ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ሮሜ 7:1-25

7  ኣሕዋተየ፡ (ነቶም ሕጊ ዚፈልጡ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡) ሰብ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ፡ ሕጊ ኸም ዚመልኮዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧  ንኣብነት፡ ምርዕውቲ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ፡ ብሕጊ ምስኡ ትእሰር እያ፣ ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ትፍታሕ እያ።  እምበኣር፡ ሰብኣያ ብህይወት ከሎስ፡ ናይ ካልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ዘማዊት እያ እትብሃል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብ ሕጉ ሓራ እያ እሞ፡ ናይ ካልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ዘማዊት ኣይኰነትን።  እምበኣር፡ ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም እውን ናይ ካልእ፡ ማለት ናይቲ ንኣምላኽ ክንፈሪ ኢሉ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ብሰብነት ክርስቶስ ኣቢልኩም ንሕጊ ምዉታት ኴንኩም ኢኹም።  ከመይሲ፡ ብስጋ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ሞት ምእንቲ ኽንፈሪ፡ እቲ ብሕጊ እተጋህደ ሓጥእ ፍትወት ኣብ ኣካላትና ይዓዪ ነበረ።  ሕጂ ግና ብኣረጊት መገዲ ብጽሑፍ ሕጊ ዘይኰነስ፡ ብሓድሽ መገዲ ብመንፈስ ባሮት ክንከውን፡ ነቲ ቐዪዱና ዝነበረ ሕጊ ብሙማትና፡ ካብቲ ሕጊ ተፈታሕና።  እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ እቲ ሕጊዶ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን! ብዘይ እቲ ሕግስ ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ፣ ንኣብነት፡ እቲ ሕጊ፡ “ኣይትተምነ” እንተ ዘይብልሲ፡ ንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ።  ግናኸ፡ ሓጢኣት ብዘይ ሕጊ ምዉት እዩ እሞ፡ እቲ ሓጢኣት በቲ ትእዛዝ ኣጋጣሚ ረኺቡ፡ ኵሉ ዓይነት ትምኒት ኣሕደረለይ።  ሓደ እዋን ብዘይ ሕጊ ህያው ነበርኩ፣ እቲ ትእዛዝ ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ከም ብሓድሽ ህያው ኰነ፡ ኣነ ኸኣ ሞትኩ። 10  እቲ ናብ ህይወት ዚመርሕ ትእዛዝ ድማ፡ ናብ ሞት ዚመርሕ ኰይኑ ረኸብክዎ። 11  ከመይሲ፡ ሓጢኣት በቲ ትእዛዝ ኣጋጣሚ ረኺቡ፡ ኣስሓተኒ፡ ብእኡ እውን ቀተለኒ። 12  እምበኣር፡ እቲ ሕግስ ቅዱስ እዩ፣ እቲ ትእዛዝ እውን ቅዱስን ቅኑዕን ሰናይን እዩ። 13  እቲ ሰናይዶ ደኣ እዩ ንዓይ ሞት ዝዀነኒ፧ ያእ ኣይፋሉን! ሓጢኣት በቲ ሰናይ ኣቢሉ ሞት ከም ዜምጽእ ምእንቲ ኺርአን በቲ ትእዛዝ ኣቢሉ ኣዝዩ ሓጥእ ምእንቲ ኪኸውንን፡ ሓጢኣት ደኣ እዩ ሞት ዝዀነኒ። 14  ከመይሲ፡ እቲ ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፣ ኣነ ግና ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ። 15  ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ ኣለኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ እሞ፡ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦን እየ። 16  ነቲ ዘይደልዮ ኻብ ዝገብሮ ግና፡ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እሰማምዓሉ ኣለኹ። 17  ሕጂ ግና እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። 18  ድሌት ደኣ ኣሎኒ እምበር፡ ሰናይ ክገብር ክእለት የብለይን እሞ፡ ኣባይ፡ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዘይሓድር እፈልጥ እየ። 19  ከመይሲ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣለኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። 20  ነቲ ዘይደልዮ ኻብ ዝገብሮስ፡ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። 21  እምበኣር፡ ሰናይ ክገብር እናደለኹ፡ እከይ ኣባይ ከም ዘሎ፡ እዚ ሕጊ ዀይኑኒ ረኸብክዎ። 22  ብውሽጠይሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ፣ 23  ግናኸ፡ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ ኣእምሮይ ዚዋጋእን ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ ዚማርኸንን ካልእ ሕጊ እርኢ ኣለኹ። 24  ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ! ካብዚ ናብ ሞት ዚመርሕ ሰብነት እዝስ መን ኬድሕነኒ እዩ፧ 25  ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ይመስገን! እምበኣር፡ ብኣእምሮይ ንሕጊ ኣምላኽ፡ ብስጋይ ግና ንሕጊ ሓጢኣት ባርያ እየ።

እግረ ጽሑፍ