ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ቈሎሴ 3:1-25

3  እምበኣር፡ ምስ ክርስቶስ ካብ ተንሳእኩም፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ።  ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣቕልቡ።  ከመይሲ፡ ሞይትኩም ኢኹም፣ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ፡ ምስ ኣምላኽ ብዘለዎ ሓድነት ተሰዊራ ኣላ።  እቲ ህይወትና ዝዀነ ክርስቶስ ምስ ተጋህደ፡ ሽዑ ንስኻትኩም እውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግሃዱ ኢኹም።  እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም፡ ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወተ ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዐ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት ቅተሉ።  ብሰሪ እዚ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ይመጽእ ኣሎ።  ንስኻትኩም እውን ኣብቲ ናይ ቀደም ኣነባብራኹም፡ ብኸምኡ ኢኹም እትመላለሱ ኔርኩም።  ሕጂ ግና እዚ ዅሉ፡ ማለት ነድሪ፡ ቍጥዓ፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ጽዩፍ ዘረባ ኻብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።  ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ። ነቲ ኣረጊት ስብእና ምስ ግብርታቱ ቐንጢጥኩም፡ 10  ነቲ ኸም ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ብልክዕ ፍልጠት ዚሕደስ ዘሎ ሓድሽ ስብእና ልበሱ። 11  ኣብኡስ ግሪኻውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ጓና፡ ስኪት፡* ባርያ፡ ጭዋ የልቦን፣ የግዳስ፡ ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ። 12  እምበኣር፡ ከም ሕሩያት ኣምላኽ፡ ቅዱሳትን ፍቑራትን ኴንኩም፡ ልባዊ ርሕራሐ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ልእመት፡ ዓቕሊ ልበሱ። 13  ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተ ኣለዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን። ከምቲ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ። 14  ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ እውን፡ ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ እሞ፡ ልበስዋ። 15  እቲ ብሓደ ሰብነት እተጸዋዕኩምሉ ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ። መማሰውቲ እውን ኩኑ። 16  ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ ብብዝሒ ይሕደርኩም። ብልብኹም ንየሆዋ እናዘመርኩም፡ ብመዝሙርን ብውዳሰ ኣምላኽን ብጥዑም መንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተማሃሃሩን ተተባብዑን።* 17  ብቓል ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ድማ፡ ብየሱስ ንኣቦና ኣምላኽ እናኣመስገንኩም፡ ኵሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ። 18  ኣትን ኣንስቲ፡ ከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም። 19  ኣቱም ሰብኡት፡ ንኣንስትኹም ኣፍቅርወን እምበር፡ ኣይትነድሩለን።* 20  ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ንጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም። 21  ኣቱም ኣቦታት፡ ሕልናኦም ምእንቲ ኸይዓርቦም፡ ንውሉዳትኩም ኣይተሕርቕዎም። 22  ኣቱም ባሮት፡ ነቶም ብስጋ ጐይተትኩም፡ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ዄንኩም ንገጽ ርአ ዘይኰነስ፡ ብግርህነት ልብን ብፍርሃት የሆዋን ብዅሉ ተኣዘዝዎም። 23  እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ብምሉእ ነፍስኹም ግበርዎ፣ 24  ከመይሲ፡ እቲ ርስቲ ኻብ የሆዋ ኸም ዓስቢ ኸም እትቕበልዎ ትፈልጡ ኢኹም። ንጐይታና ክርስቶስ ተገዝእዎ። 25  እቲ ዚዕምጽሲ ኸምቲ ዓመጻኡ ኺፍደ እዩ፣ ኣድልዎ ድማ የልቦን።

እግረ ጽሑፍ

ቈሎ 3:11 * “ስኪት” ንዘይሰልጠነ ህዝቢ ይእምት።
ቈሎ 3:16 * ወይ፡ “ተመዓዓዱ።”
ቈሎ 3:19 * ወይ፡ “ኣይትጨክኑለን።”