ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ቲቶስ 3:1-15

3  ንመንግስትታትን ንሰበ ስልጣንን ኪግዝኡን ኪእዘዙን፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ ኣዘኻኽሮም።  ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልዙባት ኪዀኑ፡ ልእመት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ኬርእዩ እውን ኣዘኻኽሮም።  ከመይሲ፡ ንሕና እውን ሓደ እዋን ዓያሹ፡ ዘይእዙዛት፡ ዝሰሓትና፡ ብእተፈላለየ ትምኒታትን ተድላን እንግዛእ፡ ብኽፍኣትን ብቕንእን እንነብር፡ ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና።  እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ዘለዎ ለውሃትን ንሰብ ዘለዎ ፍቕርን ምስ ተገልጸ ግና፡  (እዚ ድማ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኰነስ፡ ብምሕረቱ እዩ ዝዀነ፡) በቲ ናብ ህይወት ዘምጽኣና ሕጽበትን ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን ኣድሓነና።  ነዚ መንፈስ እዚ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።  ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ብጸጋኡ ምስ ጸደቕና፡ ከም ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን እዩ።  እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፣ እቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ፡ ሰናይ ግብሪ ኣብ ምግባር ምእንቲ ኼተኵሩ፡ ብዛዕባ እዚ ብምትእምማን ኣትሪርካ ኽትዛረቦም እደሊ እየ። እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ።  ናይ ዕሽነት ክርክርን ቍጽሪ ወለዶታትን ክትዕን ብዛዕባ ሕጊ ዚለዓል ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ካብኡ ርሓቕ። 10  ንመናፍቕ ከኣ፡ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዓድካዮ፡* ኣርሕቆ፣ 11  ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ዘንቢሉ ይሓጥእ ከም ዘሎን ባዕሉ ንርእሱ ኸም ዝዀነነን ድማ ፍለጥ። 12  ንኣርጤማስ ወይስ ንትኪቆስ ምስ ለኣኽኩልካ፡ ኣብ ኒቆጶሊስ ክኸርም መዲበ ኣለኹ እሞ፡ ናባይ ክትመጽእ ጽዓር። 13  ንዜናስ እቲ ፈላጥ ሕግን ንኣጵሎስን ገለ እኳ ኸይጐድሎም ዚከኣለካ ዘበለ ኣማልኣሎም። 14  እቶም ናትና እውን ብዘይ ፍረ ምእንቲ ኸይኰኑ፡ ነቲ ኣዝዩ ዜድልዮም ንምምላእ፡ ሰናይ ግብሪ ምግባር ይምሃሩ። 15  ኵሎም እቶም ምሳይ ዘለዉ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ብእምነት ዚፈትዉና ሰላም በለለይ። ጸጋ ምስ ኵላትኩም ይኹን።

እግረ ጽሑፍ

ቲቶ 3:10 * ወይ፡ “ኣጠንቀቕካዮ።”