ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ሮሜ 5:1-21

5  እምበኣር፡ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡* ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና፣  ብእኡ ኸኣ ብእምነት ናብዚ ዘለናዮ ጸጋ፡ መእተዊ ረኺብና ኣለና፣ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽ እውን ንፈሳህ።  በዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብጸበባ እውን ንፈሳህ፣ ምኽንያቱ፡ ጸበባስ ተጻዋርነት ከም ዜምጽእ ንፈልጥ ኢና፣  ተጻዋርነት ድማ እተፈተነ ብቕዓት፣ እተፈተነ ብቕዓት እውን ተስፋ፣  ፍቕሪ ኣምላኽ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ ኸኣ፡ እታ ተስፋ እቲኣ ኣይተሕፍርን እያ።  ከመይሲ፡ ገና ድኹማት ከለና፡ ክርስቶስ ብግዜኡ ምእንቲ ሓጥኣን ሞተ።  ምእንቲ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዚርከብ ኣይመስልን፣ ምእንቲ ሕያዋይ ኪመውት ዚደፍርሲ ምናልባት ኣይሰኣንን ይኸውን።  ግናኸ፡ ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ምእንታና ብሙማቱ፡ ኣምላኽ ንፍቕሩ በዚ የርእየና ኣሎ።  እምበኣር፡ ሕጂ ብደሙ ኻብ ጸደቕና፡ ካብቲ ቝጥዓኡ ደኣ ብእኡ ኽንደይ ኣዚና ዘይንድሕን! 10  ጸላእቱ ኸለና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ኻብ ተዓረቕናስ፡ ምስ ተዓረቕና ደኣ ብህይወቱ ኽንደይ ኣዚና ዘይንድሕን! 11  እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢልና፡ ብኣምላኽ እውን ንፍሳህ ኢና። 12  ስለዚ ኸኣ፡ ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ—። 13  ከመይሲ፡ ሕጊ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ፣ ሕጊ ኸየሎ ግና፡ ሓጢኣት ኣይቍጸርን እዩ። 14  ግናኸ፡ ሞት ካብ ኣዳም ክሳዕ ሙሴ፡ ኣብቶም ከም ኣበሳ ኣዳም ዘይሓጥኡ እውን ነገሰ፣ ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ኺመጽእ ዝነበሮ እዩ። 15  ግናኸ፡ እቲ ውህበት ከምቲ ኣበሳ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ብኣበሳ ሓደ ሰብ ብዙሓት ካብ ሞቱ፡ ጸጋ ኣምላኽን በቲ ሓደ ሰብ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ብጸጋ እተዋህበ ውህበቱን ኣብ ብዙሓት እምብዛ ዓዚዙ ኣሎ። 16  እቲ ውህበት ከምቲ ሓደ ዝገበሮ ሓጢኣት እውን ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ድሕሪ ሓደ ኣበሳ ዝመጸ ፍርዲ፡ ኵነኔ እዩ፣ ድሕሪ ብዙሕ ኣበሳ ዝመጸ ውህበት ግና፡ ምጽዳቕ እዩ። 17  ምኽንያቱ፡ ብኣበሳ እቲ ሓደ፡ ሞት በቲ ሓደ ኻብ ነገሰ፡ እቶም ብዙሕ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ግዳ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ክንደይ ኣዝዮም ዘይነግሱ! 18  እምበኣር፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ እተዀነነ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ፡* ኵሉ ዓይነት ሰብ ንህይወት ይጸድቕ ኣሎ። 19  ከመይሲ፡ ከምቲ ብዘይተኣዛዝነት ሓደ ሰብ ብዙሓት ሓጥኣን ዝዀኑ፡ ከምኡ ድማ ብተኣዛዝነት እቲ ሓደ፡ ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም። 20  ሕጊ ዝመጸስ፡ ኣበሳ ምእንቲ ኺዓዝዝ እዩ። ግናኸ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ዝዓዘዞ፡ ኣብኡ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘ። 21  ስለምንታይ፧ ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝነገሰ፡ ከምኡ ድማ ጸጋ በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ኣቢሉ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ ጽድቂ ምእንቲ ኺነግስ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ሮሜ 5:1 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ጸደቐ” ርአ።
ሮሜ 5:18 * ወይ፡ “ዜጽድቕ ግብሪ።”