ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ሮሜ 12:1-21

12  እምበኣር ኣሕዋተየ፡ ንሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ቅቡልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ማለት ብኣእምሮኹም ከተገልግሉ፡ ብርሕራሐ ኣምላኽ እልምነኩም ኣለኹ።  እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም ክትፈልጡስ፡ ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፡ በዚ ስርዓት ዓለም እዚ ኣይትቀረጹ።  ነፍሲ ወከፍ ኣብ መንጎኹም ዘሎ፡ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓስብ፡ የግዳስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ብልብምና ኺሓስብ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣለኹ።  ከመይሲ፡ ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካላት ዘሎና፡ እቲ ኣካላት ግና ሕደ ተግባር ዘይብሉ፡  ከምኡ ድማ ንሕና ብዙሓት ክነስና፡ ብክርስቶስ ሓደ ሰብነት፡ ግናኸ ነፍሲ ወከፍና ኣካላት ሓድሕድ ኢና።  ከከም እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ካብ ሃለወና፡ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ከከም መጠን እምነትና ንነበ፣  ኣገልግሎት እንተ ዀይኑ፡ ነገልግል፣ ወይስ ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ይምሃር፣  ወይስ ዚምዕድ እንተ ዀይኑ፡ ይምዓድ፣ ዚዕድል እንተ ዀይኑ፡ ብልግሲ ይዓድል፣ ዚመርሕ እንተ ዀይኑ፡ ብትግሃት ይምራሕ፣ ዚምሕር እንተ ዀይኑ፡ ብሓጐስ ይምሓር።  ፍቕርኹም ብዘይ ግብዝና ትኹን። ንእከይ ፈንፍንዎ፡ ናብ ሰናይ ልገቡ። 10  ብሕውነታዊት ፍቕሪ ንሓድሕድኩም ካብ ልቢ ተፋቐሩ። ንሓድሕድኩም ኣብ ምክብባር ቀዳሞት ኩኑ። 11  ትግሁ፡ ኣይትተሃከዩ።* ብመንፈስ ተቓጸሉ። ንየሆዋ ተገዝእዎ። 12  ብተስፋ ተሓጐሱ። ኣብ ትሕቲ ጸበባ ተጻወሩ። ብጸሎት ጽንዑ። 13  ንቕዱሳት ከከም ዜድልዮም ኣማቕሉ። ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ። 14  ንዚሰጕጉኹም መርቑ፣ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። 15  ምስቶም ዚሕጐሱ ተሓጐሱ፣ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ። 16  ንኻልኦት ከም ንርእስኹም ጌርኩም ሕሰቡሎም፣ ትሕት በሉ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ኣይትሕሰቡ። ጥበበኛታት ከም ዝዀንኩም ኣይምሰልኩም። 17  ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ክትገብሩ ሃቅኑ። 18  ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። 19  ፍቑራተየ፡ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል የሆዋ” ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ ቝጥዓስ ቦታ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። 20  ግናኸ፡ “ጸላኢኻ እንተ ጠመየ፡ ኣብልዓዮ፣ እንተ ጸምአ፡ ኣስትዮ፣ ነዚ ብምግባርካስ፡ ጓህሪ ኣብ ርእሱ ኽትኵምር ኢኻ።”* 21  ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።

እግረ ጽሑፍ

ሮሜ 12:11 * ወይ፡ “ኣብ ንጥፈትኩም ኣይትተሃከዩ።”
ሮሜ 12:20 * ማለት፡ ነቲ ሰብ ተለስልሶን ትሩ ተምክኾን።