ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ራእይ 6:1-17

6  እቲ ገንሸል፡ ሓደ ኻብቲ ሸውዓተ ማሕተም ምስ ፈትሐ ኸኣ ረኣኹ፣ ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ድማ ከም ደሃይ ነጐዳ ብዝበለ ድምጺ፡ “ንዓ!” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ።  ረኣኹ ድማ፡ እንሆ፡ ኣምበላይ* ፈረስ፣ እቲ እተወጥሖ ኸኣ ቀስቲ ኣለዎ፣ ኣኽሊል እውን ተዋህቦ፣ እናሰዓረስ ኪስዕር ድማ ወጸ።  ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ እቲ ኻልኣይ ህያው ፍጡር፡ “ንዓ!” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ።  ካልእ ሓመር* ፈረስ ድማ ወጸ፣ እቲ እተወጥሖ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስ፡ ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተፈቕደሉ፣ ዓብዪ ሰይፊ እውን ተዋህቦ።  ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ እቲ ሳልሳይ ህያው ፍጡር፡ “ንዓ!” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ። ረኣኹ እውን፡ እንሆ፡ መጋል* ፈረስ፣ እቲ እተወጥሖ ድማ ኣብ ኢዱ ሚዛን ኣለዎ።  ካብ ማእከል እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ከኣ ከም ድምጺ ዚመስል፡ “ሓደ ስፍሪ* ስርናይ ብዲናር፡* ሰለስተ ስፍሪ ስገም ከኣ ብዲናር፣ ዘይቲ ኣውልዕን ወይንን ድማ ኣይትጕዳእ” ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።  ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ድምጺ እቲ ራብዓይ ህያው ፍጡር፡ “ንዓ!” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ።  ረኣኹ እውን፡ እንሆ፡ ጨላይ* ፈረስ፣ ስም እቲ እተወጥሖ ድማ ሞት እዩ። መቓብር* እውን ደድሕሪኡ ይስዕቦ ነበረ። ብነዊሕ ሰይፍን ብጥሜትን ብመቕዘፍትን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም፡ ንራብዓይ ኣፍ ምድሪ ኪቐትሉ ስልጣን ተዋህቦም።  ነቲ ሓምሻይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ነፍሳት እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝመስከርዎ ምስክርን እተሓርዱ፡ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ረኣኹ። 10  ዓው ብዝበለ ድምጺ ድማ፡ “ኦ ቕዱስን ሓቀኛን ልዑላዊ ጐይታ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ክሳዕ መዓስከ ኢኻ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧” እናበሉ ጨርሑ። 11  ንነፍሲ ወከፎም ከኣ ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፣ ቍጽሪ እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዚመልእ ድማ፡ ቍሩብ ግዜ ኺዓርፉ ተነግሮም። 12  ነቲ ሻድሻይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ ረኣኹ እሞ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፣ ጸሓይ ብጸጕሪ* ኸም እተገብረ ማቕ ጸለመት፡ ብዘላ ወርሒ እውን ከም ደም ኰነት። 13  ከምቲ ኦም በለስ* ብብርቱዕ ንፋስ ሰሰው ምስ በለት ነቲ ዝጐዐ ፍሪኣ እተርግፍ፡ ከምኡ ድማ ከዋኽብቲ ሰማይ ናብ ምድሪ ወደቑ። 14  ሰማይ ከኣ ከም ዚጥቕለል ዘሎ መጽሓፍ ኣልገሰ፣ ኵሎም ኣኽራንን ደሴታትን እውን ካብ በቦታኦም ገዓዙ። 15  ነገስታት ምድርን መኳንንትን ኣሕሉቕ ሽሕን ሃብታማትን ሓያላትን ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን ኣብ በዓትታትን ኣብ መንጎ ኣኻውሕ ኣኽራንን ተሓብኡ። 16  ንኣኽራንን ንኣኻውሕን ድማ፡ “ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም፡ ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠን ካብ ቍጥዓ እቲ ገንሸልን ሕብኡና፣ 17  ከመይሲ፡ እታ ዓባይ መዓልቲ ቝጥዓኦም መጺኣ ኣላ፡ መንከ እዩ ደው ኪብል ዚኽእል፧” በልዎም።

እግረ ጽሑፍ

ራእ 6:2 * ወይ፡ “ጻዕዳ።”
ራእ 6:4 * ወይ፡ “ቀይሕ።”
ራእ 6:5 * ወይ፡ “ጸሊም።”
ራእ 6:6 * ብግሪኽኛ ኮይኒክስ። ካብ ሓደ ሊትሮ ቝሩብ ዚዛይድ።
ራእ 6:6 * 3.85 ግራም ዝኽብደቱ፡ ማዕረ ናይ ሓደ መዓልቲ ደሞዝ ዝዀነ ሰልዲ ብሩር ሮሜ። ማቴ 20:2 ርአ።
ራእ 6:8 * ወይ፡ “ሓምዅሽታይ።”
ራእ 6:8 * ወይ፡ “ሲኦል።” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ መመላእታ ጽሑፍ 8 ርአ።
ራእ 6:12 * ምናልባት ጸጕሪ ጤል።
ራእ 6:13 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “በለስ” ርአ።