ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ቲቶስ 1:1-16

1  ካብቲ ባርያ ኣምላኽን ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስን ዝዀነ ጳውሎስ፡—ከምኡ ዝዀነ ድማ ከም እምነት እቶም ሕሩያት ኣምላኽን ከም ልክዕ ፍልጠት ሓቅን እዩ፣ እዛ ሓቂ እዚኣ ኸኣ ምስ ኣምላኻዊ ተወፋይነት እትሰማማዕን  ኣብቲ ኺሕሱ ዘይክእል ኣምላኽ፡ ጥንቲ ዘተስፈወና ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት እተመስረተትን እያ፣  ግናኸ፡ ብትእዛዝ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ በቲ ንዓይ ሕድሪ ዝሃበኒ ስብከት ገይሩ ብግዜኡ ንቓሉ ገለጾ፡—  ናብቲ በታ ናይ ሓባር እምነት ናይ ሓቂ ወደይ ዝዀነ ቲቶስ፦ ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ መድሓኒና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልካ።  ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ ጕድለት ክትእርምን ኣብ ከከተማኡ ሽማግለታት ክትሸይምን እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሓደግኩኻ፣  ማለት ዚንቀፈሉ ዘይብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብዝርጋን ወይ ብስድነት ዘይተኸስሱ ኣመንቲ ውሉዳት ዘለውዎ እንተሎ።  ከመይሲ፡ ሓላዊ ብኣምላኽ እተሾመ ኣመሓዳሪ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ዚንቀፈሉ ዘይብሉ፡ ብርእሱ ዘይምካሕ፡ ዘይቍጡዕ፡ ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ዘይግቡእ ረብሓ ንምርካብ ዘይሃርፍ፡  የግዳስ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡ ጻድቕ፡ እሙን፡ ርእሱ ዚገትእ፡  በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኺምዕድን ነቶም ዚቃወሙ ምእንቲ ኺገንሕን፡ ብጥበብ ኣመሃህራ ገይሩ ነቲ እሙን ቃል ኣጽኒዑ ዚሕዝ ኪኸውን ኣለዎ። 10  ከመይሲ፡ ብዙሓት ስድታትን ሃተውተው በሃልትን መታለልትን ኣለዉ፣ እዚኣቶም ከኣ ምናዳ ኻብ ሰብ ግዝረት እዮም። 11  ንሳቶም ዘይግቡእ ረብሓ ኺረኽቡ ኢሎም ዘይግባእ እናመሃሩ ንብዘሎ ቤተ ሰብ ዚገላብጡ ብምዃኖም፡ ኣፎም ኪዕበሱ ኣለዎም። 12  ሓደ ኻባታቶም፡ ናታቶም ነብዪ እኳ፡ “ሰብ ቅሬጥስ ኵሉ ሳዕ ሓሰውቲ፡ ሕሱማት ኣራዊት፡ ሃካያት በላዕቲ እዮም” በለ። 13  እዚ ምስክር እዚ ሓቂ እዩ። ስለዚ፡ ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ፡ ኣሕሚምካ ግንሓዮም፣ 14  ናብ ጽውጽዋያት ኣይሁድን ናብ ትእዛዛት እቶም ንሓቂ ዘይተቐበሉ ሰባትን ከየቕልቡ እውን ኣሕሚምካ ግንሓዮም። 15  ንንጹሃት ኵሉ ንጹህ እዩ። ንርኹሳትን ንዘይኣምኑን ግና፡ ኣእምሮኦምን ሕልናኦምን ርኹስ እዩ እምበር፡ ከቶ ንጹህ የልቦን። 16  ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፣ ፍንፉናትን ዘይእዙዛትን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዘይበቕዑን ብምዃኖም ግና፡ ብግብሮም ይኽሕድዎ እዮም።

እግረ ጽሑፍ