ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ራእይ 5:1-14

5  ኣብ የማን እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ድማ፡ ብውሽጣን ብዝባናን እተጻሕፋ፡ ብሸውዓተ ማሕተም ከኣ እተሓትመት ጥቕልልቲ መጽሓፍ ረኣኹ።  ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ፡ “ነዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ኪቐልዓን ነቲ ማሕተማታ ኺፈትሖን ዚበቅዕ መን እዩ፧” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኺእውጅ ከሎ ረኣኽዎ።  ኣብ ሰማይ ኰነ፡ ኣብ ምድሪ ዀነ፡ ወይስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ፡ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እቲኣ ኪቐልዓ ወይስ ኪርእያ ዚኽእል ሓደ እኳ ኣይነበረን።  ኣነ ኸኣ፡ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኪቐልዓ ወይስ ኪርእያ ዚበቅዕ ሓደ እኳ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብዙሕ በኸኹ።  ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት ግና፡ “ኣይትብከ። እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ፡ እቲ ሱር ዳዊት፡ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኪቐልዓን ነቲ ማሕተማታ ኺፈትሖን ስዒሩ ኣሎ” በለኒ።  ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን ኣብ ማእከል እቶም ሽማግለታትን፡ ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል ገንሸል ደው ኢሉ ረኣኹ። ንሱ ኸኣ ሸውዓተ ቐርንን ሸውዓተ ዓይንን ኣለዎ፣ እቲ ኣዒንቲ ድማ እቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ እተላእኩ ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም።  ንሱ ኸኣ ከይዱ፡ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ወሰዳ።  ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዳ ድማ፡ እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግለታትን፡ ነፍሲ ወከፎም መሰንቆን* ዕጣን ዝመልአ ጭሔሎ ወርቅን ሒዞም፡—እቲ ዕጣን ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳት እዩ፡—ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ፍግም በሉ።  ከምዚ እናበሉ ኸኣ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ፦ “ንስኻ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ክትወስዳን ነቲ ማሕተማታ ኽትፈትሖን ብቑዕ ኢኻ፣ ምኽንያቱ፡ ተሓሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ነገድን ቋንቋን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዓዲግካ ኢኻ፣ 10  ንኣምላኽና ድማ መንግስትን ካህናትን ጌርካዮም፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸኣ ኪነግሱ እዮም።” 11  ረኣኹ ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን እቶም ሽማግለታትን ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩ፣ ቍጽሮም ድማ ኣእላፋት ግዜ ኣእላፋት፡* ኣሽሓት ግዜ ኣሽሓት እዩ። 12  ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ “እቲ እተሓርደ ገንሸል፡ ሓይልን ሃብትን ጥበብን ብርታዐን ክብርን ግርማን ኪቕበል ብቑዕ እዩ” በሉ። 13  ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ዘሎ ዅሉ ፍጡር፡ ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዅሉ እውን፡ “በረኸትን ክብርን ግርማን ሓይልን ንዘለኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን” ኪብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ። 14  እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ድማ፡ “ኣሜን” በሉ፣ እቶም ሽማግለታት እውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ።

እግረ ጽሑፍ

ራእ 5:8 * ወይ፡ “ክራርን።”
ራእ 5:11 * ወይ፡ “ዓሰርተታት ኣሽሓት ግዜ ዓሰርተታት ኣሽሓት።”