ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ሮሜ 2:1-29

2  ስለዚ፡ ኣታ ሰብ፡ መንነትካ ብዘየገድስ፡ እንተ ፈረድካ፡ እተመኻንዮ የብልካን፣ ከመይሲ፡ ኣታ እትፈርድ፡ ንስኻ እውን ከምኡ ስለ እትገብር፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ፡ ንርእስኻ ትዅንን ኣለኻ።  እቲ ሓቂ ዝዀነ ፍርዲ ኣምላኽ፡ ኣብቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዚገብሩ ኸም ዚኸውን ንፈልጥ ኢና።  ኣታ ሰብ፡ ኣብቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዚገብሩ ኽትፈርድ ከለኻስ፡ ንስኻ ኻብ ፍርዲ ኣምላኽ እተምልጥዶ ይመስለካ ኣሎ፧  ወይስ ኣምላኽ ብለውሃቱ ናብ ንስሓ ኺመርሓካ ይፍትን ከም ዘሎ ሰኣን ምፍላጥካስ፡ ሃብቲ ለውሃቱን ተጻዋርነቱን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ ኣለኻ፧  ግናኸ፡ ብትርኻን በቲ ዘይንሳሕ ልብኻን፡ ነቲ ብመዓልቲ ቝጥዓን ምግላጽ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽን ዚወርድ ቍጥዓ ኣብ ርእስኻ ትእክብ ኣለኻ።  ንሱ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ፦  ነቶም ብተጻዋርነት ሰናይ እናገበሩ ግርማን ክብርን ዘይምሕላፍን ዚደልዩ ናይ ዘለኣለም ህይወት፣  ነቶም ህልኸኛታትን ንዓመጻ እናተኣዘዙ ንሓቂ ዘይእዘዙን ግና ቍጥዓን መዓትን።  እከይ ንእትገብር ዘበለት ኵላ ነፍሲ ሰብ፡ ጸበባን ጭንቅን ኪወርዳ እዩ፣ ቅድም ንኣይሁዳዊ፡ ከምኡ ኸኣ ንግሪኻዊ፣ 10  ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ግና፡ ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሃቦ እዩ፣ ቅድም ንኣይሁዳዊ፡ ከምኡ ኸኣ ንግሪኻዊ። 11  ከመይሲ፡ ኣብ ኣምላኽ፡ ኣድልዎ የልቦን። 12  ኵሎም እቶም ብዘይ ሕጊ ዝሓጥኡ፡ ብዘይ ሕጊ ኺጠፍኡ እዮም፣ ኵሎም እቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝሓጥኡ ግና፡ ብሕጊ ኺፍረዱ እዮም። 13  ከመይሲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቶም ገበርቲ ሕጊ ደኣ እዮም ዚጸድቁ* እምበር፡ እቶም ሰማዕቲ ሕግስ ጻድቃን ኣይኰኑን። 14  እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ ብባህርዮም ነቲ ሕጊ ኺገብርዎ ኸለዉ፡ ንሳቶም ሕጊ ዘይብሎም ክነሶም፡ ንርእሶም ሕጊ እዮም። 15  ሕልናኦም ምሳታቶም ኰይኑ እናመስከረሎም፡ ሓሳቦም እውን እናኸሰሶም ወይ እናኣመኻነየሎም፡ እቲ ሕጊ ዚሓትቶ ግብሪ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ። 16  እዚ፡ ከምቲ ኣነ ዘበስሮ ብስራት፡ በታ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ንምስጢራት ሰብ ዚፈርደላ መዓልቲ ኪኸውን እዩ። 17  ንስኻ ብስም ኣይሁዳዊ እንተ ዀንካ፡ ብሕጊ ኸኣ እንተ ተኣመንካ፡ ብኣምላኽ ድማ እንተ ተመካሕካ፡ 18  ፍቓዱ ኸኣ እንተ ፈለጥካ፡ ካብ ሕጊ ብኣፍ ስለ እተመሃርካ እውን እቲ ብሉጽ እንተ ኣለለኻ፡ 19  መራሕ ዕዉራትን ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ብርሃንን ምዃንካ ድማ እንተ ኣመንካ፡ 20  መዓዲ ዓያሹን መምህር ቈልዑን ምዃንካ ኸኣ እንተ ኣመንካ፡ ኣብ ሕጊ እውን ቅርጺ ፍልጠትን ሓቅን ተስተውዕል እንተ ዀንካ፡— 21  ግናኸ፡ ኣታ ንኻልእ እትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራንዶ፧ ኣታ፡ “ኣይትስረቕ” ኢልካ እትሰብኽ፡ ትሰርቕዶ፧ 22  ኣታ፡ “ኣይትዘሙ” እትብል፡ ትዝሙዶ፧ ኣታ ንጣኦታት እትፍንፍን፡ ካብ ኣብያተ መቕደስ ትሰርቕዶ፧ 23  ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፡ ነቲ ሕጊ ብምጥሓስ ንኣምላኽ ተሕስሮዶ፧ 24  ከመይሲ፡ ከምቲ ጽሑፍ ዚብሎ፡ “ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ይጽረፍ ኣሎ።” 25  ግዝረትሲ ሕጊ እንተ ሓሎኻ ጥራይ እዩ ዚጠቅም፣ ጠሓስ ሕጊ እንተ ዀንካ ግና፡ ግዝረትካ ዘይግዝረት እዩ ዚኸውን። 26  እምበኣር፡ ሓደ ዘይግዙር ነቲ ብሕጊ ዚድለ ስርዓታት ጽድቂ እንተ ሓለዎ፡ እቲ ዘይምግዛሩ ኸም ግዝረት ኰይኑዶ ኣይቍጸረሉን እዩ፧ 27  እቲ ብስጋ ዘይተገዝረ፡ ነቲ ሕጊ ብምፍጻሙ፡ ንዓኻ፡ ጽሑፍ ሕግን ግዝረትን ዘሎካ ኽነስኻ ጠሓስ ሕጊ ንዝዀንካ፡ ኪፈርደካ እዩ። 28  ከመይሲ፡ እቲ ብደጊኡ ኣይሁዳዊ፡ ኣይሁዳዊ ኣይኰነን፣ እቲ ብደገ ኣብ ስጋ ዚግበር ግዝረት እውን፡ ግዝረት ኣይኰነን። 29  እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ግና፡ ኣይሁዳዊ እዩ፣ ግዝረቱ ኸኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እዩ እምበር፡ ብጽሑፍ ሕጊ ኣይኰነን። ውዳሰኡ እውን ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን።

እግረ ጽሑፍ

ሮሜ 2:13 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ጸደቐ” ርአ።