ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ሮሜ 8:1-39

8  እምበኣር፡ እቶም ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎም፡ ኵነኔ የብሎምን።  ከመይሲ፡ እቲ ብክርስቶስ የሱስ ህይወት ዚህብ ሕጊ እቲ መንፈስ እቲ፡ ካብ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡካ ኣሎ።  ሕጊ ብስጋ ብምድካሙ ኺገብሮ ዘይከኣለስ፡ ኣምላኽ ንወዱ፡ ንሓጢኣት ምእንቲ ኼወግድ ብኣምሳል እቲ ሓጥእ ስጋ ብምልኣኽ፡ ነቲ ብስጋ ዝዀነ ሓጢኣት ኰነኖ።  እዚ ድማ እቲ ብሕጊ ዚድለ ስርዓታት ጽድቂ ኣባና፡ ኣብቶም ብስጋ ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ እንመላለስ፡ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ።  ከመይሲ፡ እቶም ምስ ስጋ ተሰማሚዖም ዚመላለሱ፡ ናይ ስጋ እዮም ዚሓስቡ፣ እቶም ምስ መንፈስ ተሰማሚዖም ዚመላለሱ ግና፡ ናይ መንፈስ እዮም ዚሓስቡ።  ናይ ስጋ ምሕሳብ፡ ሞት እዩ፣ ናይ መንፈስ ምሕሳብ ግና፡ ህይወትን ሰላምን እዩ፣  ምኽንያቱ፡ ናይ ስጋ ምሕሳብ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ዚግዛእ ኣይኰነን፡ ኪኸውን እውን ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ጽልኢ ምስ ኣምላኽ እዩ።  እቶም ምስ ስጋ ተሰማሚዖም ዚመላለሱስ፡ ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ኣይክእሉን እዮም።  ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም እንተ ሓደረስ፡ ምስ ስጋ ዘይኰነስ፡ ምስ መንፈስ ኢኹም ተሰማሚዕኩም እትመላለሱ። መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ እንተሎ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን። 10  ግናኸ፡ ምስ ክርስቶስ ሓድነት እንተ ኣሎኩም፡ ሰብነትኩም ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት እዩ፣ እቲ መንፈስ ግና ሳላ ጽድቂ፡ ህይወት እዩ። 11  መንፈስ እቲ ንየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ኣልዩ፡ እቲ ንክርስቶስ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ነቲ መዋቲ ሰብነትኩም በቲ ኣባኻትኩም ዚሓድር መንፈሱ ገይሩ ህያው ኪገብሮ እዩ። 12  እምበኣር፡ ኣሕዋተየ፡ ግዴታስ ኣሎና፣ ግናኸ፡ ንስጋ፡ ማለት ምስ ስጋ ተሰማሚዕና ኽንነብር ኣይኰነን፣ 13  ከመይሲ፡ ምስ ስጋ ተሰማሚዕኩም እንተ ተመላለስኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም፣ ግብሪ ሰብነት ብመንፈስ እንተ ቐተልኩም ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። 14  ከመይሲ፡ ኵሎም እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ፡ ንሳቶም ውሉዳት ኣምላኽ እዮም። 15  ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ኣቢልና፡ “ኣባ፡ ኣቦ!” ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኩም እምበር፡ ከም ብሓድሽ ዜፍርሃኩም መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን። 16  ውሉዳት ኣምላኽ ምዃንና፡ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። 17  ውሉዳት ካብ ኰንናስ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፦ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ ከኣ መዋርስቱ ኢና፣ ምስኡ መከራ እንተ ጸገብና፡ ምስኡ እውን ክንከብር ኢና። 18  ስለዚ፡ እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ መከራ ምስቲ ኣባና ዚግለጽ ክብሪ ኺነጻጸር ከሎ፡ ኣብ ግምት ከም ዘይኣቱ ገይረ እየ ዝቘጽሮ። 19  ከመይሲ፡ ፍጥረት ንምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ብሃረርታ ይጽበ ኣሎ። 20  ምኽንያቱ፡ ፍጥረት ብፍቓዱ ዘይኰነስ፡ በቲ ዘግዝኦ፡ ብተስፋ ንኸንቱ እዩ ተገዚኡ፣ 21  እዛ ተስፋ እዚኣ ኸኣ፡ ፍጥረት ንባዕሉ እውን፡ ካብ ባርነት ምብስባስ ሓራ ኺወጽእን ክቡር ሓርነት ደቂ ኣምላኽ ኪህልዎን እያ። 22  ከመይሲ፡ ኵሉ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ብሓባር የስቈርቍርን ይሳቐን ከም ዘሎ፡ ንፈልጥ ኣለና። 23  ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሕና ብዅርነት ማለት መንፈስ ዘሎና እውን፡ እወ ንሕና እኳ ውልድነት፡ ማለት ብጀዋ ሰብነትና ተሃንጢና እናተጸበና፡ ብውሽጥና ነስቈርቍር ኢና። 24  ከመይሲ፡ በዛ ተስፋ እዚኣ ኢና ድሒንና፣ እትርአ ተስፋ ግና፡ ተስፋ ኣይኰነትን፣ ንዚርአ ነገር ተስፋ ዚገብርከ መን ኣሎ፧ 25  ንዘይንርእዮ ተስፋ እንተ ገበርና ግና፡ ብተጻዋርነት ተሃንጢና ኢና እንጽበዮ። 26  ከምኡ ድማ፡ እቲ መንፈስ እውን ንድኻምና ይድግፎ እዩ፣ ከመይሲ፡ ክንጽሊ ኼድልየና ኸሎ፡ እንታይ ክንብል ከም ዚግብኣና ኣይንፈልጥን ኢና፣ እቲ መንፈስ ባዕሉ ግና ብዘይተነግረ እህህታ ገይሩ ይልምነልና እዩ። 27  ንሱ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ምእንቲ ቕዱሳት ይልምን እዩ እሞ፡ እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ሓሳብ እቲ መንፈስ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። 28  ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ፡ ማለት ነቶም ከም ዕላማኡ እተጸውዑ፡ ንጽቡቖም ኢሉ ንዅሉ ግብሩ ኸም ዜዋድዶ፡ ንፈልጥ ኢና፣ 29  ምኽንያቱ፡ ወዱ ኻብ መንጎ ብዙሓት ኣሕዋት በዅሪ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ነቶም ቅድም ዝፈለጦም፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ እውን ኣቐዲሙ መደቦም። 30  እቶም ኣቐዲሙ ዝመደቦም ከኣ፡ እቶም ዝጸውዖም እዮም፣ እቶም ዝጸውዖም ድማ፡ እቶም ዘጽደቖም እዮም። እቶም ዘጽደቖም እውን፡ እቶም ዘኽበሮም እዮም። 31  ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ደኣ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧ 32  እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ እምበር፡ ዘይነሓፎ፡ ስለምንታይ ደኣኸ ምስኡ ዅሉ ብለውሃት ዘይህበና፧ 33  ነቶም ሕሩያት ኣምላኽ ዚኸስሶም መን እዩ፧ ኣምላኽ እዩ ዜጽድቖም። 34  እቲ ዚዅንንከ መን እዩ፧ ክርስቶስ የሱስ እዩ እቲ ዝሞተ፡ አረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስአ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑ እውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ። 35  ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ጸበባዶ፡ ጭንቂዶ፡ መስጐጕቲዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ሓደጋዶ፡ ወይስ ሰይፊ፧ 36  ከምቲ፡ “ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣለና፣ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲ እውን ተቘጸርና” ዚብል እተጻሕፈ እዩ። 37  እኳ ደኣስ፡ ኣብ ኵሉ እዚ ነገራት እዚ፡ በቲ ዘፍቀረና ምሉእ ብምሉእ ንስዕር ኢና። 38  ከመይሲ፡ ሞት ኰነ፡ ህይወት ኰነ፡ መላእኽቲ ዀኑ፡ መንግስትታት ኰኑ፡ ዘሎ ዀነ፡ ዚመጽእ ኰነ፡ ሓይልታት ኰነ፡ 39  ልዕል ዝበለ ዀነ፡ ትሕት ዝበለ ዀነ፡ ካልእ ፍጥረት እውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና ኸም ዘይክእል፡ ርግጸኛ እየ።

እግረ ጽሑፍ