ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ራእይ 8:1-13

8  ነቲ ሻውዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ኣብ ሰማይ ኣስታት ፍርቂ ሰዓት ዚኣክል ስቕታ ዀነ።  ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ዝበሉ ሸውዓተ መላእኽቲ ድማ ረኣኹ፣ ሸውዓተ መለኸት እውን ተዋህቦም።  ካልእ መልኣኽ እውን መጸ እሞ፡ ጽንሃህ ወርቂ ሒዙ ኣብ መሰውኢ ደው በለ፣ ምስ ጸሎት ኵሎም እቶም ቅዱሳት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ምእንቲ ኬቕርቦ፡ ብዙሕ ዕጣን ተዋህቦ።  ትኪ እቲ ዕጣን ከኣ ምስ ጸሎት እቶም ቅዱሳት፡ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓረገ።  እቲ መልኣኽ ድማ ነቲ ጽንሃህ ወሰዶ፣ ካብ ሓዊ እቲ መሰውኢ መሊኡ ኸኣ፡ ናብ ምድሪ ደርበዮ። ነጐዳታትን ድምጽታትን በርቅታትን ምንቅጥቃጥ ምድርን እውን ኰነ።  እቶም ሸውዓተ መለኸት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ ኸኣ መለኸት ኪነፍሑ ተዳለዉ።  እቲ ቐዳማይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ። ደም እተሓወሶ በረድን ሓውን ኰነ፡ ናብ ምድሪ እውን ተደርበየ፣ ሲሶ ምድሪ ኸኣ ነደደ፡ ሲሶ ኣእዋም እውን ነደደ፡ ኵሉ ለምለም ኣትክልቲ ድማ ነደደ።  እቲ ኻልኣይ መልኣኽ እውን መለኸቱ ነፍሐ። ከም ዓብዪ ኸረን ዝበለ ኸኣ ብሓዊ እናነደደ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ሲሶ ባሕሪ ድማ ደም ኰነ፣  ሲሶ እቶም ኣብ ባሕሪ ዚነብሩ ነፍሲ* ዘለዎም ፍጡራት ከኣ ሞቱ፡ ሲሶ መራኽብ እውን ተሰብራ። 10  እቲ ሳልሳይ መልኣኽ እውን መለኸቱ ነፍሐ። ዓብዪ ኰዀብ ከም መብራህቲ እናነደደ ኻብ ሰማይ ወደቐ፣ ኣብ ሲሶ ርባታትን ዓይኒ ማያትን ከኣ ወደቐ። 11  ስም እቲ ኰዀብ ድማ መሪር ተኽሊ ይብሃል። ሲሶ ማያት ከኣ መረረ፣ መሪር ብምዃኑ እውን፡ ብሰሪ እቲ ማይ ብዙሓት ሰባት ሞቱ። 12  እቲ ራብዓይ መልኣኽ እውን መለኸቱ ነፍሐ። ሲሶኦም ምእንቲ ኺጽልምትን ሲሶ መዓልቲ ምእንቲ ኸይበርህን ለይቲ እውን ከምኡ ምእንቲ ኪኸውንን፡ ሲሶ ጸሓይን ሲሶ ወርሕን ሲሶ ኸዋኽብትን ተወቕዐ። 13  ረኣኹ ድማ፡ ሓደ ኣብ ማእከል ሰማይ ዚዝምቢ ንስሪ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ “ብሰሪ እተን ተሪፈን ዘለዋ ደሃይ መለኸት እቶም መለኸቶም ኪነፍሑ እተቐረቡ ሰለስተ መላእኽቲ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ወይለኦም!” ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

እግረ ጽሑፍ

ራእ 8:9 * ወይ፡ “ህይወት።”