ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ራእይ 21:1-27

21  እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሓሊፎም፡ ባሕሪ እውን ደጊም የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ረኣኹ።  እታ ቕድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንሰብኣያ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ረኣኹ።  ካብቲ ዝፋን ከኣ ከምዚ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ፦ “እንሆ፡ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱ እውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም። ኣምላኽ ባዕሉ እውን ምሳታቶም ኪኸውን እዩ።  ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”  እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” በለ። “እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሓፍ” ድማ በለኒ።  ከምዚ እውን በለኒ፦ “ኰይኑ! ኣልፋን ኦሜጋን፡* መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ንዝጸምአ፡ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብናጻ ኽህቦ እየ።  እቲ ዚስዕር፡ ነዚ ኺወርስ እዩ፣ ኣነ ኣምላኹ ክዀኖ፡ ንሱ እውን ወደይ ኪዀነኒ እዩ።  እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ጽዩፋትን ቀተልትን ኣመንዝራታትን ጠንቈልትን ኣምለኽቲ ጣኦትን ኵሎም ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ።”  ሓደ ኻብቶም በቲ ዳሕሮት ሸውዓተ መዓት ዝመልአ ሸውዓተ ጭሔሎ ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ መጺኡ ኸኣ፡ “ንዓ እሞ ነታ መርዓት፡ ሰበይቲ እቲ ገንሸል፡ ከርእየካ እየ” በለኒ። 10  ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፣ እታ ቕድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ፣ 11  ክብሪ ኣምላኽ እውን ነበራ። ድምቀት ብርሃና ኸኣ ከም ኣዝዩ ኽቡር እምኒ፡ ከምቲ ኸም ጽሩይ ክሪስታል ዜብርህ እምኒ ያስጲስ ነበረ። 12  ዓብይን ነዊሕን መካበብያን ዓሰርተው ክልተ ኣፍ ደገታትን ነበራ፣ ኣብቲ ኣፍ ደገታት ድማ ዓሰርተው ክልተ መላእኽቲ ነበሩ፣ ኣብቲ ኣፍ ደገታት እውን ስማት እቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ደቂ እስራኤል ተጻሒፉ ነበረ። 13  ብምብራቕ ሰለስተ ኣፍ ደገ፡ ብሰሜን ድማ ሰለስተ ኣፍ ደገ፡ ብደቡብ ከኣ ሰለስተ ኣፍ ደገ፡ ብምዕራብ ድማ ሰለስተ ኣፍ ደገ ነበረ። 14  መካበብያ እታ ኸተማ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ እምኒ መሰረት ነበሮ፣ ኣብኡ ድማ ዓሰርተው ክልተ ስማት እቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እቲ ገንሸል ነበረ። 15  እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ ኸኣ፡ ነታ ኸተማን ነቲ ኣፍ ደገታታን ነቲ መካበብያኣን ምእንቲ ኺዕቅነሉ፡ ሻምብቆ ወርቂ ኸም መዐቀኒ ሒዙ ነበረ። 16  እታ ኸተማ ድማ ኣርባዕተ ዝመኣዝና ነበረት፣ ንውሓታ እውን ክንዲ እቲ ግፍሓ ነበረ። በቲ ሻምብቆ ድማ ነታ ኸተማ ዓቀና እሞ 12,000 ስታድያ* ዀነት፣ ንውሓታን ግፍሓን ቍመታን ከኣ ማዕረ ነበረ። 17  ነቲ መካበብያኣ ድማ ዓቀኖ እሞ ብመዐቀኒ ሰብ፡ ብናይ መልኣኽ እውን፡ 144 እመት ኰነ። 18  እቲ መካበብያኣ ኸኣ ብያስጲስ እተገብረ ነበረ፣ እታ ኸተማ እውን ከም ጽሩይ መረጼን ዚመስል ጽሩይ ወርቂ ነበረት። 19  መሰረታት መካበብያ እታ ኸተማ ኸኣ ብኽቡር እምኒ ዘበለ ተሰሊሙ ነበረ፦ እቲ ቐዳማይ መሰረት ያስጲስ፡ እቲ ኻልኣይ ሰፊሮስ፡ እቲ ሳልሳይ ከልቄዶን፡ እቲ ራብዓይ ስመራግዶስ፡ 20  እቲ ሓምሻይ ሰርዶንክስ፡ እቲ ሻድሻይ ሰርድዮስ፡ እቲ ሻውዓይ ክሪሶሊት፡ እቲ ሻምናይ በሪሎስ፡ እቲ ታሽዓይ ቶጳዝዮን፡ እቲ ዓስራይ ክሪሶጵራስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ህያክንቶስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ኣሜትስጦስ ነበረ። 21  እቲ ዓሰርተው ክልተ ኣፍ ደገ ድማ ዓሰርተው ክልተ ሉል ነበረ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣፍ ደገ ኻብ ሓደ ሉል እተገብረ ነበረ። ጐደና እታ ኸተማ ኸኣ ከም ጽሩይ መረጼን ዚመስል ጽሩይ ወርቂ ነበረ። 22  እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽን እቲ ገንሸልን ቤተ መቕደሳ እዮም እሞ፡ ኣብኣ ቤተ መቕደስ ኣይረኣኹን። 23  ነታ ኸተማ፡ ክብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ፡ መብራህታ እውን እቲ ገንሸል እዩ እሞ፡ ጸሓይ ወይ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን እዩ። 24  ኣህዛብ ብብርሃና ኺመላለሱ፡ ነገስታት ምድሪ እውን ክብሮም ናብኣ ኼምጽኡ እዮም። 25  ኣብኣ ለይቲ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ኣፍ ደገታታ ብመዓልቲ ኸቶ ኣይኪዕጾን እዩ። 26  ግርማን ክብርን ኣህዛብ ከኣ ናብኣ ኼምጽኡ እዮም። 27  እቶም ኣብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት እቲ ገንሸል እተጻሕፉ ደኣ እምበር፡ ርኽሰት ዘበለን ጽያፍን ሓሶትን ዚገብር ዘበለን ናብኣ ኸቶ ኣይኪኣቱን እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ራእ 21:6 * ወይ፡ “‘ሀ’ን ‘ፐ’ን።” ኣልፋኦሜጋን ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ፊደላት ግሪኽኛ እየን።
ራእ 21:16 * ሓደ ስታድዮን፡ ኣስታት 190 ሜተር ኣቢሉ ይኸውን።