ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ራእይ 20:1-15

20  መፍትሕ መዓሙቝን ሓደ ዓብዪ ሰንሰለትን ኣብ ኢዱ ዝሓዘ መልኣኽ ድማ፡ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ረኣኹ።  ንሱ ኸኣ ነቲ ገበል፡ ነቲ ድያብሎስን ሰይጣንን ዝዀነ ናይ ጥንቲ ተመን ሓዞ፣ 1,000 ዓመት እውን ኣሰሮ።  እተን 1,000 ዓመት ክሳዕ ዚውድኣ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ከኣ፡ ናብ መዓሙቝ ደርብዩ፡ ዓጽዩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሓተመ። ድሕርዚ፡ ንቝሩብ ግዜ ኺፍታሕ ይግብኦ እዩ።  ዝፋናት ድማ ረኣኹ፣ እቶም ኣብኡ እተቐመጡ ኸኣ ኪፈርዱ ስልጣን ተዋህቦም። ነፍሳት እቶም ብዛዕባ የሱስ ብምምስካሮምን ብዛዕባ ኣምላኽ ብምዝራቦምን እተቐንጸሉ* ድማ ረኣኹ። ንሳቶም ነቲ ኣራዊት ኰነ ንምስሉ ኣይሰገዱን፡ ኣብ ግምባሮምን ኣብ ኢዶምን ከኣ ማሕተሙ ኣይተቐበሉን። ህያዋን ኰይኖም ከኣ፡ ምስ ክርስቶስ 1,000 ዓመት ነገሱ።  (እቶም ዝተረፉ ምዉታት፡ እተን 1,000 ዓመት ክሳዕ ዚውድኣ፡ ህያዋን ኣይኰኑን።) እዚ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ እዩ።  ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ግደ ዘለዎ ዘበለ ሕጉስን ቅዱስን እዩ፣ ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡ እውን 1,000 ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞትሲ ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን።  እተን 1,000 ዓመት ምስ ተወድኣ ኸኣ፡ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ  እሞ ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዘለዉ ኣህዛብ፡ ማለት ንጎግን ማጎግን፡ ናብ ውግእ ምእንቲ ኺእክቦም፡ ኬስሕቶም ኢሉ ኺወጽእ እዩ። ንሳቶም ድማ ቍጽሮም ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ።  ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ ኸኣ ገስገሱ፡ ንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍትውቲ ኸተማን ድማ ከበቡ። ካብ ሰማይ ግና ሓዊ ወሪዱ በልዖም። 10  እቲ ዜስሕቶም ድያብሎስ ከኣ ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ናይ ሓሶት ነብይን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ፣ ንዘለኣለመ ኣለም ድማ መዓልትን ለይትን ኪሳቐዩ* እዮም። 11  ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን ኣብኡ እተቐመጠን ከኣ ረኣኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፡ ቦታ እውን ኣይተረኽበሎምን። 12  ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ረኣኹ፣ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እውን ተቐልዐ። ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እውን ተቐልዐት፣ እዚኣ፡ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት እያ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እተጻሕፈ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። 13  ባሕሪ ኸኣ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ሃበት፣ ሞትን መቓብርን* እውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ሃቡ፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። 14  ሞትን መቓብርን* ድማ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት፡ ማለት ቀላይ ሓዊ እዩ። 15  ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ ዘበለ ኸኣ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።

እግረ ጽሑፍ

ራእ 20:4 * ቃል ብቓሉ፡ “ብፋስ እተቐንጸሉ።”
ራእ 20:10 * ወይ፡ “ኪቕየዱ፣ ኪእሰሩ።” እታ ብስም መልክዕ ዝቘመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ንሓለውቲ እሱራት ተመልክት።—ማቴ 18:34 ርአ።
ራእ 20:13 * ወይ፡ “ሲኦልን።” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ መመላእታ ጽሑፍ 8 ርአ።
ራእ 20:14 * ወይ “ሲኦልን።”