ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ቲቶስ 2:1-15

2  ንስኻ ግና ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዚሰማማዕ ተዛረብ።  ኣረገውቲ ሰብኡት ጥንቁቓት፡ ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነትን ብፍቕርን ብተጻዋርነትን ጥዑያት ይኹኑ።  ኣረገውቲ ኣንስቲ እውን ከምኡ ብቕድስና ዚነብራ፡ ዘይሓመይቲ፡ ንብዙሕ ወይኒ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ይኹና፣  በዚ ኸምዚ ነተን ንኣሽቱ ኣንስቲ ንሰብኡተን ኬፍቅራ፡ ንውሉዳተን ኬፍቅራ የለብማአን፣  ለባማት፡ ንጹሃት፡ ቤተን ዚኣልያ፡ ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚግዝኣ ኪዀና እውን የለብማአን። እዚ ዚግበር ድማ፡ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍ እዩ።  ንኣጕባዝ እውን ከምኡ ለባማት ኪዀኑ ምዓዶም።  ብዅሉ ነገር ኣርኣያ ሰናይ ግብሪ ኹን። ብዅሉ ርዝነት ንጹህ ዘበለ ምሃር፣  ኪንቀፍ ዘይከኣል ጥዑይ ዘረባ ተዛረብ፣ እዚ ድማ እቶም ተጻረርቲ ብዛዕባና ዚብልዎ ኽፉእ ነገር ስኢኖም ምእንቲ ኺሓፍሩ እዩ።  ባሮት ንዋናታቶም ብዅሉ ይገዝእዎም፡ ባህ የብልዎም፡ ኣይታረኽዎም፡ 10  ኣይስረቕዎም፣ የግዳስ፡ ብዅሉ ንትምህርቲ እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ ኺስልሙ፡ ምሉእ ብምሉእ እሙናት ይኹኑ። 11  ከመይሲ፡ እቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ድሕነት ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ ኣሎ። 12  እዚ ኸኣ፡ ረሲእነትን ዓለማዊ ትምኒትን ሓዲግና፡ ኣብዚ ስርዓት ዓለም እዚ ብልብምናን ብጽድቅን ብኣምላኻዊ ተወፋይነትን ክንነብር ይምህረና። 13  ነቲ ዜሐጕስ ተስፋን ነቲ ኽቡር ግህደት እቲ ዓብዪ ኣምላኽን እቲ መድሓኒና ዝዀነ ክርስቶስ የሱስን እናተጸበና ድማ ኢና ነዚ እንገብር። 14  ክርስቶስ ካብ ኵሉ ጥሕሰት ሕጊ ምእንቲ ኼናግፈና፡ ንርእሱ እውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእ ገንዘቡ ዝዀነ ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ፡ ምእንታና ገዛእ ርእሱ ሃበ። 15  እዚ ብምሉእ ስልጣን ተዛረብን ምዓድን ግናሕን። ሓደ እኳ ኣይንዓቕካ።

እግረ ጽሑፍ