ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ሮሜ 1:1-32

1  ካብ ጳውሎስ እቲ ባርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ሃዋርያ ኪኸውን እተጸውዐ፡ ንብስራት ኣምላኽ ከኣ እተፈልየ፡ እተላእከት መልእኽቲ፣  እዚ ብስራት እዚ ድማ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ብነብያቱ ኣቢሉ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘተስፈዎ ዀይኑ፡  ብዛዕባ እቲ ብስጋ ኻብ ዘርኢ ዳዊት ዝመጸ ወዱ እዩ።  ንሱ ኻብ ምዉታት ብምትንሳኡ፡ ብመንፈስ ቅድስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ ተጋህደ፣ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እዩ።  ስለ ስሙ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ተኣዛዝነት እምነት ምእንቲ ኪኸውን ከኣ፡ ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን ተቐበልና፣  ካባታቶም እውን ንስኻትኩም ናይ የሱስ ክርስቶስ ክትኰኑ ተጸዋዕኩም።  ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ሮሜ ዘለዉ ቕዱሳት ኪዀኑ እተጸውዑ ፍቑራት ኣምላኽ፦ ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።  እምነትኩም ኣብ ኵላ ዓለም ስለ እተወርየት፡ ቅድሚ ዅሉ ብዛዕባ ዅላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ አመስግኖ ኣለኹ።  ከየቋረጽኩ ዅሉ ሳዕ ኣብ ጸሎተይ ከም ዝጠቕሰኩም፡ እቲ ብዛዕባ ወዱ እናኣበሰርኩ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ምስክረይ እዩ፣ 10  ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ዀነ፡ ሕጂ ኣብ መወዳእታ ሰሊጡኒ ናባኻትኩም ክመጽእ እልምን ኣለኹ። 11  ከመይሲ፡ ምእንቲ ኽትጸንዑ፡ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም ኢለ፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣለኹ፣ 12  ማለት፡ ብእምነት ሓድሕድና፡ በታ ናትኩምን በታ ናተይን እምነት፡ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ኢለ እየ። 13  ኣሕዋተየ፡ ከምቲ ኣብ ካልኦት ኣህዛብ ዝረኸብክዎ፡ ኣባኻትኩም እውን ፍረ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም ንምምጻእ ብዙሕ ግዜ ኸም ዝሓለንኩ፡ ክሳዕ ሕጂ ግና ከም እተኸልከልኩ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣለኹ። 14  ንግሪኻውያንን ንጓኖትን፡ ንለባማትን ንዓያሹን ዕዳ ኣሎኒ፦ 15  ስለዚ፡ ኣብ ሮሜ ንዘለኹም እውን ከበስረኩም ተሃንጥየ ኣለኹ። 16  ከመይሲ፡ ብብስራት ኣይሓፍርን እየ፣ እኳ ደኣስ፡ ንዚኣምን ዘበለ ዅሉ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ፡ ከምኡ ድማ ንግሪኻዊ፡ ንድሕነት ዚኸውን ሓይሊ ኣምላኽ እዩ፣ 17  ምኽንያቱ፡ ከምቲ፡ “ጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር” ዚብል እተጻሕፈ፡ ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ብእምነትን ንእምነትን ይግለጽ ኣሎ። 18  ቍጥዓ ኣምላኽሲ ኻብ ሰማይ ኣብ ኵሉ ረሲእነትን ዓመጻን እቶም ንሓቂ ብዓመጻ ዚዓብጡ ሰባት ይግለጽ ኣሎ፣ 19  ምኽንያቱ፡ ኣምላኽ ኣግሂዱሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሁድ እዩ። 20  ከመይሲ፡ እቲ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ ዀነ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን ኣምላኽነቱን፡ ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ እዩ፣ ስለዚ፡ ዜመኻንይዎ የብሎምን። 21  ስለምንታይሲ፡ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ኣየኽበርዎን፡ ኣየመስገንዎን እውን፣ የግዳስ፡ ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦም እውን ጸልመተ። 22  ለባማት ኢና እኳ እንተ በሉ፡ ዓሸዉ፣ 23  ንኽብሪ እቲ ዘይሓልፍ ኣምላኽ ከኣ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመምትን ዚመስል ለወጥዎ። 24  ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ሰብነቶም ምእንቲ ኼሕስሩ፡ ከም ትምኒት ልቦም፡ ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም። 25  ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ብሓሶት ለወጥዎ፣ ኣብ ክንዲ ንፈጣሪ፡—ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡—ንፍጥረት ኣምለኹን ኣገልገሉን። 26  ስለዚ ድማ እዩ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወተ ስጋ ኣሕሊፉ ዝሃቦም፣ ከመይሲ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ባህርያዊ ርክብ፡ ናብ ዘይባህርያዊ ለወጣኦ፣ 27  እቶም ደቂ ተባዕትዮ እውን ከምኡ ነቲ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ዚግበር ባህርያዊ ርክብ ሓዲጎም፡ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ጽዩፍ ተግባር እናገበሩን ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም እናተቐበሉን ኣብ ንሓድሕዶም ብፍትወት ረሰኑ። 28  ከምቲ ንኣምላኽ ብልክዕ ኪፈልጥዎ ዘይደለዩ፡ ኣምላኽ ከኣ ዘይግቡእ ነገር ኪገብሩ ንዘይሰምሮ ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም። 29  ብዅሉ ዓመጻ፡ እከይ፡ ስስዐ፡ ክፍኣት፡ ቅንኢ፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ ሕሰም ተመልኡ፣ ከምኡ እውን መሕሸዅሸዅቲ፡ 30  ሓመይቲ፡ ጸላእቲ ኣምላኽ፡ ነቓጻት፡ ዕቡያት፡ ተጀሃርቲ፡ ተጣበብቲ እከይ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ 31  ዘየስተውዕሉ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ጨካናት ኰኑ። 32  እዚኣቶም፡ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም፡ እዚ እውን ቅኑዕ ትእዛዝ ኣምላኽ ምዃኑ ኣጸቢቖም ዚፈልጡ ኽነሶም፡ ነዚ ይገብርዎ ኣለዉ፣ ሕሉፍ ሓሊፎም ከኣ ነቶም ዚገብርዎ ይሰምርዎም ኣለዉ።

እግረ ጽሑፍ