚ ንዕቤት እቲ ሰብነት ኣበርክቶ ይገብር። 17  እምበኣር፡ ከምቲ ኣህዛብ በቲ ኸንቱ ሓሳቦም ዚመላለሱ ምእንቲ ኸይትመላለሱ፡ እዚ እብልን ብጐይታ እምስክርን ኣለኹ። 18  ንሳቶም፡ ብሰሪ ድንቍርናኦምን ብሰሪ ትሪ ልቦምን፡ ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብቲ ኻብ ኣምላኽ ዚመጽእ ህይወት ከኣ ርሒቖም እዮም። 19  ሕልናኦም ደንዚዙ፡ ብስስዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ድማ ንንውርምና* ርእሶም ኣሕሊፎም ሂቦም እዮም። 20  ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከምዚ ጌርኩም ኣይተምሃርኩምዎን፣ 21  እዚ ግና ከምታ ኣብ የሱስ ዘላ ሓቂ ጌርኩም፡ ሰሚዕኩምዎን ብእኡ ተማሂርኩምን እንተ ዄንኩም ኢኹም። 22  እምበኣር፡ ነቲ ኸምቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣነባብራኹም ዝዀነ ብዜታልል ትምኒቱ ዚበላሾ ኣረጊት ስብእና ቐንጥጡ። 23  ብኣተሓሳስባኹም* ከኣ ተሓደሱ፣ 24  ብናይ ሓቂ ጽድቅን ተኣማንነትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ስብእና ድማ ልበሱ። 25  ስለዚ፡ ሓሶት ካብ ኣርሓቕኩም፡ ኣካላት ሓድሕድ ስለ ዝዀንና፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ። 26  ተቘጥዑ፡ ግናኸ ኣይትሕጥኡ፣ ተቘጢዕኩም ከለኹም፡ ጸሓይ ኣይትዕረብኩም፣ 27  ንድያብሎስ እውን ኣጋጣሚ* ኣይትሃብዎ። 28  እቲ ዚሰርቕ፡ ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ሰናይ እናገበረ ደኣ ብኣእዳዉ ይጽዓር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕ። 29  ንሰማዕቱ ምእንቲ ኺጠቅምሲ፡ ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል እምበር፡ ሕማቕ ቃልሲ ኻብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። 30  ነቲ ንእትብጀዉላ መዓልቲ እተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ። 31  ኵሉ ምረትን ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን ኵሉ ኽፍኣትን ካባኻትኩም ይርሓቕ። 32  ግናኸ፡ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ብናጻ ይቕረ እናተባሃሃልኩም፡ ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርሕሩሓትን ኩኑ።

እግረ ጽሑፍ

ኤፌ 4:11 * ወይ፡ “ኣበሰርቲ።”
ኤፌ 4:12 * ወይ፡ “ኪስልጥኑ።”
ኤፌ 4:13 * ወይ፡ “ብሱል።”
ኤፌ 4:19 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ንውርምና” ርአ።
ኤፌ 4:23 * ቃል ብቓሉ፡ “ብመንፈስ ኣእምሮኹም።”
ኤፌ 4:27 * ወይ፡ “ቦታ።”