ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ቈሎሴ 1:1-29

1  ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስን ካብ ጢሞቴዎስ ሓውናን፡  ናብቶም ኣብ ቈሎሴ ዘለዉ ቕዱሳትን ምስ ክርስቶስ ብዘለዎም ሓድነት እሙናትን፦ ካብ ኣቦና ኣምላኽ ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።  ምእንታኹም ክንጽሊ ኸለና፡ ነቲ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ነመስግኖ ኢና፣  ከመይሲ፡ ብዛዕባ እታ ብክርስቶስ የሱስ ዘላትኩም እምነትን ንዅሎም ቅዱሳት ዘላትኩም ፍቕርን ሰሚዕና ኢና፣  እዚኣ ኸኣ ሳላ እታ ኣብ ሰማያት ተነቢራትልኩም ዘላ ተስፋ እያ። ብዛዕባ እዛ ተስፋ እዚኣ ብመልእኽቲ ሓቂ እቲ ብስራት ኣቐዲምኩም ሰሚዕኩም ኢኹም፣  እዚ ድማ ናባኻትኩም መጸ። ከምቲ እቲ ብስራት ኣብ ኵላ ዓለም ዚፈርን ዚዓብን ዘሎ፡ ካብታ ንጸጋ ኣምላኽ ብሓቂ ዝሰማዕኩምላን ብልክዕ ዝፈለጥኩምላን መዓልቲ ጀሚሩ ኣባኻትኩም እውን ከምኡ ይኸውን ኣሎ።  ካብቲ ፍቑር ብጻይና ባርያ፡ ኣብ ክንዳና እውን ዜገልግል እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝዀነ ኤጳፍራስ፡ እዚ ኢኹም እተመሃርኩም።  መንፈሳዊ ፍቕርኹም ዘፍለጠና እውን ንሱ እዩ።  ስለዚ ኸኣ፡ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ኣትሒዝና፡ በቲ ልክዕ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ ጥበብን ብመንፈሳዊ ግንዛበን ክትምልኡ ምእንታኹም ካብ ምጽላይን ካብ ምልማንን ኣየቋረጽናን። 10  ብሰናይ ግብሪ ዘበለ እናፈረኹምን ብልክዕ ፍልጠት ኣምላኽ እናዓበኹምን ንየሆዋ እትበቕዑ ዄንኩም ምእንቲ ኽትመላለሱን ብዅሉ ንዕኡ ምእንቲ ኸተሐጕስዎን ከኣ ኢና ኸምኡ ዝገበርና። 11  ብዓቕልን ብሓጐስን ኵሉ ምእንቲ ኽትጻወሩ፡ ከምቲ ኽቡር ሓይሉ ብዅሉ ሓይሊ በርትዑ፣ 12  ነቲ ኻብ ርስቲ እቶም ኣብ ብርሃን ዘለዉ ቕዱሳት ክትካፈሉ ዘብቅዓኩም ኣቦ እውን ኣመስግንዎ። 13  ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ኣውጽኣና፣ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱ እውን ኣእተወና። 14  ብወዱ በጃ ተኸፍለልና፡ ማለት ሓጢኣትና ተሓድገልና። 15  ንሱ ምስሊ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ፡ በዅሪ ዅሉ ፍጥረት እውን እዩ፣ 16  ከመይሲ፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርአን ዘይርአን፡ ዝፋናት ወይስ ጕይትነት ወይስ መንግስትታት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ* ብእኡ እዩ ተፈጢሩ። ኵሉ ብእኡን ንዕኡን እዩ ተፈጢሩ። 17  ንሱ ድማ ቅድሚ ዅሉ እዩ፣ ኵሉ ኸኣ ብእኡ እዩ ቘይሙ፣ 18  ንሱ ርእሲ ሰብነቱ፡ ማለት ርእሲ ጉባኤኡ፡ እውን እዩ። ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርታ፡ ካብ ምዉታት እውን በዅሪ እዩ፣ 19  ምኽንያቱ፡ ኣምላኽ፡ ኵሉ ምልኣት ኣብኡ ኺሓድር ባህ ኢልዎ እዩ፣ 20  ብእኡ ድማ በቲ ኣብቲ ጕንዲ ስቅያት ዝፈሰሰ ደሙ ገይሩ ሰላም ብምግባር፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዀነ ወይስ ኣብ ሰማያት ዘሎ ዅሉ ምስ ርእሱ የተዓርቕ እዩ። 21  ኣቱም ሓሳብኩም ኣብ እኩይ ግብሪ ብምንባሩ፡ ሓደ እዋን ርሑቓትን ጸላእትን ዝነበርኩም ዘበልኩም፡ 22  ቅዱሳትን ብዘይ ኣበርን መንቀፊ ዘይብሎምን ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቕርበኩም፡ ሕጂ ብስጋዊ ሰብነት እቲ ዝሞተ ገይሩ ተዓረቐኩም። 23  እዚ ዚኸውን ግና፡ ኣብታ መሰረት ተሰሪትኩምን ጸኒዕኩምን ካብ ተስፋ እቲ ዝሰማዕኩምዎ ብስራት ከይተነቓነቕኩምን ብእምነት እንተ ቐጺልኩም እዩ። እዚ ኣነ ዝኣገልጋሊኡ ብስራት እዚ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት ተሰቢኹ እዩ። 24  ሕጂ በቲ ምእንታኹም ዘጓነፈኒ መከራ እሕጐስ ኣለኹ፣ ኣብ ስጋይ ድማ ነቲ ዚተርፈኒ ጸበባ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ሰብነቱ፡ ማለት ጉባኤኡ፡ አሕልፍ ኣለኹ። 25  ኣነ ኣገልጋሊ እዛ ጉባኤ እዚኣ ዝዀንኩ፡ ብመጠን እቲ ቓል ኣምላኽ መሊአ ኽሰብኽ ምእንታኹም ካብ ኣምላኽ እተዋህበኒ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት እዩ፣ 26  እዚ ኸኣ ካብ ዝሓለፈ ስርዓታትን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ቕዱስ ምስጢር እዩ። ሕጂ ግና፡ ንቕዱሳት ተገሊጹ ኣሎ፣ 27  ኣምላኽ ንዓታቶም ነቲ ኽቡር ሃብቲ እዚ ቕዱስ ምስጢር እዚ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኬፍልጦም ፈተወ፣ እዚ ድማ እቲ ምሳኻትኩም ሓድነት ዘለዎ ክርስቶስ፡ ንኽብሩ እውን ዘሎኩም ተስፋ እዩ። 28  ንዅሉ ሰብ ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎ ምሉእ ጌርና ምእንቲ ኸነቕርቦ፡ ብዅሉ ጥበብ ንዅሉ ሰብ እናመዓድናን ንዅሉ ሰብ እናመሃርናን፡ ንዕኡ ኢና እንሰብኽ ዘለና። 29  ነዚ ድማ፡ ኣነ ብመጠን እቲ ኣባይ ብሓይሊ ዚዓዪ ዘሎ ዜበራትዕ ደገፉ እናተጋደልኩ፡ እጽዕር ኣለኹ።

እግረ ጽሑፍ

ቈሎ 1:16 * ኣብዚ፡ “ኵሉ” ኺብሃል ከሎ፡ ኵሉ ኻልእ ፍጥረት ማለት እዩ። ፍቕዲ 15 ርአ።