ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ኤፌሶን 1:1-23

1  ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስ፡ ናብቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቕዱሳትን ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘለዎም ሓድነት እሙናትን፦  ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።  እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ብዘሎና ሓድነት ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ፣  ምኽንያቱ፡ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳትን ብዘይ ኣበርን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ምስኡ* ሓድነት ኪህልወና ሓረየና።  ከመይሲ፡ ከም ፍታዉን ከም ፍቓዱን ብየሱስ ክርስቶስ ውልድነት ረኺብና ኸም ውሉዳቱ ኽንከውን ኣቐዲሙ መደበና፣  እዚ ኸኣ ንውዳሰ እቲ በቲ ፍቑር ወዱ ዝሃበና ኽቡር ጸጋኡ እዩ።  ብእኡ፡ ብደሙ በጃ ተኸፊሉልና፡ ማለት ከም ሃብቲ ጸጋኡ ኣበሳና ተሓዲጉልና ኣሎ።  ነዚ* ብዅሉ ጥበብን ምስትውዓልን ኣባና ኣዕዘዞ፣  ማለት ቅዱስ ምስጢር ፍቓዱ ኣፍለጠና። ከምቲ ብፍታዉ ንሱ ባዕሉ ዝዓለሞ፡ 10  እቲ ምዱብ እዋናት ምስ ኣኸለ ንምምሕዳር፡ ማለት ኣብ ሰማያት ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ክርስቶስ ዳግም ምእንቲ ኺጥቕልል እዩ። እወ፡ ብእኡ፡ 11  እቶም ከም ዕላማ እቲ ንዅሉ ኸም ፍቓዱ ዚውስኖ ኣቐዲምና ስለ እተመደብና፡ ምስኡ ብዘሎና ሓድነት ከም ወረስቲ እተመደብና፡ 12  ብቐዳምነት እውን ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና፡ ንውዳሰ ኽብሩ ምእንቲ ኸነገልግል እዩ። 13  ንስኻትኩም እውን ቃል ሓቂ፡ ማለት ብስራት ድሕነትኩም፡ ምስ ሰማዕኩም፡ ብእኡ ተስፋ ገበርኩም። ምስ ኣመንኩም ከኣ፡ በቲ እተተስፈወ መንፈስ ቅዱስ ተሓተምኩም፣ 14  እዚ ኸኣ ጥሪት ኣምላኽ በጃ ምእንቲ ኪኽፈለሉ፡ ንውዳሰ ኽብሩ ዚኸውን ዕርቡን ርስትና እዩ። 15  ስለዚ፡ ኣነ ድማ ብዛዕባ እታ ብጐይታና የሱስ ዘላትኩም፡ ንዅሎም ቅዱሳት እውን ዘርኣኹምዋ እምነት ምስ ሰማዕኩ፡ 16  ብዛዕባኹም ካብ ምምስጋን ኣየቋረጽኩን። ኣብ ጸሎተይ እውን እጠቕሰኩም እየ፣ 17  እቲ ኣቦ ኽብሪ ዝዀነ ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ በቲ ልክዕ ፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን ግልጸትን ምእንቲ ኺህበኩም እየ ኸምኡ ዝገብር። 18  ኣዒንቲ ልብኹም ዝበርሀ፡ እቲ እተጸዋዕኩምሉ ተስፋ እንታይ ከም ዝዀነ፡ ነቶም ቅዱሳት እንታይ ክቡር ሃብቲ ኸም ርስቲ ኸም ዚህቦም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ 19  ዕቤት ሓይሉ ንዓና ንኣመንቲ ኽሳዕ ክንደይ ሓለፍ ዝበለ ምዃኑ እውን ምእንቲ ኽትግንዘቡ እዩ። እዚ ኸኣ በቲ ብርቱዕ ሓይሉ ገይሩ 20  ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ ሰማያት ኣብ የማኑ ምስ ኣቐመጦ፡ ተራእየ፣ 21  ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብዚ ስርዓት ዓለም እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዚመጽእ እውን፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ጕይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ልዕል ኣበሎ። 22  ንዅሉ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዝኦ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ንጉባኤ ዚምልከት ድማ ርእሲ ገበሮ፣ 23  ንሳ ኸኣ ሰብነቱ፡ ናይቲ ንዅሉ ኣብ ኵሉ ዚመልእ እውን ምልኣቱ እያ።

እግረ ጽሑፍ

ኤፌ 1:4 * ማለት፡ ምስ ክርስቶስ።
ኤፌ 1:8 * ማለት፡ ንጸጋኡ።