ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ሮሜ 6:1-23

6  እምበኣር፡ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ብሓጢኣትዶ ንቐጽል፧  ያእ ኣይፋልናን! ንሓጢኣት ምዉታት ካብ ኰንና፡ ከመይ ኢልና ደኣ ደጊም ብእኡ ኽንነብር፧  ወይስ ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ኪህልወና እተጠመቕና ዘበልና ዅላትና፡ ተኻፈልቲ ሞቱ ኽንከውን ከም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧  እምበኣር፡ ከምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ንሕና እውን ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ብጥምቀትና ናብ ሞቱ ምስኡ ተቐበርና።  ከመይሲ፡ ብኣምሳል ሞቱ ምስኡ እንተ ሓበርና፡ ብኣምሳል ትንሳኤኡ እውን ምስኡ ኽንሓብር ኢና፣  ንሓጢኣት ከይንግዛእ፡ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ድማ ምእንቲ ኸይመልከና፡ ኣረጊት ስብእናና ምስኡ ኸም እተሰቕለ ንፈልጥ ኢና።  ከመይሲ፡ እቲ ዝሞተ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ።  ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና ኸኣ፡ ምስኡ ብህይወት ከም እንነብር እውን ንኣምን ኢና።  ከመይሲ፡ እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ ክርስቶስ ደጊም ከም ዘይመውት ንፈልጥ ኢና፣ ደጊም ሞት ኣይመልኮን እዩ። 10  ምኽንያቱ፡ ብሞቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ንሓጢኣት እዩ ሞይቱ፣ ብህይወቱ ግና ንኣምላኽ እዩ ዚነብር። 11  ከምኡ እውን ንስኻትኩም፡ ንሓጢኣት ምዉታት ከም ዝዀንኩም፡ ንኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ህያዋን ከም ዝዀንኩም ጌርኩም ርእስኹም ቍጸሩ። 12  እምበኣር፡ ንትምኒት ሰብነትኩም ምእንቲ ኸይትእዘዙ፡ ሓጢኣት ኣብቲ መዋቲ ሰብነትኩም ኣይንገስ። 13  ኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ጌርኩም ንሓጢኣት ኣይተቕርቡ፣ የግዳስ፡ ርእስኹም ካብ ምዉታት ህያው ከም ዝዀነት ጌርኩም፡ ኣካላትኩም እውን ኣጽዋር ጽድቂ ጌርኩም ንኣምላኽ ኣቕርቡ። 14  ኣብ ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይምለኽኩም። 15  እሞኸ ደኣ፧ ኣብ ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኰንናስ፡ ሓጢኣትዶ ንግበር፧ ያእ ኣይፋልናን! 16  ነቲ ኽትእዘዝዎ ኸም ባሮት ጌርኩም ርእስኹም እተቕርቡሉ ዘበለ፡ ስለ እትእዘዝዎ፡ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንሓጢኣት እንተ ዀይኑ፡ ናብ ሞት፡ ንተኣዛዝነት እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ናብ ጽድቂ እዩ ዚመርሓኩም። 17  ግናኸ፡ ቀደም ባሮት ሓጢኣት ኔርኩምሲ፡ ነቲ እተዋህበኩም ምሳሌ ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ እተኣዘዝኩምዎ፡ ኣምላኽ ይመስገን። 18  እወ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ባሮት ጽድቂ ዄንኩም ኢኹም። 19  ብሰንኪ ድኻም ስጋኹም ብኣዘራርባ ሰብ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፦ ከምቲ ኣካላትኩም ነቲ ናብ ጥሕሰት ሕጊ ዚመርሕ ርኽሰትን ጥሕሰት ሕግን ከም ባሮት ጌርኩም ዘቕረብኩም፡ ሕጂ ኸኣ ኣካላትኩም ነቲ ናብ ቅድስና ዚመርሕ ጽድቂ ኸም ባሮት ጌርኩም ኣቕርቡ። 20  ከመይሲ፡ ባሮት ሓጢኣት ከለኹም፡ ካብ ጽድቂ ሓራ ኢኹም ኔርኩም። 21  እሞ ደኣ በቲ ግዜ እቲ እንታይ ፍረ ነይሩኩም፧ መወዳእታኡ ሞት ስለ ዝነበረ፡ ሕጂ እትሓፍሩሉ እዩ ነይሩኩም። 22  ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ባሮት ኣምላኽ እውን ስለ ዝዀንኩም፡ ፍረኹም ብመገዲ ቕድስና እዩ፣ መወዳእታኡ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። 23  ከመይሲ፡ ዓስቢ ሓጢኣት፡ ሞት እዩ፣ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣቢሉ ዚህበና ውህበት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

እግረ ጽሑፍ