ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ሮሜ 4:1-25

4  እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ብስጋ ኣቦና ዝዀነ ኣብርሃም እንታይ ክንብል ኢና፧  ኣብርሃም ብግብሪ ጸዲቑ* እንተ ዚኸውንሲ፡ መመክሒ ምረኸበ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይኰነን።  እቲ ቕዱስ ጽሑፍሲ እንታይ ድዩ ዚብል፧ “ኣብርሃም ብየሆዋ ኣመነ፡ ጽድቂ ዀይኑ ድማ ተቘጽረሉ።”  ንሓደ ዚገብር ሰብ፡ ዓስቡ ኸም ጸጋ ዘይኰነስ፡ ከም ዚእውዶ ዕዳ እዩ ዚቝጸረሉ።  ንሓደ ዘይገብር፡ በቲ ንሓጥእ ዜጽድቕ ደኣ ዚኣምን ሰብ ግና፡ እምነቱ ኸም ጽድቂ እያ እትቝጸረሉ።  ከምቲ ዳዊት ብዛዕባ ሓጐስ እቲ ኣምላኽ ብዘይ ግብርስ ጽድቂ ዚቘጽረሉ ሰብ ዝበሎ እዩ፦  “እቶም ጥሕሰቶም እተሓድገሎም፡ ሓጢኣቶም እውን እተኸድነሎም፡ ሕጉሳት እዮም፣  የሆዋ ሓጢኣቱ ዘይቈጽረሉ ሰብ ሕጉስ እዩ።”  እዛ ሓጐስ እዚኣ ደኣ ንግዙራት ጥራይ ድያ፡ ወይስ ንዘይግዙራት እውን፧ ከመይሲ፡ “ንኣብርሃም፡ እምነቱ ጽድቂ ዀይና ተቘጽረትሉ” ንብል ኢና። 10  መዓስከ እያ እተቘጽረትሉ፧ ምስ ተገዝረ ድያ፡ ወይስ ከይተገዝረ፧ ምስ ተገዝረ ዘይኰነስ፡ ከይተገዝረ እያ። 11  ንዅሎም እቶም ከይተገዝሩ ዚኣምኑ እሞ፡ እዚ እውን ጽድቂ ዚቝጸረሎም ኣቦኦም ምእንቲ ኪኸውን፡ በታ ኸይተገዝረ ኸሎ ዝነበረቶ እምነት ኣቢሉ፡ ምልክት፡ ማለት ግዝረት፡ ከም ማሕተም* ጽድቂ ገይሩ ተቐበለ፣ 12  ኣቦ ግዙራት ዘርኢ፡ ማለት ነቶም ብስጋ ዚግዘሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣስኣሰር እታ ኣቦና ኣብርሃም ከይተገዝረ ኸሎ ዝነበረቶ እምነት ዚስዕቡ እውን ኣቦኦም ኰነ። 13  ከመይሲ፡ ኣብርሃም ወይስ ዘርኡ፡ ወራስ ዓለም ኪኸውን እተተስፈወ፡ ብሕጊ ዘይኰነስ፡ በቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ እዩ። 14  እቶም ንሕጊ ዚስዕቡ ወረስቲ እንተ ዚዀኑስ፡ እምነት ከንቱ ምዀነት፡ ተስፋ እውን ባዶ ምዀነት። 15  እቲ ሕግስ ቍጥዓ እዩ ዜምጽእ፣ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና፡ ኣብኡ ጥሕሰት የልቦን። 16  ስለዚ፡ እታ ተስፋ ሳላ ጸጋ ምእንቲ ኽትከውን፡ ብእምነት ኰነት፣ እዚ ኸኣ ንዅሎም ዘርኡ፡ ማለት ነቶም ንሕጊ ዚስዕቡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ንእምነት እቲ ኣቦ ዅላትና ዝዀነ ኣብርሃም ዚስዕቡ እውን ምእንቲ ኽትጸንዕ እዩ። 17  (እዚ ድማ ከምቲ፡ “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ ኣለኹ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።) ኣብ ቅድሚ እቲ ንሱ ዝኣመኖ፡ ንምዉታት ህያው ዚገብርን ንዘየሎ ኸም ዘሎ ገይሩ ዚጽውዕን ኣምላኽ ከኣ ኰነ። 18  ከምቲ፡ “ዘርእኻ ኸምኡ ኪኸውን እዩ” ዚብል፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ምእንቲ ኪኸውን፡ ተስፋ ኣብ ዘይብሉስ፡ ብተስፋ ኣመነ። 19  ብእምነት እኳ እንተ ዘይደኸመ፡ ኣስታት ወዲ ሚእቲ ዓመት ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ እቲ ኸም ምዉት ዝነበረ ሰብነቱን ብዛዕባ ምዉት* ማሕጸን ሳራን ኣስተብሃለ። 20  ግናኸ፡ ሳላ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ፡ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ ብእምነቱ በርትዐ እምበር፡ ብዘይምእማን ኣይተወላወለን፣ 21  ነቲ ንሱ ዘተስፈዎ ተስፋ ኺፍጽሞ ኸም ዚኽእል እውን፡ ኣጸቢቑ ኣሚኑ ነበረ። 22  ስለዚ ድማ፡ “ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ።” 23  እታ “ተቘጽረሉ” እትብል ግና፡ ምእንታኡ ጥራይ ኣይኰነትን ተጻሒፋ፣ 24  የግዳስ፡ ምእንታና፡ ምእንቲ እቶም ዚቝጸረልና እውን እያ፣ ምኽንያቱ፡ በቲ ንየሱስ ጐይታና ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ንኣምን ኢና። 25  የሱስ ምእንቲ ኣበሳና ኣሕሊፍካ ተዋህበ፣ ምእንቲ ኼጽድቐና እውን ተንስአ።

እግረ ጽሑፍ

ሮሜ 4:2 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ጸደቐ” ርአ።
ሮሜ 4:11 * ወይ፡ “ውሕስነት፣ መረጋገጺ።”
ሮሜ 4:19 * ወይ፡ “መኻን።”