ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ሮሜ 13:1-14

13  ብዘይካ ብኣምላኽ ስልጣን የልቦን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ይገዝኣዮም፣ እቶም ዘለዉ ሰበ ስልጣን ከኣ ብኣምላኽ ኣብ በቦታኦም እተሰርዑ እዮም።  ስለዚ፡ እቲ ንብዓል ስልጣን ዚቃወም፡ ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ፣ እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ፍርዶም ኪቕበሉ እዮም።  ከመይሲ፡ እቶም ገዛእቲ፡ ክፉእ ንዚገብሩ እምበር፡ ሰናይ ንዚገብሩ ኣየፍርሁን እዮም። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ሰናይ ግበር፡ ንሱ እውን ኪንእደካ እዩ፣  ከመይሲ፡ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ዝቘመ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ። ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ክፉእ ትገብር እንተ ኣሊኻ ግና፡ ፍራህ። ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ማለት ኣብቶም ክፉእ ዚገብሩ፡ ቍጥዓ ንምግላጽ ዚኸውን ፈዳይ ሕነ እዩ።  ስለዚ፡ ስለ ሕልና ኢልኩም እምበር፡ ስለ ቝጥዓ ኢልኩም ጥራይ ኣይኰነን ክትግዝኡ ዚግብኣኩም።  ምእንቲ እዚ ኸየብኰሩ ዜገልግሉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ግብሪ እትኸፍሉ።  ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ቀረጽ ንዚግብኦ ቐረጽ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብሪ ንዚግብኦ ኽብሪ፡ ንዅሉ ዘዚግብኦ ሃብዎ።  እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይኑ፡ ንሓደ እኳ ገለ ዕዳ ኣይሃልኹም።  እቲ፡ “ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ኣይትተምነ” ዚብል ሕጊ፡ ካልእ ትእዛዝ ዘበለ እውን እንተሎ፡ ኣብቲ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዚብል ቃል ይጠቓለል እዩ። 10  ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን እያ፣ እምበኣር፡ ፍቕሪ መፈጸምታ ሕጊ እያ። 11  ድሕነትና ኻብቲ ዝኣመንናሉ ግዜስ ሕጂ ይቐርብ እሞ፡ ድሮ ኻብ ድቃስ እትበራበሩላ ሰዓት ከም ዝኣኸለት፡ እዋኑ ስለ እትፈልጥዎ፡ ከምኡ ግበሩ። 12  ለይቲ ሓለፈት፣ መዓልቲ እውን ቀረበት። እምበኣር፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ቐንጢጥና፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። 13  ብፈንጠዝያን ስኽራንን፡ ብብዕሉግ ጾታዊ ርክብን ንውርምናን፡* ብባእስን ቅንእን ዘይኰነስ፡ ከም ብመዓልቲ ብኣደብ ንመላለስ። 14  ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ንትምኒት ስጋ ኸተርውዩ ኢልኩም ኣይትሃቅኑ።

እግረ ጽሑፍ

ሮሜ 13:13 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ንውርምና” ርአ።