ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ኤፌሶን 3:1-21

3  ስለዚ፡ ኣነ ጳውሎስ፡ ምእንታኹም ኣህዛብ እሱር ክርስቶስ የሱስ ዝዀንኩ፡—  ብዛዕባ እቲ ስሌኹም እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነትሲ ሰሚዕኩም ኣለኹም፣  ማለት ከምቲ ኣቐዲመ ኣሕጺረ ዝጸሓፍክዎ፡ ነቲ ቕዱስ ምስጢር ብራእይ ኣፍለጠኒ።  ስለዚ፡ ነዚኣ ምስ ኣንበብኩምዋ፡ ነቲ ብዛዕባ ቕዱስ ምስጢር ዘሎኒ ግንዛበ ኸተስተውዕልዎ ትኽእሉ ኢኹም።  እዚ ምስጢር እዚ ንቕዱሳት ሃዋርያትን ንነብያትን ብመንፈስ እተገልጸሎም ሕጂ ስለ ዝዀነ፡ ብኻልኦት ወለዶታት ደቂ ሰብ ኣይተፈልጠን፣  ማለት ኣህዛብ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዚህልዎም ሓድነትን በቲ ብስራትን፡ መዋርስትን ኣካል ሓደ ሰብነትን መኻፍልቲ እቲ ተስፋን ኪዀኑ ኣለዎም።  ኣነ ኸኣ ከምቲ ብግብሪ ሓይሉ እተዋህበኒ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ፡ ኣገልጋሊ እዚ ዀንኩ።  ንዓይ ካብ ኵሎም ቅዱሳት ንዝነኣስኩ፡ እዚ ጸጋ እዚ ተዋህበኒ፣ እዚ እተዋህበኒ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸበስር፡  እቲ ኣብቲ ዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ተሰዊሩ ዝነበረ ቕዱስ ምስጢር ድማ ብኸመይ ከም ዚመሓደር ንሰባት ምእንቲ ኸብርሃሎም እዩ። 10  እዚ ኸኣ ሕጂ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ኣምላኽ በታ ጉባኤ ኣቢላ ኣብቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ መንግስትታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኽትፍለጥ እዩ፣ 11  እዚ እውን ከምቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ብዘሎና ሓድነት ዝገበሮ ናይ ዘለኣለም ዕላማ እዩ፣ 12  ብክርስቶስን በቲ ኣብኡ ዘሎና እምነትን፡ እዚ ንምዝራብ ዜኽእል ትብዓትን ዜተኣማምን መእተውን ኣሎና። 13  ስለዚ፡ እዚ ንዓኻትኩም ክብሪ እዩ እሞ፡ ስለቲ ምእንታኹም ዝበጽሓኒ ጸበባ ኸይትሕለሉ እልምነኩም ኣለኹ። 14  ስለዚ፡ ንኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ ኣለኹ፣ 15  ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ዓሌት፡ ካብኡ እዩ ዚስመ። 16  ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ በቲ ብመንፈሱ ዚውሃብ ሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡ ከም ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኺህበኩም፡ 17  ብእምነትኩም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብፍቕሪ ምእንቲ ኺሓድር፡ ኣብቲ መሰረት ሱር ምእንቲ ኽትሰድዱን ክትስረቱን፡ 18  ምስ ኵሎም ቅዱሳት ከኣ ግፍሑን ንውሓቱን ቍመቱን ዕምቈቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ፡ 19  ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትፈልጥዋ፡ ብዅሉ እቲ ኣምላኽ ዚህበና ምልኣት ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ ኣለኹ። 20  ነቲ ኸምቲ ኣባና ዚዓዪ ዘሎ ሓይሉ ገይሩ፡ ካብቲ እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚኽእል ድማ፡ 21  ንዕኡ በታ ጉባኤን ብክርስቶስ የሱስን ንዅሉ ውሉድ ወለዶ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

እግረ ጽሑፍ