ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ራእይ 19:1-21

19  ድሕርዚ፡ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሓት ህዝቢ ዝኣመሰለ ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ። ከምዚ ኸኣ በሉ፦ “ንያህ ወድስዎ!* ድሕነትን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፣  ከመይሲ፡ ፍርዱ ሓቅን ቅኑዕን እዩ፣ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘበላሸወት ዓባይ ኣመንዝራ ድማ ፈሪድዋ እዩ፣ ንደም ባሮቱ እውን ካብ ኢዳ ፈድዩ እዩ።”  ካልኣይ ሳዕ ድማ፡ “ንያህ ወድስዎ! ትካ እውን ንዘለኣለመ ኣለም ይዓርግ” በሉ።  እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግለታትን እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን ከኣ ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኣምላኽ፡ “ኣሜን! ንያህ ወድስዎ!” እናበሉ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።  ካብቲ ዝፋን እውን፡ “ኣቱም እትፈርህዎ ንኣሽቱን ዓበይትን ኵሉኹም ባሮቱ፡ ንኣምላኽና ወድስዎ” ዚብል ድምጺ ወጸ።  ከም ድምጺ ብዙሓት ህዝብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ድማ ሰማዕኩ። ከምዚ ኸኣ በሉ፦ “እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ንያህ ወድስዎ።  መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ ሰበይቱ እውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሓጐስ፡ ባህ እውን ይበለና፡ ንዕኡ ድማ ክብሪ ንሃቦ።  እወ፡ ብሩህን ጽሩይን ቅጭን በፍታ ኽትክደን ተዋህባ፣ እቲ ቕጭን በፍታ ኸኣ ንጽድቂ እቶም ቅዱሳት የመልክት።”  ንሱ ድማ፡ “ጽሓፍ፦ እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዓደሙ ሕጉሳት እዮም” በለኒ። “እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እዩ” እውን በለኒ። 10  ኣነ ኸኣ ክሰግደሉ ኢለ፡ ኣብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ። ንሱ ግና፡ “ከይትገብሮ! ኣነስ ከማኻን ከምቶም ዕዮ ምስክርነት የሱስ ዘለዎም ኣሕዋትካን ባርያ እየ። ንኣምላኽ ደኣ ኣምልኮ። ከመይሲ፡ ትንቢት ዚንገር፡ ብዛዕባ የሱስ ንምምስካር እዩ” በለኒ። 11  ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ረኣኹ፣ እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ* ፈረስ። እቲ እተወጥሖ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሃል፣ ብጽድቂ እውን እዩ ዚፈርድን ዚዋጋእን። 12  ኣዒንቱ ሃልሃልታ ሓዊ እየን፣ ኣብ ርእሱ እውን ብዙሕ ዘውድታት ኣለዎ። ብዘይካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ ኣለዎ፣ 13  ደም እተነጽጎ ኽዳን ተኸዲኑ ነበረ፣ ስሙ እውን ቃል ኣምላኽ ይብሃል። 14  ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ቅጭን በፍታ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተወጢሖም ሰዓብዎ። 15  ካብ ኣፉ ድማ ንኣህዛብ ኪወቕዓሉስ፡ በሊሕ ነዊሕ ሰይፊ ይወጽእ፣ ንሱ ኸኣ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ። ነቲ ናይቲ ነድሪ ቝጥዓ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ መጽመቝ ወይኒ ድማ ይረግጾ። 16  ኣብ ክዳኑን ኣብ ሰለፉን ከኣ፡ ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይተትን ዚብል ጽሑፍ ስም ኣለዎ። 17  ሓደ መልኣኽ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ኸኣ ረኣኹ፣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ድማ ኣብ ማእከል ሰማይ ንዚነፍራ ዅለን ኣዕዋፍ ከምዚ ኢሉ ጨደረለን፦ “ንዕነ፡ ናብቲ ዓብዪ ድራር ኣምላኽ ተኣከባ፣ 18  ስጋ ነገስታትን ስጋ ኣሕሉቕ ሽሕን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ስጋ እቶም እተወጥሕዎምን፡ ስጋ ዅሎም ጭዋታትን ባሮትን ንኣሽቱን ዓበይትን ብልዓ።” 19  እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተወጥሐን ምስ ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ረኣኹ። 20  እቲ ኣራዊት ድማ ተታሕዘ፣ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዘስሓተሉ ትእምርትታት ኣብ ቅድሚኡ ዝገበረ ናይ ሓሶት ነብዪ እውን ምስኡ ተታሕዘ። ብህይወቶም ከለዉ፡ ክልቲኦም ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ተደርበዩ። 21  እቶም ዝተረፉ ግና በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ እተወጥሐ ዚወጽእ ነዊሕ ሰይፊ ተቐትሉ። ኵለን ኣዕዋፍ ከኣ ስጋኦም በሊዐን ጸገባ።

እግረ ጽሑፍ

ራእ 19:1 * ወይ፡ “ሃሌሉያ” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ።” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ራእ 19:11 * ወይ፡ “ጻዕዳ።”