ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ሮሜ 10:1-21

10  ኣሕዋተየ፡ ሃረርታ ልበይን ምእንትኦም ናብ ኣምላኽ ዘቕርቦ ምህለላይንሲ፡ ንሳቶም ኪድሕኑ እዩ።  ኣብ ልክዕ ፍልጠት እተመስረተ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም እየ፣  ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦም፡ ጽድቂ ርእሶም እውን ኪስርቱ ብምድላዮም፡ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝእዋን።  ዚኣምን ዘበለ ጽድቂ ምእንቲ ኺረክብሲ፡ ክርስቶስ መወዳእታ ሕጊ እዩ።  ከመይሲ፡ ሙሴ፡ እቲ ንጽድቂ ሕጊ ዚገብሮ ሰብ፡ ብእኡ ብህይወት ከም ዚነብር ጽሒፉ እዩ።  እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ ግና ከምዚ ይብል፦ “ብልብኻ ኸምዚ ኣይትበል፦ ‘መን ናብ ሰማይ ኪድይብ እዩ፧’ ማለት፡ ንክርስቶስ ኬውርዶ፣  ወይስ፡ ‘መን ናብ መዓሙቝ ኪወርድ እዩ፧’ ማለት ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኬምጽኦ።”  ግናኸ እንታይ እዩ ዚብል፧ “እቲ ቓል ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ቀረባኻ እዩ”፣ ማለት፡ እቲ እንሰብኮ “ቓል” እምነት።  ‘ብኣፍካ እቲ ቓል፡’ ማለት የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እውን ብልብኻ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። 10  ከመይሲ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑ እውን ይድሕን። 11  እቲ ቕዱስ ጽሑፍሲ፡ “ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይኪሓፍርን እዩ” ይብል እዩ። 12  ምኽንያቱ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ ሃብታም ዝዀነ ሓደ ጐይታ እዩ ዘሎ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ግሪኻውን ሌላን ጕሌላን የልቦን። 13  ማለት፡ “ስም የሆዋ ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።” 14  ግናኸ፡ ነቲ ብእኡ ዘይኣመኑ፡ ከመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ ኸመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ እዮም፧ ብዘይ ሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ እዮም፧ 15  ከምቲ፡ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ!” ዚብል እተጻሕፈ፡ ከይተላእኩኸ፡ ከመይ ገይሮም ኪሰብኩ እዮም፧ 16  ግናኸ፡ ኢሳይያስ፡ “የሆዋ፡ በቲ ኻባና ዝሰምዕዎ መን ኣመነ፧” ይብል እዩ እሞ፡ ኵላቶም ኣይኰኑን ነቲ ብስራት እተኣዘዙ። 17  እምበኣር፡ እምነት ካብ ምስማዕ እያ። ምስማዕ እውን ብቓል ክርስቶስ እዩ። 18  ኣነ ግና ክሓትት፦ ኣይሰምዑን ድዮም፧ እኳ ደኣስ፡ “ደሃዮም ናብ ኵላ ምድሪ ወጸ፡ ቃሎም እውን ክሳዕ ወሰን ዓለም።” 19  ኣነ ግና ክሓትት፦ እስራኤልከ ኣይፈለጠን ድዩ፧ ቅድም ሙሴ፡ “ኣነ ህዝቢ ብዘይኰነ ከቕንኣኩም፡ ብዘየስተውዕል ህዝቢ እውን ከቘጥዓኩም እየ” ይብል እዩ። 20  ኢሳይያስ እውን ደፊሩ፡ “ነቶም ዘይደለዩኒ ተረኸብኩሎም፣ ነቶም ዘይሓተቱለይ እውን ተገሃድኩሎም” ይብል እዩ። 21  ብዛዕባ እስራኤል ግና፡ “ናብ ዘይእዙዝን ተታራኽን ህዝቢ ምሉእ መዓልቲ ኣእዳወይ ዘርጋሕኩ” እዩ ዚብል።

እግረ ጽሑፍ