ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ራእይ 4:1-11

4  ድሕርዚ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ሰማይ ክፉት ኣፍ ደገ ረኣኹ፣ እቲ ኺዛረበኒ ዝሰማዕክዎ ኸም መለኸት ዝበለ ቐዳማይ ድምጺ፡ “ናብዚ ደዪብ እሞ፡ እቲ ኪኸውን ዘለዎ ኸርእየካ እየ” በለኒ።  ድሕርዚ፡ ብኡብኡ ብመንፈስ ተመሰጥኩ፦ እንሆ ድማ፡ ዝፋን ኣብ ሰማይ ኣብ ቦታኡ ተነቢሩ፡ ኣብቲ ዝፋን እውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ።  እቲ ተቐሚጡ ዝነበረ ኸኣ፡ ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን ሰርድዮስን ይመስል ነበረ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ድማ ስመራግዶስ ዚመስል ቀስተ ደበና ነበረ።  ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ ዕስራን ኣርባዕተን ዝፋናት፡ ኣብቲ ዝፋናት እውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ፡ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግለታት ተቐሚጦም ረኣኹ።  ካብቲ ዝፋን ድማ በርቅታትን ደሃያትን ነጐዳታትን ወጸ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ሸውዓተ መብራህቲ ሓዊ ይነድድ ነበረ፣ እዚኣቶም ድማ እቶም ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም።  ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ከም ባሕሪ መረጼን ዝዀነ፡ ክሪስታል ዚመስል ኣሎ። ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን ድማ፡ ብቕድሚኦምን ብድሕሪኦምን ኣዒንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ኣለዉ።  እቲ ቐዳማይ ህያው ፍጡር ከኣ ኣንበሳ ይመስል፣ እቲ ኻልኣይ ህያው ፍጡር ድማ ዝራብዕ ይመስል፣ እቲ ሳልሳይ ህያው ፍጡር ከኣ ገጽ ሰብ ዚመስል ገጽ ኣለዎ፣ እቲ ራብዓይ ህያው ፍጡር እውን ዚነፍር ንስሪ ይመስል።  እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ድማ፡ ነፍሲ ወከፎም ሸሽዱሽተ ኽንፊ ኣለዎም፣ ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም ኣሎ። መዓልትን ለይትን ከየቋረጹ ድማ፡ “እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ” ይብሉ።  እቶም ህያዋን ፍጡራት ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ድማ ህያው ኰይኑ ዚነብር፡ ግርማን ክብርን ምስጋናን ኪህብዎ ኸለዉ፡ 10  እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግለታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ፍግም ኢሎም፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር ከምዚ እናበሉ ሰገዱሉ፦ 11  “ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”

እግረ ጽሑፍ